ራእይ ዮሓንስ 11
[1] ድኅርዙይ ዘንጊ ዘመስል መዐቀኒ ተዉሃበኒ እሞ ተሥእ፤ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሔርን ነቲ መሠዉዕን ዓቅኖ፤ ነቶም ኣብኡ ዘሰግዱ ዘለዉዉን ቊጸሮም በለኒ።
[2] እቲ ብወፃኢ መቕደስ ዘሎ ቕጽሪ ግና ነሕዛብ ተዉሂቡ እዩ እሞ ሕደጎ ኣይትዓቅኖ፤ ኣሕዛብ ከዓ ነታ ቕድስቲ ኸተማ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኽረግጽዋ እዮም።
[3] ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ ኃይሊ ኽህቦም እየ በለኒ።
[4] እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዘቖሙ ኽልተ ኣዋሊዕን ክልተ ቐወምቲ ቐናዲልን እዮም።
[5] ሓደኳ ኽጐድኦም እንተ ደለየ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወፅእ እሞ ንጸላእቶም የቃጽሎም። እቲ ኽጐድኦም ዘደሊ ብኸምዙይ ክቕተል እዩ።
[6] እዚኣቶም በተን ዘንበዩለን መዓልትታት ዘናም ምእንቲ ኸይዘንም ንሰማይ ክዓጽዉዎ ሥልጣን ኣለዎም። ንማያት ናብ ደም ክልዉጥዎ ንምድሪ ኸዓ ብዘደለይዎ ዓይነት ክቐዘፍዋ ሥልጣን ኣለዎም።
[7] ምስክርነቶም ምስ ፈጸሙ ድማ እቲ ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ዘወፅእ ኣራዊት ክዋግኦምን ክሥዕሮምን ክቐትሎምን እዩ።
[8] ንሬሳኣቶም ከዓ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም ዘተሰቕለላ ዓባይ ከተማ ኸንብሮ እዩ። ንሳ ብምሳሌ ጌርካ ኽትዛረብ እንተለኻ ሰዶም ወይ ግብጺ እትብሃል እያ።
[9] ካብ ዘተፈላለዩ ሕዘብታትን ነገዳትን ቋንቋታትን ኣሕዛብን ዘተኣከቡ ሰባት ነቲ ሬሳኣቶም ሠለስተ መዓልትን ፈረቓን ክርእይዎ እዮም። ሬሳኣቶም ከይቕበር ከዓ ክኽልክሉ እዮም።
[10] እቶም ኣብ ምድሪ ዘነብሩ በዞም ክልተ ነቢያት እዚኣቶም ይሳቐዩ ስለ ዘነበሩ እቶም ኣብ ምድሪ ዘነብሩ ብሙማት እዞም ክልተ ኽሕጐሱ ባህዉን ክብሎም እዩ፤ ንስንሳቶም ከዓ ዉህብቶ ኽወሃሃቡ እዮም።
[11] ድኅሪ ሠለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ካብ እግዚኣብሔር ናብቶም ነቢያት ኣተወ። በእጋሮምዉን ቆሙ፤ ናብቶም ዘርኣይዎም ከዓ ብርቱዕ ፍርኃት ሓደሮም።
[12] ድኅርዙይ ሓደ ዓብዪ ድምፂ ኻብ ሰማይ ናብዙይ ደይቡ! ክብሎም እንተሎ ሰምዑ ። እቶም ጸላእቶም እናጠመትዎም ከዓ ብደመና ናብ ሰማይ ዓረጉ።
[13] በታ ሰዓት እቲኣ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ዓሥራይ ኢድ እታ ኸተማዉን ዓነወ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸዓ ሸዉዓተ ሽሕ ሰባት ተቐትሉ። እቶም ዘተረፉ ድማ ፍርኃት ስለ ዘኃዞም ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ሃብዎ።
[14] እቲ ኻልኣይ መከራ ሓሊፉ፤ እነሆ እቲ ሣልሳይ መከራ ቐልጢፉ ይመጽእ ኣሎ።
[15] እቲ ሻዉዓይ መልኣኽዉን መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ መንግሥቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ መሢሑን ኮይና እያ፤ ንዘለዓለመ ዓለምዉን ክነግሥ እዩ ዘብል ብርቱዕ ድምፂ መጸ።
[16] እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብ ዙፋናቶም ተቐሚጦም ዘነበሩ ዕሥራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ከዓ ከምዙይ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንእግዚኣብሔር ሰገዱ፦
[17] ኦ! ዘለኻን ዘነበርካን ኲሉ እትኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ! ነቲ ዓብዪ ሥልጣንካ ስለ ዘወሰድካዮን ስለ ዘነገሥካን ነመስግነካ ኣለና።
[18] ኣሕዛብ ተቖጢዖም ነበሩ፤ ቊጥዓኻዉን መጸ፤ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ ነቶም ባሮትካ ዘኾኑ ነቢያትን ነቶም ንስምካ ዘኽብሩ ቕዱሳንን ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ ዓስቦም እትህበሉ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪዉን እተጥፍአሉ ዘመን በጺሑ እዩ በሉ።
[19] ድኅርዙይ እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ እግዚኣብሔር ተኸፈተት፤ ኣብታ መቕደስ እግዚኣብሔርዉን ታቦት ኪዳኑ ተርአየ፤ መብረቕን ድምፅን ነጐድጓድን ምንቅጥቃጥ ምድርን ብርቱዕ በረድን ድማ ኾነ።