ራእይ ዮሓንስ 16
[1] ካብታ መቕደስ ከዓ ነቶም ሸዉዓተ መላእኽቲ ኪዱ! ነቲ ቝጥዓ እግዚኣብሔር ዘኃዘ ሸዉዓተ ጽዋዕ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ! ዘብሎም ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ።
[2] ሽዑ እቲ ቐዳማይ መልኣኽ ከይዱ ጽዋዑ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማኅተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን ንምስሉ ዘሰገዱን ሰባት ክፉእ ዘሳቒ ቝስሊ ወፆም።
[3] እቲ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ ጽዋዑ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸዓ ኸም ናይ ዘሞተ ሰብ ደም ዘመስል ኮነ፤ ኣብቲ ባሕሪ ዘጸንሐ ትንፋስ ዘለዎ ዂሉ ሕያዉ ድማ ሞተ።
[4] እቲ ሣልሳይ መልኣኽዉን ጽዋዑ ናብ ሩባታትን ዓይኒ ማያትን ኣፍሰሰ። ንሳቶምዉን ደም ኮኑ።
[5] እቲ ኣብ ማያት ሥልጣን ዘለዎ መልኣኽ ድማ፦ ኣታ ዘለኻን ዘነበርካን ቕዱስ! ከምዙይ ጌርካ ስለ ዘፈረድካ ጻድቕ ኢኻ።
[6] ደም ቅዱሳንን ደም ነቢያትን ኣፍሲሶም እዮም፤ ንስኻ ኸዓ ደም ኣስተኻዮም፤ ይግብኦም እዩ እሞ ክብል እንተሎ ሰማዕኹ።
[7] ካብቲ መሠዉዒ ድማ፦ እወ ኦ! ዂሉ እትኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ! እቲ ፍርድኻ ሓቅን ቅኑዕን እዩ ዘብል ድምፂ ሰማዕኹ።
[8] እቲ ራብዓይ መልኣኽ ከዓ ጽዋዑ ኣብ ፀሓይ ኣፍሰሰ። ንፀሓይዉን ንሰብ ብሙቐታ ኽተንድድ ኃይሊ ተዉሃባ።
[9] እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፤ ንስም እቲ ኣብዘን መቕሠፍትታት እዚኣተን ሥልጣን ንዘለዎ እግዚኣብሔር ጸረፍዎ፤ ምንሳሕን ንእኡ ኽብሪ ምሃብን ከዓ ኣበዩ።
[10] እቲ ኃምሻይ መልኣኽ ከዓ ጽዋዑ ኣብ ዙፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። መንግሥቲ እቲ ኣራዊት ድማ ጸልመተት፤ ብሰንኪ እቲ ሥቓይዉን ሰባት መላሕሶም ሓየኹ።
[11] ካብ ክፉእ ግብሮም ክንዲ ዘንስሑ ብሰንኪ ቓንዛኣቶምን ቊስልታቶምን ከዓ ንኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ።
[12] እቲ ሻድሻይ መልኣኽዉን ጽዋዑ ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ፀሓይ ዘመጹ ነገሥታት ድማ መንገዲ ምእንቲ ኽዳለወሎም እቲ ማዩ ነጸፈ።
[13] ብድኅርዙይ ጭንቊራዕ ዘመስሉ ሠለስተ ርኹሳት መናፍስቲ ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ሓሳዊ ነቢይን ክወፁ እንተለዉ ረአኹ።
[14] እዚኣቶም ምልክት ዘገብሩ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። ንሳቶም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዂሉ ዘኽእል እግዚኣብሔር ንኽዋግኡ ኽእክብዎም ናብ ኲሉ ነገሥታት ኲሉ ዓለም ዘኸዱ እዮም።
[15] እንሆ! ከም ሰራቒ ኽመጽእ እየ! ጥራዩ ምእንቲ ኸይኸይድ ንኃፍረቱዉን ሰብ ከይርእዮ እቲ ዘነቕሕን ክዳኑዉን ዘሕሉ ብፁዕ እዩ።
[16] እቶም መናፍስቲ ኸዓ ነቶም ነገሥታት ናብቲ ብዕብራይስጢ ኣርማጌዶን ናብ ዘብሃል ቦታ ኣከብዎም።
[17] እቲ ሻዉዓይ መልኣኽዉን ጽዋዑ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ፤ ካብቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዙፋን ከዓ ተፈጸመ! ዘብል ብርቱዕ ድምፂ ወፀ።
[18] መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ኮነ፤ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪዉን ኮነ። ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘፍጠር ጀሚሩ ኸምዙይ ዘበለ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተርእዩ ኣይፈልጥን።
[19] እታ ዓባይ ከተማ ኸዓ ኣብ ሠለስተ ተመቓጾለት፤ ከተማታት ኣሕዛብዉን ዓነዋ። ኣምላኽ ከዓ ነታ ዓባይ ባቢሎን ዘከረ፤ ነቲ ናይ መዓቱ ዘኾነ ወይኒ ቝጥዓ ኣስተያ።
[20] ኲለን ደሴታት ጠፍኣ፤ እምባታትዉን ኣብ ዘዘነበርዎ ቦታ ኣይተረኽቡን።
[21] ነናይ ኣርብዓን ኃሙሽተን ኪሎ ግራም ዘምዘን በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መቕሠፍቲ የመና ዘኸፍአ ስለ ዘነበረ እቶም ሰባት ብሰንኪ እቲ መዓት በረድ ንእግዚኣብሔር ጸረፍዎ።