Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 7:53

[1] ሽዑ ኢየሱስ ሽዱሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋሲካ ናብታ ንሱ ካብ ምዉታን ዘተሥኦ ኣልኣዛር ዘለዋ ቢታንያ ዝተብሃለት ዓዲ መጸ።

[2] ኣብኣ ኸዓ ድራር ገበሩሉ፤ ማርታውን ተገልግል ነበረት፤ ካብቶም ምስኡ ዝተቐመጡ ሓደ ኣልኣዛር ነበረ።

[3] ማርያምውን ፍርቂ ሊትሮ ዝኸውን ብጽሩይ ናርዶስ ዝተሠርሐ ብዙኅ ዝዋግኡ ምዑ ዝ ሽቱ ወሲዳ ኣእጋር ኢየሱስ ቀብአት፤ ብፀጕሪ ርእሳውን ሓበሰቶ። እታ ገዛ ኸዓ ብመዓዛ እቲ ሽቱ መልአት።

[4] ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ እቲ ኸትኅዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምዖን ግና

[5] እዝ ምዑ ዝ ሽቱ እዙይ ብሠለስተ ሚእቲ ዲናር ተሸይጡ ንምንታይ ንድኻታት ዘይምተውሃበ ነይሩ? በለ።

[6] እዙይ ዝበለ ድማ ሰራቒ ስለ ዝኾነ እዩ እምበር ንድኻታት ሓልዩሎም ኣይኮነን፤ ተሓዝ ሙዳየ ምጽዋት ስለ ዝነበረ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ስለ ዝነበረ እዩ።

[7] ስለዙይ ኢየሱስ ንመዓልቲ ቐብረይ ዘዳለወቶ እዩ እሞ ኅደጉዋ።

[8] ድኻታትስ ኲልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ንኣይ ግና ዂልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም በሎም።

[9] ድኅርዙይ ካብ ኣይሁድ ብዙኃት ሰባት ኢየሱስ ኣብኡ ኸም ዘሎ ፈሊጦም ናብ ቢታንያ መጹ። እንተኾነ ነቲ ኻብ ምዉታን ዘተሥኦ ኣልኣዛርውን ክርእዩ እምበር ምእንቲ ኢየሱስ ጥራሕ ኢሎም ኣይኮኑን ዝመጹ።

[10] -

[11] ብዙኃት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብኢየሱስ የኣምኑ ስለ ዝነበሩ ሊቃነ ካህናት ንኣልኣዛር ክቐትልዎ ተማኸሩ።

[12] ብጽባሒቱ እቶም ንበዓል ዝመጹ ብዙኃት ሕዝቢ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ከም ዝመጽእ ሰሚዖም

[13] ጨናፍር ስየ ኂዞም ክቕበልዎ ወፁ። ዓው ኢሎም ከዓ ሆሣዕና! እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ንጉሥ እስራኤል ቡሩኽ እዩ! በሉ።

[14] -

[15] ከምቲ፦ ኣቲ ኢየሩሳሌም ኣይትፍርኂ! እንሆ! ንጉሥኪ ኣብ ጻዕቢ ኣድጊ ተቐሚጡ ይመጽእ ኣሎ፤ ተብሂሉ ኸም ዝተጽሓፈ ኢየሱስ ጻዕቢ ኣድጊ ረኺቡ ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ።

[16] ደቀ መዛሙርቱ ነዝ ነገር እዙይ ቅድም ኣየስተውዓልዎን። ኢየሱስ ምስ ከበረ ግና ነዝ ነገር እዙይ ብዛዕባኡ ኸም ዝተጽሓፈ ንሳቶምውን እዙይ ከም ዝገበሩሉ ዘከሩ።

[17] እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታን ከተሥኦ እንተሎ ምስኡ ዝነበሩ ሕዝቢ ኸዓ ይምስክሩሉ ነበሩ።

[18] እቶም ሕዝቢ ድማ እዝ ተኣምራት እዙይ ከምዝገበረ ስለ ዝሰምዑ እዮም ክቕበልዎ ዝወፁ።

[19] ሽዑ ፈሪሳውያን ንስንሳቶም ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኸም ዘይትኽእሉ ትርእዩዶ ኣለኹም? እነሆ ዂሉ ዓለም ደድኅሪኡ ይስዕብ ኣሎ ተበሃሃሉ።

[20] ካብቶም በቲ በዓል ክሰግዱ ዝደየቡ ኸዓ ገሊኦም ግሪካውያን ነበሩ።

[21] ንሳቶም ናብ ፊልጶስ በዓል ቤተ ሳይዳ ናይ ገሊላ መጺኦም ጐይታ! ንኢየሱስ ክንርእዮ ንደሊ ኣለና ኢሎም ለመንዎ።

[22] ፊልጶስ ድማ ኸይዱ ንእንድርያስ ነገሮ፤ እንድርያስን ፊልጶስን ድማ ኸይዶም ንኢየሱስ ነገርዎ።

[23] ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ ወዲ ሰብ ዝኸብረላ ሰዓት በጺሓ እያ።

[24] ፍረ ስርናይ ኣብ ምድሪ ወዲቓ እንተ ዘይሞተት በይና እያ እትነብር፤ እንተሞይታ ግና ብዙኅ ፍረ ኸም እትፈሪ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ።

[25] እቲ ንሕይወቱ ዝፈትዋ ከጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንሕይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝጸልኣ ግና ንሕይወት ዘለዓለም ክሕልዋ እዩ።

[26] እቲ ኸገልግለኒ ዝደሊ ይስዓበኒ፤ እቲ ዘገልግለኒ ኸዓ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኽነብር እዩ። ነቲ ዘገልግለኒ ኸዓ ኣቦይ ከኽብሮ እዩ።

[27] ሕዝስ ነፍሰይ ተጨኒቓ ኣላ፤ እንታይ እሞ ኽብል እየ? ኣቦ! ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድኅነኒ!› ግና ምእንትዙይ እንድየ ዝመጻእኹ ናብዛ ሰዓት እዚኣውን ዝበጻሕኹ።

[28] ኦ ኣቦ! ንስምካ ኣኽብሮ፤ ሽዑ ኻብ ሰማይ ኣነ ኣኽቢረዮ ኣለኹ፤ ደጊመውን ከኽብሮ እየ! ዝብል ድምፂ መጸ።

[29] ሽዑ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሕዝቢ እዙይ ምስ ሰምዑ ነጐድጓድ እዩ! በሉ፤ ገሊኦም ከዓ መልኣኽ እዩ ዝተዛረቦ! በሉ።

[30] ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ እዝ ድምፂ እዙይ ምእንታኻትኩም እምበር ምእንታይ ኣይኮነን ዝመጸ።

[31] እዝ ዓለም እዙይ ዝፍረደሉ ጊዜ በጺሑ እዩ፤ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይውን ናብ ወፃኢ ዝድርበየሉ ሕዚ እዩ።

[32] ኣነ ድማ ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ ንዂሉ ናባይ ክስሕቦ እየ።

[33] እዙይ ዝበለ ኸዓ ብኸመይ ዝበለ ኣማውታ ኽመውት ከም ዘለዎ እንተመልክት እዩ።

[34] ስለዙይ እቶም ሕዝቢ ንሕናስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ከም ዝነብር ካብ ሕጊ ሰሚዕና ነይርና፤ ንስኻ ደኣ ኸመይ ኢልካ ኢኻ ወዲ ሰብ ግድን ልዕል ክብል እዩ› ትብል ዘለኻ? እቲ ወዲ ሰብ እቱይከ መን እዩ? ኢሎም ጠየቕዎ።

[35] ሽዑ ኢየሱስ ገና ንቑሩብ መዓልቲ ብርሃን ምሳኻትኩም ኣሎ፤ ስለዙይ ጸልማት እንተየርከበኩም ብብርሃን ተመላለሱ፤ እቲ ብጸልማት ዝመላለስ ናብ ዝኸዶ ኣይፈልጥን እዩሞ።

[36] ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኮኑ ብርሃን እንተለልኩም ብብርሃን እመኑ፤ በሎም። ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ምስ ተዛረበ ካብኣቶም ከይዱ ተሠወሮም።

[37] -

[38] እቲ ነቢይ ኢሳይያስ ኦ ጐይታ! ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ኃይሊ እግዚኣብሔርከ ንመን ተግሃደሉ? ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍጸም ክንድዙይ ዝኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እንተ ገበረ ብእኡ ኣይኣመኑን፤

[39] -

[40] ከምኡ ድማ ኢሳይያስ ደጊሙ በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ እሞ ናባይ ከይምለሱ ኣነውን ከይምሕሮምስ ኣዒንቶም ኣዕወረ፤ ልቦምውን ኣትረረ፤ ከም ዝበሎ ምእማን ሰኣኑ።

[41] ኢሳይያስ ብዛዕብኡ ኸምዙይ ኢሉ ዝተዛረበ ኽብሩ ስለ ዝረአየ እዩ።

[42] ምስዙይ ኲሉ ካብ ኣሕሉቕ ብዙኃት ብእኡ ኣመኑ፤ እንተኾነ ፈሪሳውያን ካብ ቤተ ጸሎቶም ከየባርርዎም ስለ ዝፈርኁ እምነቶም ኣየግሃዱን።

[43] እዙይ ከዓ ካብ ክብሪ እግዚኣብሔር ክብሪ ሰብ ስለ ዝመረጹ እዩ።

[44] ኢየሱስ ከዓ ዓው ኢሉ ኸምዙይ በለ፦ እቲ ብኣይ ዝኣምን ኲሉ ብኣይ ጥራሕ ዘይኮነስ በቲ ዝለኣኸኒውን እዩ ዝኣምን።

[45] እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርኢ።

[46] እቲ ብኣይ ዝኣምን ኲሉ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር ኣነ ብርሃን ኮይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣለኹ።

[47] እቲ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ ኣነ ኣይኮንኩን ዝፈርዶ፤ ኣነ ዝመጻእኹ ንዓለም ከድኅን ደኣ እምበር ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኹንሞ።

[48] ነቲ ነኣይ ዘይደሊ ንቓለይውን ዘይቕበል ዝፈርዶ ኣሎ፤ እዝ ኣነ ዝዛረቦ ዘለኹ ቓል ንሱ በታ ዳኅረወይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ።

[49] እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ እንታይ ከም ዝብልን እንታይ ከም ዝዛረብን ዝኣዘዘኒ እምበር ኣነ ኻብ ባዕለይ ኣይተዛረብኩን።

[50] እቲ ትእዛዙ ኸዓ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዝኾነ እፈልጥ እየ፤ ስለዙይ እቲ ኣነ ዝዛረቦ ኸምቲ ኣብ ዝነገረኒ ገይረ እየ ዝዛረቦ ዘለኹ።

ወንጌል ዮሓንስ — Chapters