ወንጌል ዮሓንስ 8
[1] ኢየሱስውን ናብ ደብረ ዘይት ኸደ።
[2] ምድሪ ምስ ወግሐ ኸዓ ኣንጊሁ ናብ ቤተ መቕደስ ተመሊሱ መጸ። ኲሉ ሕዝቢውን ናብኡ ተኣከበ፤ ተቐሚጡ ድማ ይምህሮም ነበረ።
[3] መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ድማ እንትትዝሙ ዝተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም ኣብ ማእኸል ደው ኣቢሎም፤
[4] መምህር እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ እንተላ ተትኂዛ
[5] ከምዚኣ ዝበለት ከዓ ብእምኒ ተቐጥቂጣ ኽትቅተል ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙ እዩ፤ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል? በልዎ።
[6] እዙይ ኢሎም ዝፈተንዎ ምኽንያት መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ ኢሎም እዮም። ኢየሱስ ግና ድንን ኢሉ በፃብዕቱ ኣብ ምድሪ ኽጽሕፍ ጀመረ።
[7] ደጋጊሞም ምስ ጠየቕዎ ኸዓ ቕንዕ ኢሉ ካባኻትኩም ኃጢኣት ዘይብሉ ኣቐዲሙ እምኒ ይደርብየላ! በሎም።
[8] መሊሱውን ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሓፈ።
[9] ንሳቶም ግና እዙይ ምስ ሰምዑ ሕሊናኦም ወቒስዎም፤ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳኅረዎት ኲሎም በብሓደ ወፁ። ኢየሱስ ምስታ ኣብ ማእኸል ደው ኢላ ዝነበረት ሰበይቲ በይኑ ተረፈ።
[10] ኢየሱስ ቅንዕ ኢሉ ኸዓ ኣቲ ሰበይቲ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ዝፈረደኪዶ የለን? በላ።
[11] ንሳ ኸዓ ሓደኳ የለን ጐይታይ! በለቶ። ኢየሱስ ድማ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፤ ኪዲ እሞ ደጊም ኃጢኣት ኣይትግበሪ! በላ።
[12] ኢየሱስ መሊሱ ኣነ ናይ ዓለም ብርሃን እየ፤ እቲ ዝስዕበኒ ኸዓ ብርሃን ሕይወት ይረክብ እምበር ብጸልማት ኣይኸይድን እዩ፤ እናበለ ተዛረቦም።
[13] ፈሪሳውያን ከዓ ንስኻ ንባዕልኻ ትምስክር ኣለኻ፤ ስለዙይ ምስክርነትካ ሓቂ ኣይኮነን በልዎ።
[14] ኢየሱስ ድማ ኣነ ንባዕለይ እኳ እንተ መስከርኩ ካበይ ከም ዝመጻእኹ ናበይውን ከም ዝኸይድ እፈልጥ እየ እሞ ምስክርነተይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኹ ናበይውን ከም ዝኸይድ ኣይትፈልጡን ኢኹም።
[15] ንስኻትኩም ሥጋዊ ፍርዲ ኢኹም እትፈርዱ ዘለኹም፤ ኣነ ግና ንሓደኳ ኣይፈርድን እየ።
[16] ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣብን ኢና እምበር በይነይ ኣይኮንኩን እሞ ኣነ እንተ ፈረድኩ ፍርደይ ሓቂ እዩ።
[17] ምስክር ክልተ ሰብ ሓቂ ኸም ዝኾነ ኣብ ሕግኹም ተጽሒፉ እዩ።
[18] ኣነ ንባዕለይ ምስክር እየ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ኣብውን ምስክረይ እዩ በሎም።
[19] ንሳቶም ከዓ ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ? በልዎ። ኢየሱስ ድማ ንኣይ ኮነ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ ንኣይ እንተ ትፈልጡስ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም ኢሉ መለሰ።
[20] ነዝ ነገራት እዙይ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ መቐበል ምጽዋት ኮይኑ ኽምህር እንተሎ እዩ ዝተዛረቦ። ጊዜኡ ስለ ዘይበጽሐ ግና ሓደኳ ዝኃዞ ኣይነበረን።
[21] ኢየሱስ መሊሱ ኣነ እኸይድ ኣለኹ፤ ክትደልዩኒ ኢኹም፤ እንተኾነ ብኃጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ በሎም።
