Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:44

[1] ብድኅርዙይ ሓደ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ዓሠርተ ኣቕርንትን ሸዉዓተ ኣራእስን ነበሮ። ኣብ ኣቕርንቱ ዓሠርተ ዘዉዲ ኣብ ኣራእሱዉን ንእግዚኣብሔር ዘጸርፍ ስም ነበሮ።

[2] እቲ ዘረአኽዎ ኣራዊት ከዓ ነብሪ ይመስል ነበረ። ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ ኣፉ ኸም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል ነበረ። እቲ ገበል ድማ ኃይሉን ዙፋኑን ዓብዪ ሥልጣንን ሃቦ።

[3] ሓደ ኻብቶም ኣራእሱዉን ንሞት ዘብጽሕ ቊስሊ ነበሮ። እቲ ናብ ሞት ዘብጽሕ ቊስሉ ግና ሓወየ። ምድሪ ብምልእታ ድማ ተገሪማ ደድኅሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት።

[4] ንሳቶም ከዓ ነቲ ኣራዊት ሥልጣን ስለ ዘሃቦ ነቲ ገበል ሰገዱሉ። ነቲ ኣራዊትዉን ነዘ ኣራዊት እዙይ መን ይመስሎ? መንከ ኽዋግኦ ይኽእል? እናበሉ ሰገዱሉ።

[5] ትዕቢትን ንእግዚኣብሔር ዘጸርፍ ቃላትን ዘዛረብ ኣፍ ተዉሃቦ። ነርብዓን ክልተን ኣዋርሕ ግብሩ ኽገብርዉን ሥልጣን ተዉሃቦ።

[6] ሽዑ ንእግዚኣብሔር ክጸርፍ ንስሙን ንማኅደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዘነብሩንዉን ክጸርፎም ኣፉ ኸፈተ።

[7] ነቶም ቅዱሳን ክዋግኦምን ክስዕሮምን ፍቓድ ረኸበ። ኣብ ልዕሊ ዂላቶም ነገዳትን ሕዘብን ቋንቋታትን ኣሕዛብን ድማ ሥልጣን ተዉሃቦ።

[8] እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዘተሓርደ በጊዕ መጽሓፍ ሕይወት ዘይተጽሓፈ ኣብ ምድሪ ዘነብሩ ዂላቶም ክሰግዱሉ እዮም።

[9] ዘሰምዕ እዘኒ ዘለዎ ይስማዕ!

[10] እቲ ኽማረኽ ዘለዎ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ፤ እቲ ብሰይፊ ኽቕተል ዘለዎ ብሰይፊ ኽቕተል እዩ።› እቲ ናይቶም ቅዱሳን ትዕግሥትን እምነትን ዘርአ ኸዓ ኣብዙይ እዩ።

[11] ኻልእ ኣራዊትዉን ካብ ምድሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ከም ናይ በጊዕ ዘመስል ክልተ ቐርኒ ድማ ነበሮ። ዘረባኡ ኸዓ ከም ዘረባ ገበል ነበረ።

[12] ካብቲ ቐዳማይ ኣራዊት ምሉእ ሥልጣን ተቐበለ፤ ኣብ ቅድሚኡ ድማ ኽሠርሕ ጀመረ። ምድርን እቶም ኣብኣ ዘነብሩን ከዓ ነቲ ናብ ሞት እተብጽሕ ቊስሉ ዘሓወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከም ዘሰግዱሉ ገበረ።

[13] እቲ ኻልኣይ ኣራዊት ኣብ ቅድሚ ሰብ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ሓዊ ኽሳዕ ዘዉርድ ዓበይቲ ምልክታት ገበረ።

[14] ነቶም ኣብ ምድሪ ዘነብሩዉን ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዘቖሰለ እሞ ዘሓወየ ቐዳማይ ኣራዊት ምስሊ ግበሩሉ እናበለ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ክገብሮ ዘተዉሃቦ ምልክታት ነቶም ኣብ ምድሪ ዘነብሩ የስሕቶም ነበረ።

[15] ምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ምእንቲ ኽዛረብን ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዂላቶም ምእንቲ ኸቕትሎምን ከዓ እቲ ኻልኣይ ኣራዊት ንምስሊ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ትንፋስ ክህቦ ተፈቕደሉ።

[16] እቲ ኻልኣይ ኣራዊት ኲላቶም እቶም ኣናእሽትን ዓበይትን ሃብታማትን ድኻታትን ጐይቶትን ኣገልገልትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይ ኣብ ግምባሮም ማኅተም ከም ዘግበረሎም ገበረ።

[17] ናይቲ ኣራዊት ስም ማኅተም ወይ ናይ ስሙ ቝጽሪ ዘይብሉ ሓደኳ ኽዕድግን ክሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር ነበረ።

[18] እምበኣርከስ ጥበብ ኣብዙይ እዩ ዘድሊ። ቊጽሪ እቲ ኣራዊት ቊጽሪ ሰብ እዩ እሞ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸዓ ሽዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን እዩ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters