ራእይ ዮሓንስ 18
[1] ድኅርዙይ ዓብዪ ሥልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ እንትወርድ ረአኹ። ብናይ ክብሩ ነጸብራቕዉን ምድሪ በርሀት።
[2] ንሱ ኸዓ ኸምዙይ እናበለ ጸርሐ፦ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ! ወዲቓ! መኅደር ኣጋንንትን ሠፈር ኲሎም ርኹሳት መናፍስትን ሠፈር ኲሉ ርኹስን ሠፈር ዘጸይፍ ኲሉ ኣዕዋፍን ኮይና!
[3] ኲሎም ኣሕዛብ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዘርናኣ ሰትዮም፤ ነገሥታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድርዉን ብኃይሊ ጽጋባ ሃብቲሞም እዮም እሞ።
[4] ካብ ሰማይ ድማ ኻልእ ኸምዙይ ዘብል ድምፂ ሰማዕኹ፦ ኣቱም ሕዘበይ! ኣብቲ ኃጢኣታ ምእንቲ ኸይትተሓባበሩ ካብቲ መዓታዉን ምእንቲ ኸይትካፈሉ ካብኣ ዉፁ!
[5] ኃጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተዀሚሩ፤ እግዚኣብሔር ድማ ዓመፃኣ ዘኪሩ እዩ እሞ
[6] ከምቲ ንሳ ዘፈደየትኩም ፍደይዋ፤ ከምቲ ግብራዉን ዕጽፊ ምለሱላ። በቲ ዘቐድሐትሉ ጽዋዕ ኻዕበት ገይርኩም ቅድሑላ።
[7] ብልባ ነጊሠ ኽነብር እየ መበለትዉን ኣይኸዉንን እየ› ትብል ኣላ እሞ ክንድቲ ንባዕላ ዘኽበረቶን ዘሐንቀጾቶን ሥቓይን ኃዘንን ፍደይዋ።
[8] ስለዙይ እቲ ዘፈርዳ ዘሎ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኃያል እዩ እሞ እቲ መዓታ ብሓንቲ መዓልቲ ኽወርዳ እዩ፤ ሞትን ኃዘንን ጥሜትን ክመጻ እዩ፤ ብሓንቲ መዓልቲ ኽመጻ እዩ፤ ብሓዊዉን ክትቃጸል እያ።
[9] እቶም ምስኣ ዘመንዘሩን ዘሓንቀቑን ነገሥታት ምድሪ ኸዓ ነቲ ኽትነድድ እንተላ ተዉፅኦ ዘነበረት ትኪ ርእዮም ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።
[10] ነቲ ኣብኣ ዘወርድ ዘነበረ ሥቓይ ስለ ዘፈርኁ ኣብ ርኁቕ ደዉ ኢሎም፦ ወይለኺ! ወይለኺ! ኣቲ ዓባይ ከተማ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን ፍርድኺ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡኪ ኣሎ› ኽብሉ እዮም።
[11] እቶም ኣብ ምድሪ ዘነብሩ ነጋዶ ኸዓ ደጊም ፅዕነት መራኽቦም ዘዕድገሎም ስለ ዘየለ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።
[12] ጥሪታቶም ከዓ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ሻሽን ቀይሕ ዉፁእ ክዳንን ሃርን ቀይሕ ግምጃን ጥዑ ም መዓዛ ዘለዎ ዂሉ ዕንፀይትን ካብ ስኒ ሓርማዘ ዘተሠርሑ ኣቕሑን ብኽቡር ዕንፀይትን ብነሃስን ሓጺንን እምነ በረድን ዘተሠርሑ ኣቕሑን
[13] ቃርፋን ቀመምን ዕጣንን ከርበን ፃዕዳ ዕጣንን ወይንን ዘይትን ሕሩጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሠረገላታትን ባሮትን ከምኡ ኸዓ ኻልኦት ሰባትን እዮም።
[14] እቶም ነጋዶ፦ እቲ ነፍስኺ ዘበሃገቶ ፍረ ካባኺ ኃሊፉ፤ ሃብትኽን ግርማኽን ካባኺ ጠፊኡ፤ ድኅሪ ደጊም እዙይ ከቶ ኣይርከብን እዩ!› ክብሉ እዮም።
[15] እቶም ነዘ ነገራት እዙይ እናሸጡ ብኣኣ ዘሃብተሙ ነጋዶ ነቲ ሥቓያ ፈሪኆም ኣብ ርኁቕ ደዉ ክብሉ እዮም። ከምዙይ እናበሉዉን ክበኽዩን ክኃዘኑን እዮም፦
[16] እዛ ሻሽን ቀይሕ ዉፁእ ኽዳንን ቀይሕ ግምጃን ዘተኸድነት ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን ዘተሸለመት ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!
[17] ክንድዙይ ዘኣክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ክጠፍእ!› ኲሎም ኣዘዘቲ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ሥፍራኦም ዘጐዓዙ ሰባትን እቶም ኣብ ባሕሪ ዘነግዱ ዂሎምን ኣብ ርኁቕ ቆሙ።
[18] ንሳ ኽትነድድ እንተላ ነቲ ዘወፅእ ዘነበረ ትኪ ምስ ረአዩ ኸዓ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ እትመስል ከተማ ኸቶ ኣይነበረን› እናበሉ ኣእወዩ።
[19] እናበኸዩን እናኃዘኑንዉን ኣብ ርእሶም ሓመድ ነስነሱ። እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ኲሎም ብሃብታ ዘሃብተሙ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ ነዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!› እናበሉ ኣእወዩ።
[20] ኦ! ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ! እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ ሕነ ስለ ዘፈደየልኩም ኣቱም ቅዱሳንን ሓዋርያትን ነቢያትን ተሓጐሱ!
[21] ብድኅርዙይ ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዘኸዉን እምኒ ኣልዒሉ ኸምዙይ እናበለ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፦ ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ ከምዙይ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ ደጊም ከዓ ኸቶ ኣይትርከብን እያ።
[22] ድምፂ ቓነይቲ መሰንቆን ድምፂ ደረፍትን ነፋሕቲ እምቢልታን ድምፂ ነፋሕቲ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ፤ ዘኾነ ዓይነት እደ ጥበብ ዘሠርሕ ኲሉ ጥበበኛ ኣባኺ ኸቶ ኣይርከብን እዩ፤ ድኅሪ ደጊምስ ድምፂ መጥሓን ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ።
[23] ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፤ ኲሎም ኣሕዛብዉን ብጥንቊልናኺ ስሒቶም እዮም፤ ድኅሪ ደጊም ግና ኣባኺ ናይ መብራህቲ ብርሃን ከቶ ኣይበርህን፤ ድኅሪ ደጊምስ ኣባኺ ድምፂ መርዓዉን መርዓትን ከቶ ኣይስማዕን እዩ።
[24] ደም ነቢያትን ቅዱሳንን ደም ናይቶም ኣብ ምድሪ ዘተሓርዱ ዂሎም ኣብኣ ተረኺቡ እዩሞ።