ወንጌል ዮሓንስ 7
[1] ድኅርዙይ ኢየሱስ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝነብሩ ኣይሁድ ክቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ ናብ ምድሪ ይሁዳ ክኸይድ ኣይደለየን፤ እንተኾነ ኣብ ገሊላ ይመላለስ ነበረ።
[2] ሽዑ ናይ ኣይሁድ ናይ ዳስ በዓል ከዓ ቐሪቡ ነበረ።
[3] ኣኅዋቱ ድማ ደቀ መዛሙርትኻ ነዝ እትገብሮ ምእንቲ ኽርእዩስ ካብዙይ ወፂእኻ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ።
[4] ብገሃድ ኽፍለጥ እናደለየ ብኅቡእ ዝገብር የለንሞ እዙይ እትገብር እንተደኣ ኾይንካ ርእስኻ ንዓለም ግለጽ፤ በልዎ።
[5] ኣኅዋቱ ብእኡ ኣይኣምኑን ነበሩሞ።
[6] ኢየሱስ ድማ ጊዜይ ገና ኣይበጽሐን፤ ጊዜኹም ግና ዂልሻዕ ድልዊ እዩ።
[7] ዓለም ንኣኻትኩም ክጸልእ ኣይኽእልን እዩ፤ ንኣይ ግና ግብሩ ኽፉእ ከም ዝኾነ ስለ ዝምስክረሉ ይጸልአኒ እዩ።
[8] ንስኻትኩምስ ናብቲ በዓል ደኣ ደይቡ፤ ኣነ ግና ጊዜይ ገና ስለ ዘይበጽሐ ናብዚ በዓል እዙይ ኣይድይብን እየ፤ በሎም።
[9] እዙይ ምስ በሎም ኣብ ገሊላ ተረፈ።
[10] እቶም ኣኅዋቱ ናብቲ በዓል ምስ ደየቡ ንሱ ኸዓ ብገሃድ ዘይኮነስ ብኅቡእ ደየበ።
[11] ኣይሁድ ግና በቲ በዓል ኣበይ ኣሎ? እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ።
[12] ኣብ መንጎ እቶም ሕዝቢ ኸዓ ብዛዕባኡ ብርቱዕ ምጕርምራም ኮነ፤ ገሊኦም ሕያዋይ እዩ ገሊኦም ድማ ንሕዝቢ እባ ደኣ የስሕት ኣሎ ይብሉ ነበሩ።
[13] ንመራሕቲ ኣይሁድ ስለ ዝፈርኁ ግና ሓደኳ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ ዝተዛረበ ኣይነበረን።
[14] ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ከዓ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ደይቡ ኽምህር ጀመረ።
[15] ስለዙይ ኣይሁድ እዙይ እንተይተምሃረ ኸመይ ገይሩ እዩ መጻሕፍቲ ዝፈልጥ? እናበሉ ተገረሙ።
[16] ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ ትምህርተይስ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር ናተይ ኣይኮነን።
[17] ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተልዩ ትምህርተይ ካብ እግዚኣብሔር እምበር ካባይ ከምዘይ ኮነ ኽፈልጥ ይኽእል እዩ።
[18] እቲ ኻብ ርእሱ ዝዛረብ ክብሪ ርእሱ እዩ ዝደሊ፤ እቲ ነቲ ዝለኣኾ ከኽብር ዝደሊ ግና ንሱ ሓቀኛ እዩ፤ ኣብኡ ኸዓ ዓመፅ የለን።
[19] ሙሴዶ ሕጊ ሂቡኩም ኣይነበረን? ካባኻትኩም ግና ሓደኳ ነቲ ሕጊ ዝፍጽሞ የለን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም?
[20] እቶም ሕዝቢ ኸዓ ጋኔን ኣለካ፤ መን እዩ ኽቐትለካ ዝደሊ? ኢሎም መለሱሉ።
[21] ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ ሓደ ግብሪ ገበርኩ፤ ንዂልኻትኩም ድማ ኣገረመኩም።
[22] ስለዙይ ሙሴ ግርዘት ሠርዐልኩም፤ እዙይ ድማ ኻብ ኣቦታት እዩ እምበር ካብ ሙሴ ኣይነበረን፤ ንሰብውን ብሰንበት ትገርዝዎ።
[23] እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይጠሓስ ሰብ ብሰንበት ዝግረዝ ካብ ኮነ ኣነ ንሰብ ኲለንትናኡ ብሰንበት እንተሕወኹዎ ደኣ ስለምንታይ ትነቕፉኒ?
[24] ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር ገጽ ርኢኹም ኣይትፍረዱ።
[25] ሓድሓደ ኻብ ሰብ ኢየሩሳሌም ድማ እቲ ኽቐትልዎ ዝደልዩስ እዙይዶ ኣይኮነን?
[26] እንሆ ንሱ ብገሃድ ይዛረብ ኣሎ፤ ንሳቶምውን ምንም ኣይበልዎን፤ እዞም ኣሕሉቕ ንሱ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ብሓቂ ፈሊጦም ደኾን ኮይኖም?
