ራእይ ዮሓንስ 15
[1] ሽዑ ኻልእ ዓብይን ዘገርምን ምልክት ኣብ ሰማይ ረአኹ፤ ሸዉዓተ መዓታት ዘኃዙ ሸዉዓተ መላእኽቲ ረአኹ፤ እዚኣተን እተን እግዚኣብሔር ብኣኣተን ገይሩ ቝጥዓኡ ዘፍጽመለን ናይ መወዳእታ መቕሠፍትታት እየን።
[2] ድኅርዙይ ብርለ ዘመስል ባሕሪ ረአኹ፤ ንሱዉን ምስ ሓዊ ዘተኃዋወሰ እዩ። እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ነቲ መጸዉዒኡ ዘኾነ ቝጽርን ዘሠዓሩ እግዚኣብሔር ዘሃቦም በገናታት ኂዞም ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መስትያት ደዉ ኢሎም ረአኹ።
[3] መዘሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዘኾነ ሙሴን መዘሙር እቲ በጊዕን ከምዙይ እናበሉ ይዘምሩ ነበሩ፦ ኦ ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ! ሥራሕኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኦ ንጉሥ ዘለዓለም! መንገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ።
[4] ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ ኦ እግዚኣብሔር! ዘይፈርሐካን ንስምካ ዘየኽብርን መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ ኲሎም ኣሕዛብ ክመጹ ኣብ ቅድሜኻዉን ክሰግዱ እዮም።
[5] ድኅርዙይ ድማ ረአኹ እንሆ እታ ድንኳን ምስክር ዘኾነት ቤተ መቕደስ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት።
[6] እቶም ሸዉዓተ መቕሠፍትታት ዘኃዙ ሸዉዓተ መላእኽቲ ኻብ ቤተ መቕደስ ወፁ። ንሳቶም ካብ ሃሪ ዘተሠርሐ ዘንጸባርቕ ጽሩይ ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ኣፍ ልቦምዉን ቅናዉቲ ወርቂ ተዓጢቖም ነበሩ።
[7] ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ ካብ ቊጥዓ እቲ ንዘለዓለመ ዓለም ዘነብር እግዚኣብሔር ዘተመልአ ሸዉዓተ ጽዋዕ ወርቂ ነቶም ሸዉዓተ መላእኽቲ ሃቦም።
[8] እታ መቕደስ ድማ ኻብቲ ናይ እግዚኣብሔር ግርማን ኃይልን ዘተልዓለ ብትኪ መልአት። ናይቶም ሸዉዓተ መላእኽቲ ሸዉዓቲአን መቕሠፍትታት ክሳዕ ዘዉድኣ ኸዓ ሓደኳ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን።