Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 2:38

[1] እቲ በጊዕ ነቲ ሻዉዓይ ማኅተም ምስ ፈትሖ ኸዓ ኣብ ሰማይ ንፍርቂ ሰዓት ዘኣክል ህድኣት ኮነ።

[2] ድኅሪ እዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ደዉ ዘበሉ ሸዉዓተ መላእኽቲ ረአኹ። ሸዉዓተ መለኸትዉን ተዉሃቦም።

[3] ካልእ መልኣኽዉን ወርቂ ጽንሃህ ሒዙ መጸ እሞ ኣብ ቅድሚ መሠዉዒ ደዉ በለ። ምስቲ ጸሎት ኲሎም ቅዱሳን ወሲኹ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዙፋን ዘሎ መሠዉዒ ወርቂ ምእንቲ ኸቕርቦ ኸዓ ብዙኅ ዕጣን ተዉሃቦ።

[4] ትኪ እቲ ዕጣን ከዓ ምስቲ ጸሎት ቅዱሳን ኮይኑ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዓረገ።

[5] እቲ መልኣኽ ድማ ነቲ ጽንሃህ ወሲዱ ካብቲ ኣብ መሠዉዒ ዘሎ ጓሕሪ ሓዊ መልኦ፤ ናብ ምድሪዉን ደርበዮ፤ ነጐድጓድን ዓብዪ ድምፅን መብረቕን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከዓ ኾነ።

[6] እቶም ሸዉዓተ መለኸት ዘኃዙ ሸዉዓተ መላእኽቲ ድማ መለኸት ክነፍሑ ተዳለዉ።

[7] እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ፤ ደም ዘተሓወሶ በረድን ሓዉን ድማ መጸ፤ ናብ ምድሪዉን ተደርበየ። ሢሶ ምድሪ ነደደ፤ ሢሶ ኣእዋምዉን ነደደ፤ ኲሉ ለምለም ሣዕሪዉን ነደደ።

[8] እቲ ኻልኣይ መልኣኽዉን መለኸቱ ነፍሐ፤ ሃልሃል እናበለ ዘነድድ ዓብዪ እምባ ዘመስል ነገር ድማ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሢሶ ባሕሪ ድማ ደም ኮነ።

[9] ሢሶ ናይቲ ኣብ ባሕሪ ዘነብር ሕይወት ዘለዎ ፍጡርዉን ሞተ፤ ሢሶ መራኽብዉን ጠፍኣ።

[10] እቲ ሣልሳይ መልኣኽ ከዓ መለኸቱ ነፍሐ፤ ዓብዪ ኮኸብ ከም ሽግ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፤ ኣብ ሢሶ ሩባታትን ኣብ ዓይኒ ማያትን ድማ ወደቑ፡

[11] ስም እቲ ኮኸብ ከዓ ምረት እዩ ዘበሃል፤ ሢሶ ማያት ድማ መረረ፤ እቲ ማይ መሪር ብምዃኑዉን ብሰንኪ እቲ መሪር ማይ ብዙኃት ሰባት ሞቱ።

[12] እቲ ራብዓይ መልኣኽዉን መለኸቱ ነፍሐ፤ ሢሶ ፀሓይን ሢሶ ወርኅን ሢሶ ኸዋኽብትን ተወቕዐ። ናይ ብርሃኖም ሣልሳይ ኣፍ ድማ ጸልመተ። ስለዙይ ሢሶ ናይ መዓልቲ ጸልመተ፤ ሢሶ ናይ ለይቲ ኸዓ ብዘይ ብርሃን ወርኅን ከዋኽብትን ኮነ።

[13] ድኅርዙይ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእኸል ሰማይ ክዘምቢ እንተሎ ረአኹ። ዓዉ ብዘበለ ድምፂ ኸዓ እቶም ሠለስተ መላእኽቲ ነተን ተሪፈን ዘለዋ መለኸት ምስ ነፍሕወን ነቶም ኣብ ምድሪ ዘነብሩ ዘለዉ ወይለኦም! ወይለኦም! ወይለኦም! እንትብል ሰማዕኹ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters