Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:29

[1] ልብኹም ኣይሸበር፤ ብእግዚኣብሔር እመኑ፤ ብኣይውን እመኑ።

[2] ኣብ እንዳ ኣቦይ ብዙኅ መንበሪ ኣሎ፤ እንተዘይህሉስ ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ ኣይምበልኩኹምን ነይረ።

[3] ከይደ ስፍራ ምሰዳለኹልኩም ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ ተመሊሰ ኽመጽእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።

[4] ናብቲ ኣነ ዝኸዶ መንገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም።

[5] ቶማስ ከዓ ጐይታይ! ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ነቲ መንገዲ ድኣ ኸመይ ገይርና ኢና እንፈልጦ? በሎ።

[6] ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ፤ ብዘይ ብኣይ ሓደኳ ናብ ኣብ ዝመጽእ የለን።

[7] ንኣይ ፈሊጥኩምኒ እንተ ትኾኑስ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ነይርኩም፤ ካብ ሕዚ ግና ፈሊጥኩምዎን ርኢኹምዎን ኣለኹም።

[8] ፊልጶስ ከዓ ጐይታይ! ንኣብ ደኣ ኣርእየና እምበር የኣኽለና በሎ።

[9] ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎ፦ ፊልጶስ እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጊዜ ምሳኻትኩም ክነብር እንተለኹዶ ኣይፈለጥካንን ኢኻ? እቲ ነኣይ ዝረአየ ንኣብ ረአዮ፤ ከመይ ኢልካ ደኣ ንኣብ ኣርእየና› ትብል ኣለኻ?

[10] ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘለኹ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ? እቲ ኣባይ ዘሎ ኣብ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዝገብር ዘሎ እምበር እዝ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘለኹ ቓል ካብ ባዕለይ ኣይኮንኩን ዝዛረቦ ዘለኹ።

[11] ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ ኣብውን ኣባይ ምህላዉ እመኑ፤ እንተ ዘይኮነስ ስለ እቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ።

[12] እቲ ብኣይ ዝኣምን ኣነ ዝገብሮ ግብርታት ከም ዝገብር ናብ ኣቦይ ስለ ዝኸይድ ድማ ካብዙይ ዝዓቢውን ከም ዝገብር እማን እማን እብለኩም ኣለኹ።

[13] ኣብ ብወልድ ምእንቲ ክኸብርስ ብስመይ እትልምንዎ ዂሉ ኽገብረልኩም እየ።

[14] ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዂሉ ድማ ኽገብረልኩም እየ።

[15] ትፈትዉኒ እንተ ኾይንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ።

[16] ኣነ ኸዓ ንኣብ ክልምኖ እየ፤ ንሱ ድማ ንዘለዓለም ምሳኻትኩም ዝነብር ካልእ መጸናንዒ ኽህበኩም እዩ።

[17] ንሱ ኸዓ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ፤ ዓለም ዘይርእዮን ዘይፈልጦን ብምዃኑ ኽቕበሎ ኣይኽእልን፤ ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝኃድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም።

[18] ኣነ ደኽታማት ክትኮኑ ኣይኃድገኩምን እየ፤ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ።

[19] ደጊም ድኅሪ ቑሩብ ጊዜ ዓለም ኣይርእየንን እዩ፤ ንስኻትኩም ግና ኽትሪኡኒ ኢኹም፤ ከምቲ ኣነ ሕያው ዝኾንኩ ንስኻትኩምውን ሕያዋን ክትኮኑ ኢኹም።

[20] በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ ንስኻትኩም ከዓ ኣባይ ኣነውን ኣባኻትኩም ከም ዘለኹ ኽትፈልጡ ኢኹም።

[21] እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፤ ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ፤ ኣነውን ከፍቅሮ እየ፤ ርእሰይ ከዓ ኽገልጸሉ እየ።

[22] እቲ ኣስቆሮታዊ ዘይኮነ ይሁዳ ድማ ጐይታይ! እቲ ንዓለም ዘይኮነ ንኣና ርእስኻ እትገልጸሉ ኸመይ እዩ? በሎ።

[23] ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦ እቲ ዘፍቅረኒ ቃለይ ክሕሉ እዩ፤ ኣቦይ ከዓ ኸፍቅሮ እዩ፤ መጺእና ድማ ኣብኡ ኽንኃድር ኢና።

[24] እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ፤ እዝ እትሰምዕዎ ዘለኹም ቃል ከዓ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣብ እዩ እምበር ናተይ ኣይኮነን።

[25] ገና ምሳኻትኩም እንተለኹ እዝ ነገራት እዙይ ነገርኩኹም።

[26] እቲ ኣብ ብስመይ ዝሰዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ንሱ ዂሉ ኽምህረኩም ነቲ ኣነ ዝነገርኩኹምውን ኲሉ ኸዘክረኩም እዩ።

[27] ሰላም ኣኃድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹስ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራኅውን።

[28] ኣነ ክኸይድ እየ፤ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ› ዝበልኩኹም ሰሚዕኹም ኣለኹም፤ ትፈትዉኒ እንተትኾኑስ ናብ ኣብ ብምኻደይ ምተሓጐስኩም ነይርኩም፤ ኣብ ካባይ የዓቢ እዩሞ።

[29] እቲ ነገር ምስ ኮነ ምእንቲ ኽትኣምኑ እንተይኮነ ሕዚ ነጊረኩም ኣለኹ።

[30] ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ይመጽእ ስለ ዘሎ ደጊም ምሳኻትኩም ብዙኅ ኣይዛረብን እየ፤ ንሱ ኣባይ ሓንቲ ሥልጣን የብሉን፤

[31] እንተኾነ ኣነ ንኣብ ከም ዘፍቅሮ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥ ከምቲ ኣብ ዝኣዘዘኒ እገብር ኣለኹ፤ ተሥኡ ኻብዙይ ንኺድ።

ወንጌል ዮሓንስ — Chapters