[27] ግና እዝ ሰብኣይ እዙይ ካበይ ከም ዝኾነ ንፈልጦ ኢና፤ ክርስቶስ ክመጽእ እንተሎ ግና ኻበይ ከም ዝኾነ ዝፈልጦ ሓደኳ የለን፤ በሉ።
[28] ኢየሱስ ከዓ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር እንተሎ ዓው ኢሉ ንኣይ ትፈልጡኒ ኢኹም፤ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም፤ ኣነ ብባዕለይ ኣይመጻእኹን፤ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፤ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም።
[29] ኣነ ግና ኻብኡ እየ፤ ንሱ ስለ ዝለኣኸኒውን እፈልጦ እየ፤ በለ።
[30] ስለዙይ ክኅዝዎ ደለዩ፤ ጊዜኡ ስለ ዘይበጽሐ ግና ሓደኳ ኣይኃዞን።
[31] ካብቶም ሕዝቢ ኸዓ ብዙኃት ብእኡ ኣመኑ እሞ ክርስቶስ ምስ መጸኸ ኻብዝ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ተኣምራት ዝበዝኅዶ ኽገብር ኢሉ? በሉ።
[32] ፈሪሳውያን ድማ እቶም ሕዝቢ ብዛዕባኡ ኸምዙይ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ምስ ሰምዑ ምስ ሊቃነ ካህናት ኮይኖም ክኅዝዎ ሓሻኽሮም ለኣኹ።
[33] ሽዑ ኢየሱስ ገና ቑሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣለኹ፤ ድኅርዙይ ናብቲ ዝለኣኸኒ ክኸይድ እየ።
[34] ክትደልዩኒ ኢኹም፤ እንተኾነ ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዘለኽዎ ኸዓ ኽትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም፤ በሎም።
[35] ስለዙይ ኣይሁድ ንሕና ኽንረኽቦ ናብ ዘይንኽእል ንሱ ናበይ ኮን ክኸይድ ኢሉ? ናብቶም ኣብ ሃገር ግሪኽ ተበቲኖም ዘለዉ ኣይሁድን ኣሕዛብን ክምህር ዶኾን ክኸይድ ኮይኑ?
[36] ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ግና ኣይትረኽቡንን፤ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ኸዓ ኽትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም› ዝብለና ዘሎኸ እንታይ እዩ? ተበሃሃሉ።
[37] በታ መወዳእታ ዓባይ መዓልቲ በዓል ኢየሱስ ደው ኢሉ ብዝለዓለ ድምፂ ዝጸምአ እንተልዩ ናባይ መጺኡ ይስተ።
[38] እቲ ብኣይ ዝኣምን ከምቲ መጽሓፍ ዝበሎ ካብ ውሽጡ ማይ ሕይወት ክፍልፍል እዩ› እናበለ ተዛረበ።
[39] እዙይ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኽቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝተዛረበ፤ ኢየሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣይወረደን ነበረሞ።
[40] ካብቶም ሕዝቢ ብዙኃት ነዝ ዘረባዙይ ሰሚዖም እዙይ ብሓቂ እቲ ነቢይ እዩ በሉ።
[41] ካልኦት ከዓ ክርስቶስ እዩ በሉ። ገሊኦም ግና ክርስቶስ ካብ ገሊላ ድዩ ዝመጽእ?
[42] ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ካብታ ዳዊት ዝነበረላ ዓዲ ካብ ቤተ ልሔም ከም ዝመጽእ መጽሓፍዶ ኣይነግርን እዩ? በሉ።
[43] ስለዙይ እቶም ሕዝቢ ብዛዕብኡ ንስንሳቶም ተፈላለዩ።
[44] ገሊኦም ክኅዝዎ ደለዩ፤ ግና ንኽኅዞ ኢዱ ዘልዓለሉ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
[45] እቶም ሓሻኽር ናብ ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተመልሱ፤ ንሳቶም ድማ ስለምንታይ ደኣ ዘየምጻእኹምዎ? በልዎም።
[46] እቶም ሓሻኽር ከዓ ከምዝ ሰብኣይ እዙይ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የለን ኢሎም መለሱ።
[47] ፈሪሳውያን ድማ ንስኻትኩምውንዶ ትጋገዩ ኣለኹም?
[48] ብዘይ እዞም ሕጊ ዘይፈልጡ ግጉያት ሕዝቢ ካብ ኣኅሉቕ ወይ ካብ ፈሪሳውያን ብእኡ ዝኣመኑዶ ኣለዉ እዮም?
[49] እዝ ሕጊ ዘይፈልጥ ሕዝቢ ግና ዝተረግመ እዩ ኢሎም መለሱሎም።
[50] ሓደ ኻብኣቶም እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ ከይዱ ዝነበረ ኒቆዲሞስ
[51] ሕግና ንሰብ ቅድም እንተይሰምዖን እቲ ዝገበሮ እንተይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ? በሎም።
[52] ንሳቶም ከዓ ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ? መጽሓፍ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትሥእ ክትርኢ ኢኻ? ኢሎም መለሱሉ።
[53] ኲሎም ድማ ነናብ ገዝኦም ከዱ።