Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:32

[1] ብድኅርዙይ እቶም ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዘን ምድሪ ደዉ ኢሎም ረአኹ። ንሳቶም ኣብ ምድሪ ወይ ኣብ ባሕሪ ወይ ኣብ ዘኾነ ኣእዋም ንፋስ ምእንቲ ኸይነፍስ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ኂዞምዎም ነበሩ።

[2] ንዘለዓለም ሕያዉ ናይ ዘኾነ ማኅተም ዘሓዘ ኻልእ መልኣኽ ካብ ምብራቕ ክወጽእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ኸዓ ነቶም ንምድርን ንባሕርን ክጐድኡ ሥልጣን ዘተዉሃቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምፂ ጸዉዖም እሞ

[3] ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ማኅተም ክሳዕ እንገብረሎም ንምድሪ ወይ ንባሕሪ ወይ ነእዋም ኣይትጕድእዎም በሎም።

[4] ቊጽሪ ናይቶም ማኅተም ዘተገብረሎም ክንደይ ከም ዘኾነ ድማ ሰማዕኹ። ካብ ኲሉ ነገድ እስራኤል ማኅተም ዘተገብረሎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።

[5] እቶም ማኅተም ዘተገብረሎም ካብ ነገድ ይሁዳ - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ነገድ ሮቤል - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ነገድ ጋድ - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ

[6] ካብ ነገድ ኣሴር - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ነገድ ንፍታሌም - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ነገድ ምናሴ - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ

[7] ካብ ነገድ ስምዖን - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ነገድ ሌዊ - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ነገድ ይሳኮር - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ

[8] ካብ ነገድ ዛብሎን - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ነገድ ዮሴፍ - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ ካብ ነገድ ብንያም - ዓሠርተ ኽልተ ሽሕ ነበሩ።

[9] ድኅርዙይ ድማ እንሆ ካብ ኲሎም ኣሕዛብን ዓሌታትን ሕዘብታትን ካብ ኲሉ ቛንቋታትን ዘተኣከቡ ሓደኳ ኽቖጽሮም ዘይኽእል ብዙኃት ሰባት ፃዕዳ ኽዳዉንቲ ተኸዲኖም ጨናፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ኂዞም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕን ደዉ ኢሎም እንተለዉ ረአኹ።

[10] ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ ምድኃን ናይቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ በጊዕን እዩ! እናበሉ ጸርሑ።

[11] እቶም መላእኽቲ ዂላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን እቶም ኣሕሉቕን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቆሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ብግምባሮም ተደፊኦም ከዓ ንእግዚኣብሔር ሰገዱሉ።

[12] ከምዙይ ከዓ ይብሉ ነበሩ፦ ኣሜን! ዉዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ሥልጣንን ኃይልን ንዘለዓለመ ዓለም ንኣምላኽና ይኹን! ኣሜን።

[13] ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ እዞም ፃዕዳ ኽዳዉንቲ ዘተኸድኑስ እንታዎት እዮም? ካበይከ እዮም መጺኦም? ኢሉ ጠየቐኒ።

[14] ኣነ ድማ ጐይታይ ንስኻ ትፈልጥ በልክዎ። ንሱ ኸዓ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ መከራ ዘወፁ ኽዳዉንቶምዉን ብደም እቲ በጊዕ ሓጺቦም ዘፃዕደዉ እዮም።

[15] ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን እግዚኣብሔር እኔዉ፤ ኣብታ መቕደሱዉን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸዓ ድንኳኑ ተኺሉ ኸጽልለሎም እዩ።

[16] ድኅሪ ሕዚ ኣይጠምዩን፤ ኣይጸምኡን፤ ፀሓይ ኮነ ሃሩር ድማ ኸቶ ኣይረኽቦምን እዩ።

[17] እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ ኽጓስዮም ናብ ዒላታት ማይ ሕይወትዉን ክመርሖም እዩ፤ እግዚኣብሔርዉን ካብ ኣዕይንቶም ኲሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩሞ በለኒ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters