ወንጌል ዮሓንስ 4
[1] ጐይታ ኢየሱስ ካብ ናይ ዮሓንስ ዝበዝኁ ደቀ መዛሙርት ከም ዝገበረን ከም ዘጥመቐን ፈሪሳውያን ምስማዖም ፈለጠ።
[2] ግና ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር ኢየሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን።
[3] እዙይ ምስ ፈለጠ ኸዓ ንምድሪ ይሁዳ ኃዲጉ ናብ ገሊላ ተመለሰ።
[4] ብሰማርያ ኣቢሉ ኽኃልፍ ከዓ ግዲ ኾኖ።
[5] ስለዙይውን ናብ ጥቓ እታ ያዕቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ።
[6] ኣብኡ ኸዓ ዒላ ያዕቆብ ነበረ፤ ኢየሱስ ድማ ብምኻድ መንገዲ ደኺሙ ኣብ ጥቓ እቲ ዒላ ኣዕረፈ፤ ሽዑ ሽድሽተ ሰዓት ናይ ቀትሪ ኣቢሉ ነበረ።
[7] ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት፤ ኢየሱስ ድማ ማይ እንዶ ኣስትይኒ? በላ።
[8] ደቀ መዛሙርቱ ግና ምግቢ ኽዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።
[9] ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይቀራረቡን ነበሩ እሞ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ ንስኻ ኣይሁዳዊ እንተለኻስ ካባይ ካብ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣለኻ? በለቶ።
[10] ኢየሱስ ድማ ውህብቶ እግዚኣብሔርን እቲ ማይ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎን መን ምዃኑ እንተ ትፈልጥስ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ፤ ንሱ ኸዓ ማይ ሕይወት ምሃበኪ ነይሩ፤ ኢሉ መለሰላ።
[11] እታ ሰበይቲ ድማ ጐይታይ! መቕድሒ የብልካን፤ እዝ ዒላ ኸዓ ዓሚቝ እዩ፤ እቲ ማይ ሕይወት ደኣ ካበይ ክተምጽኦ ኢኻ?
[12] ንስኻዶ ኻብቲ ነዝ ዒላ እዙይ ዝሃበና ኣቦና ያዕቆብ ተዓቢ ኢኻ? ንሱን ደቁን ጥሪቱን ካብኡ ሰተዩ፤ በለቶ።
[13] ኢየሱስ ድማ ኻብዚ ማይ እዙይ ዝሰቲ ዂሉ መሊሱ ኽጸምእ እዩ።
[14] ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና ንዘለዓለም ኣይጸምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ፤ ኢሉ መለሰላ።
[15] እታ ሰበይቲ ኸዓ ጐይታይ! ከይጸምእ እሞ ኽቐድሕ ድማ መሊሰ ናብዙይ ከይመጽእስ ካብቲ ማይ እቱይ ሃበኒ! በለቶ።
[16] ኢየሱስ ከዓ ኪዲሞ ሰብኣይኪ ጸዊዕኺ ናብዙይ ንዒ በላ።
[17] እታ ሰበይቲ መሊሳ ሰብኣይ የብለይን በለቶ። ኢየሱስ ከዓ ሰብኣይ የብለይን ብምባልክስ ጽቡቕ ተዛረብኪ፤
[18] ኃሙሽተ ሰብኡት ነይሮምኺ፤ እዝ ሕዚ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ፤ በዙይ ሓቂ ተዛሪብኪ፤ በላ።
[19] እታ ሰበይቲ ኸዓ ጐይታይ! ንስኻ ነቢይ ምዃንካ ሕዚ ይርድኣኒ ኣሎ።
[20] ኣቦታትና ኣብዚ እምባ እዙይ ሰገዱ፤ ንስኻትኩም ግና እቲ ሰባት ክሰግዱሉ ዝግባእ ሥፍራ ኣብ ኢየሩሳሌም እዩ ኢኹም እትብሉ፤ በለቶ።
[21] ኢየሱስ ድማ ኣቲ ሰበይቲ ኣብዚ እምባ እዙይ ወይ ኣብ ኢየሩሳሌም ንኣብ ዘይሰግዱሉ ጊዜ ከም ዝመጽእ እመንኒ።
[22] ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፤ ንሕና ግና ምድኃን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ።
[23] እንተኾነ እቶም ብሓቂ ዝሰግዱ ንኣብ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ።
[24] ኣብ ከዓ ኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ፤ እግዚኣብሔር መንፈስ እዩ፤ እቶም ዝሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግባእ፤ በላ።
[25] እታ ሰበይቲ ድማ እቲ ክርስቶስ ዝብልዎ መሢሕ ከም ዝመጽእ እፈልጥ እየ፤ ንሱ ምስ መጸ ኸዓ ዂሉ ኽነግረና እዩ፤ በለቶ።
[26] ኢየሱስ ድማ ዝዛረበኪ ዘለኹ ኣነ ንሱ እየ በላ።
[27] ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፤ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡ ተገረሙ፤ ግና እንታይ ትደሊ? ወይ ስለምንታይከ ምስኣ ትዛረብ ኣለኻ? ዝበሎ ሓደኳ ኣይነበረን።
[28] እታ ሰበይቲ ኸዓ ዕትሮኣ ኃዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፤ ነቶም ሰባትውን
