Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:41

[1] ድኅርዙይ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙኅ ሕዘቢ ዘበለ ብርቱዕ ድምፂ ሃሌ ሉያ! ምድኃንን ክብርን ኃይልን ናይ ኣምላኽና እዩ።

[2] ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን እዩሞ ንሱ ነታ ብምንዘርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዘራ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱዉን ካብ ኢዳ ተፈድዮ ክብል እንተሎ ሰማዕኹ።

[3] መሊሶም ከዓ ሃሌ ሉያ! ንዘለዓለመ ዓለም ትካ ንላዕሊ ይወፅእ! እናበሉ ጸርሑ።

[4] እቶም ዕሥራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከዓ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ እግዚኣብሔር ኣሜን ሃሌ ሉያ! እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።

[5] ብድኅርዙይ ኣቱም እትፈርኅዎ ዂልኻትኩም አናእሽትን ዓበይትን ኣገልገልቱ ንኣምላኽና ወድስዎ! ዘብል ድምፂ ኻብቲ ዙፋን ወፀ።

[6] ሽዑ ኸም ድምፂ ብዙኅ ሰብን ከም ድምፂ ብዙኅ ማያትን ብርቱዕ ነጐድጓድን ዘበለ ሃሌ ሉያ! እቲ ዂሉ ዘኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽና ነጊሡ።

[7] መርዓ እቲ በጊዕ በጺሑ፤ መርዓቱዉን ተዳልያ ኣላ፤ ስለዙይ ንተሓጐስ ባህዉን ይበለና! ንእኡ ድማ ኽብሪ ንሃቦ!

[8] ዘንጸባርቕን ብሉጽን ጽሩይን ክዳን ክትክደን ተዉሂቡዋ እዩ ክብል እንተሎ ሰማዕኹ። እዘ ብሉጽ ክዳን ድማ ናይቶም ቅዱሳን ግብሪ ጽድቂ እዩ።

[9] ብድኅርዙይ እቲ መልኣኽ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ በጊዕ ዘተዓደሙ ብፁዓን እዮም› ኢልካ ጸሓፍ በለኒ። ኣስዒቡ ኸዓ እዙይ ብርግጽ ቓል እግዚኣብሔር እዩ በለኒ።

[10] ኣነ ድማ ነቲ መልኣኽ ክሰግደሉ ኢለ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወደቕኩ፤ ንሱ ግና ኅደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነዉን ከማኻን ከምቶም ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ዘሕልዉ ኣኅዋትካን ኣገልጋሊ እየ፤ ንእግዚኣብሔር ድኣ ስገድ! እቲ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ናይ ትንቢት መንፈስ እዩሞ በለኒ።

[11] ሽዑ ሰማይ ተኸፊቱ ረአኹ። ኣብኡ ኸዓ ፃዕዳ ፈረስ ነበረ፤ እቲ ዘተቐመጦ ኸዓ እሙንን ሓቀኛን ይብሃል፤ ንሱ ኸዓ ብቕንዕና ዘዳንን ዘዋጋእን እዩ።

[12] ኣዕይንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤ ኣብ ርእሱዉን ብዙኅ ዘዉድታት ኣለዎ፤ ኣብ ልዕሊኡዉን እንትርፊ ባዕሉ ሓደኳ ዘይፈልጦ ዘተጽሓፈ ስም ኣለዎ።

[13] ብደም ዘጠልቀየ ኽዳን ተወንዚፉ ነበረ፤ ስሙዉን ቓል እግዚኣብሔር ይበሃል።

[14] ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሠራዊት ከዓ ፃዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም ኣብ ፀዓዱ ኣፍራስ ተቐሚጦም ተኸተልዎ።

[15] ካብ ኣፉ ኸዓ ነሕዛብ ዘወቕዐሉ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ ብበትሪ ሓፂን ክገዘኦም እዩ። ናይቲ ዂሉ ዘኽእል እግዚኣብሔር ብርቱዕ ዂጥዓ መግለጺ ዘኾነ መጽመቝ ወይኒ ኸዓ ንሱ ኽረግጾ እዩ።

[16] ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን ድማ ንጉሥ ነገሥታት ጐይታ ጐይቶት ዘብል ስም ተጽሒፍዎ ነበረ።

[17] ብድኅርዙይ ሓደ መልኣኽ ኣብ ፀሓይ ደዉ ኢሉ ረአኹ፤ ነተን ኣብ ሰማይ ዘነፍራ ዂለን ኣዕዋፍ ድማ ብብርቱዕ ድምፂ፦ ንዕነ! ናብቲ ዓብዪ ድራር እግዚኣብሔር ተኣከባ!

[18] ሥጋ ነገሥታትን ሥጋ ኣሕሉቕ ሠራዊትን ሥጋ ኃያላትን ሥጋ ኣፍራስን ሥጋ ናይቶም ዘተቐመጥዎምን ሥጋ ዂሎም ሰባትን ጭዋታት ኮኑ ባሮት ኣናእሽቲ ኾኑ ዓበይቲ ንዕነ ብልዓ! እናበለ ጸዉዐን።

[19] እቲ ኣራዊትን እቶም ነገሥታት ምድርን ሠራዊቶምን ከዓ ምስቲ ኣብ ፈረስ ዘተቐመጠን ምስቶም ሠራዊቱን ክዋግኡ ተኣኪቦም ረአኹ።

[20] እቲ ኣራዊት ተትኃዘ፤ እቲ ነቶም ማኅተም እቲ ኣራዊት ዘተቐበሉን ንምስሉ ዘሰገዱን ዘስሕቶም ምልክት ኣብ ቅድሚኡ ዘገብር ዘነበረ ሓሳዊ ነቢይዉን ምስኡ ተትኃዘ፤ ክልቲኦም ብሕይወቶም እንተለዉ ናብቲ ብዲን ዘነድድ ቀላይ ሓዊ ተደርበዩ።

[21] እቶም ዘተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ዘተቐመጠ ዘወፅእ ዘነበረ ሰይፊ ተቐትሉ። ኲለን ኣዕዋፍዉን ሥጋኦም በሊዐን ጸገባ።

ራእይ ዮሓንስ — Chapters