[22] ሽዑ ኣይሁድ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም› ምባሉስ ንርእሱ ደኾን ባዕሉ ኽቐትል ደልዩ? በሉ።
[23] ኢየሱስ ድማ ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፤ ኣነ ካብ ላዕሊ እየ፤ ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፤ ኣነ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮንኩን።
[24] ስለዙይ ከዓ እየ ብኃጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም ዝበልኩኹም። ኣነ ንሱ ምዃነይ እንተዘይኣመንኩም ብኃጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፤ ስለዙይ ከዓ እየ ብኃጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም ዝበልኩኹም በሎም።
[25] ሽዑ ንሳቶም ንስኻ መን ኢኻ? በልዎ፤ ኢየሱስ ድማ ኣነ እቲ ኻብ መጀመርታ ኂዘ ዝነገርኩኹም እየ።
[26] ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙኅ ኣለኒ፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ነቲ ኻብኡ ዝሰማዕኽዎ ኸዓ ንዓለም እነግር ኣለኹ፤ በሎም።
[27] ንሳቶም ግና ብዛዕባ ኣብ ከም ዝተዛረቦም ኣይፈለጡን።
[28] ስለዙይ ኢየሱስ ንወዲ ሰብ ልዕል ምሰበልኩምዎ ኣነ ንሱ ኸም ዝኾንኩን ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸም ዝገብር እምበር ካብ ርእሰይ ሓንቲኳ ኸም ዘይገብር ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም።
[29] እቲ ዝለኣኸኒ ምሳይ ኣሎ፤ ኲልሻዕ ደስ ዘብሎ ስለ ዝገብር ድማ በይነይ ኣይኃድገንን እዩ በሎም።
[30] ንሱ እዙይ ምስ ተዛረበ ብዙኃት ብእኡ ኣመኑ።
[31] ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ ንስኻትኩም ብቓለይ እንተ ጸኒዕኹም ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም።
[32] ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፤ እታ ሓቂውን ሓራ ኽተውፅአኩም እያ በሎም።
[33] ንሳቶም ከዓ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፤ ንማንም ባሮት ኴንና ኣይንፈልጥን። ከመይ ኢልካ ደኣ ሓራ ኽትወፁ ኢኹም ትብለና ዘለኻ? ኢሎም መለሱሉ።
[34] ኢየሱስ ድማ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ኃጢኣት ዝገብር ኲሉ ንሱ ናይ ኃጢኣት ባርያ እዩ።
[35] ባርያ ኣብቲ ቤተ ሰብ ንዂሉ ጊዜ ኣይነብርን እዩ። ውሉድ ግና ንዂሉ ጊዜ ኣብኡ ነባሪ እዩ።
[36] ወልድ ሓራ እንተውፂኡኹም ብሓቂ ሓራ ዝወፃእኹም ክትኮኑ ኢኹም።
[37] ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምስ እፈልጥ እየ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኃደረ ግና ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም።
[38] ኣነ ነቲ ኻብ ኣቦይ ዝረአኽዎ እዛረብ ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ከዓ ነቲ ኻብ ኣቦኹም ዝሰማዕኹምዎ ትገብሩ ኣለኹም፤ በሎም።
[39] ንሳቶም ድማ ንኣናስ ኣቦና ኣብርሃም እዩ ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ከዓ ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትኾኑስ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ነይርኩም።
[40] ሕዚ ግና ካብ እግዚኣብሔር ዝሰማዕኽዎ ሓቂ ንዝነግረኩም ነኣይ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም፤ ኣብርሃምስ ከምዙይ ኣይገበረን።