[29] ዝገበርክዎ ዂሉ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ፤ እንድዒ ክርስቶስ ደኣ ኸይኸውን? በለቶም።
[30] እቶም ሕዝቢ ኸዓ ካብ ከተማ ወፂኦም ናብኡ መጹ።
[31] እዙይ ክኸውን እንተሎ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መምህር! ብላዕ ኢሎም ለመንዎ።
[32] ኢየሱስ ከዓ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣለኒ በሎም።
[33] እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ንስንሳቶም ሰብ ደኾን ዝብላዕ ኣምጺኡሉ ኾይኑ? ተበሃሃሉ።
[34] ኢየሱስ ድማ ምግበይስ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ምግባርን ሥራሑ ምፍጻምን እዩ።
[35] ንስኻትኩም ድኅሪ ኣርባዕተ ወርኂ ቐውዒ ክኸውን ኢዩዶ ኣይኮንኩምን እትብሉ? እንሆ እምበኣር ኣዒንትኹም ኣልዒልኩም ናብቲ ገራሁ ጠምቱ፤ እቲ እኽሊ ንዓፂድ ድሮ ኸም ዝበጽሐ ርኣዩ፤ እብለኩም ኣለኹ።
[36] እቲ ዝዘርእን እቲ ዝዓፅድን ብሓባር ምእንቲ ኽሕጐሱ እቲ ዝዓፅድ ዓስቡ ይቕበል፤ ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዝኸውን ፍረ ኸዓ ይእክብ።
[37] እቲ ሓደ ይዘርእ፤ እቲ ሓደ ኸዓ የዓፅድ፤› ዝብል ቃል ሓቂ እዩሞ።
[38] ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘይፀዓርኩምሉ ኽትዓፅዱ ለኣኽኩኹም፤ ካልኦት ዝፀዓሩሉ ንስኻትኩም ከዓ ኣብቲ ዝፀዓሩሉ ኣተኹም፤ በሎም።
[39] እታ ሰበይቲ ዝገበርክዎ ዂሉ ነጊሩኒ ኢላ ብዝመስከረቶ ቓል ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙኃት ሳምራውያን ብኢየሱስ ኣመኑ።
[40] እቶም ሳምራውያን ከዓ ናብኡ መጺኦም ምስኣቶም ክቕመጥ ለመንዎ፤ ኣብኡ ኸዓ ኽልተ መዓልቲ ጸንሐ።
[41] ካብ ቃሉ ዝተልዓለ ድማ ብዙኃት ኣመኑ።
[42] ነታ ሰበይቲውን ባዕልትና ሰሚዕና ድኣ እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ክርስቶስ መድኃኒ ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና እምበር ብዘረባኺ ጥራሕ ኣይኮናን ዝኣመንና በልዋ።
[43] ድኅሪ ኽልተ መዓልቲ ኻብኡ ወፂኡ ናብ ገሊላ ኸደ፤
[44] ነቢይ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይኸብር ኢየሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረሞ።
[45] መሊሱ ናብ ገሊላ ምስ መጸ እቶም ሰብ ገሊላ ዂሎም ንበዓል መጺኦም ነበሩ እሞ ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም በቲ በዓል ዝገበሮ ዂሉ ስለ ዝረአዩ ተቐበልዎ።
[46] ኢየሱስ መሊሱ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ ኣብ ገሊላ ናብ እትርከብ ቃና መጸ፤ ኣብ ቅፍርናሆም ከዓ ወዱ ዝሓመሞ ናይ ንጉሥ ወገን ዝኾነ ሓደ ሹም ነበረ።
[47] ንሱ ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዐ ናብኡ ኸደ፤ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ስለ ዝነበረ ድማ ናብ ቅፍርናሆም ወሪዱ ምእንቲ ኸሕውየሉ ንኢየሱስ ለመኖ።
[48] ሽዑ ኢየሱስ ምልክትን ተኣምራትን እንተ ዘይረአኹም ኣይትኣምኑን ኢኹም! በሎ።
[49] እቲ ሹም ከዓ ጐይታይ! ወደይ እንተይሞተ ቐልጢፍካ ውረድ በሎ።
[50] ኢየሱስ ድማ ኪድ! ወድኻ ሓውዩልካ እዩ በሎ። እቲ ሰብኣይ በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ቓል ኣሚኑ ኸደ።
[51] ክወርድ እንተሎ ኣገልገልቱ ተቐበልዎሞ ወድኻ ሓውዩ ኢሎም ኣብሠርዎ።
[52] ንሱ ኸዓ እታ ዝሓወየላ ሰዓት ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ ትማሊ ብሻውዐይቲ ሰዓት ናይ ቀትሪ ረስኑ ኃዲግዎ በልዎ።
[53] ሽዑ ኣቦኡ በታ ኢየሱስ ወድኻ ሓውዩ እዩ ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ፤ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ኸዓ ብኢየሱስ ኣመነ።
[54] ኢየሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ መጺኡ ዝገበሮ ተኣምራት እዙይ ካልኣይ እዩ።