[41] ንስኻትኩም ግና ግብሪ ኣቦኹም ትገብሩ ኣለኹም በሎም። ንሳቶም ድማ ንሕናስ ብዝሙት ዝተወለድና ኣይኮንናን። ሓደ ኣቦ ኣለና፤ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሔር እዩ በልዎ።
[42] ኢየሱስ ከዓ ኣነ ኻብ እግዚኣብሔር እየ ዝወፃእኹን ዝመጻእኹን፤ ንሱ ልኢኹኒ እምበር ባዕለይ ኣይመጻእኹን፤ ስለዙይ ኣቦኹም እግዚኣብሔር እንተ ዝኸውንስ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ነይርኩም።
[43] ስለምንታይ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ? ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይከኣልኩም እዩ።
[44] ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ዲያብሎስ ኢኹም፤ ድልየት እቲ ኣቦኹም ክትገብሩ ኢኹምውን እትደልዩ ዘለኹም፤ ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ፤ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየለ ኣብ ሓቂ ኣይጸንዕን እዩ። ሓሳዊ ኣቦ ሓሰትውን ስለ ዝኾነ ሓሰት ክዛረብ እንተሎ ካብ ርእሱ እዩ ዝዛረብ።
[45] ኣነ ሓቂ ስለ ዝዛረብ ግና ኣይትኣምኑንን።
[46] ካባኻትኩም ብኃጢኣት ክወቕሰኒ ዝኽእልከ መን ኣሎ? ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኮንኩኸ ስለምንታይ ዘይትኣምኑኒ?
[47] እቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝኾነ ቓል እግዚኣብሔር እዩ ዝሰምዕ። ንስኻትኩም ግና ካብ እግዚኣብሔር ስለ ዘይኾንኩም ኣይትሰምዑ ን።
[48] ኣይሁድ ከዓ ሳምራዊ ኢኻ፤ ጋኔንውን ኣለካ ምባልናስ ሓቂዶ ኣይኮነን? ኢሎም መለሱሉ።
[49] ሽዑ ኢየሱስ ኣነስ ነቦይ ደኣ አኽብሮ ኣለኹ እምበርጋኔንስ የብለይን። ንስኻትኩም ግና ተቃልሉኒ ኣለኹም።
[50] ኣነ ኽብሪ ርእሰይ ኣይደልን እየ፤ እቲ ዝደልን ዝፈርድን ግና ኣሎ።
[51] እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ቃለይ ዝሕሉ ንዘለዓለም ፈጺሙ ኣይመውትን፤ በሎም።
[52] ኣይሁድ ድማ ሕዝስ ጋኔን ከም ዘለካ ፈሊጥና፤ ኣብርሃም እኳ ሞይቱ፤ ነቢያትውን ሞይቶም፤ ንስኻ ግና ቃለይ ዝሓለወ ንዘለዓለም ኣይመውትን ትብል ኣለኻ።
[53] ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ተዓቢ ኢኻ? ነቢያትውን ሞይቶም እዮም፤ ንባዕልኻ መን እየ ትብል ኣለኻ? በልዎ።
[54] ኢየሱስ ከዓ ኣነ ንባዕለይ እንተኣኽበርኩ ኽብረተይ ከንቱ እዩ፤ ዘኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ።
[55] ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፤ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከዓ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምኾንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፤ ቃሉውን እሕሉ እየ።
[56] ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ከም ዝርኢ ፈሊጡ ተሓጐሰ፤ ርእዩ ኸዓ ደስ በሎ ኢሉ መለሰሎም።
[57] ኣይሁድ ድማ ገና ኃምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ ንኣብርሃም ሪአዮ ትብል ኣለኻ? በልዎ።
[58] ኢየሱስ ከዓ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ኣብርሃም እንተይተወለደ ኣነ ነይረ እየ፤ › በሎም።
[59] ሽዑ ኽድርብዩሉ ድማ እምኒ ኣልዓሉ፤ ኢየሱስ ግና ተሠወረ። ካብ ቤተ መቕደስ ወፂኡ ብማእኸሎም ኃሊፉ ኸደ።