Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 7:37

[1] ኢየሱስ እዙይ ምስ በለ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ንሩባ ቄድሮን ሰጊሩ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ።

[2] ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብኣ ብዙኅ ጊዜ ይእከቡ ስለ ዝነበሩ እቲ ኣኅሊፉ ዝህቦ ይሁዳ ኸዓ ነታ ቦታ ይፈልጣ ነበረ።

[3] ስለዙይ ይሁዳ ነቶም ሓደ ኽፋል ወታደራትን ሓሻኽር ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን መሪሑ መጸ፤ ንሳቶም ፋኑሳትን ዝነድድ ሽግን ኣጽዋርን ኂዞም ነበሩ።

[4] ሽዑ ኢየሱስ ነቲ ዂሉ ዝመጾ ዘሎ ነገራት ፈሊጡ ናብኣቶም ወጸ እሞ ንመን ትደልዩ ኣለኹም? በሎም።

[5] ንሳቶም ከዓ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ ኢሎም መለሱሉ። ኢየሱስ ድማ ኣነ እየ! በሎም። እቲ ዘትኅዞ ይሁዳ ድማ ምስኣቶም ደው ኢሉ ነበረ።

[6] ሽዑ ኣነ እየ ምስ በሎም እናድኀርኀሩ ናብ ምድሪ ወደቑ።

[7] መሊሱ ንመን ትደልዩ ኣለኹም? ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ከዓ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ በልዎ።

[8] ኢየሱስ ድማ ኣነ እየዶ እብለኩም ኣየለኹን? እምበኣር ንኣይ ካብ ደለኹም ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም ኢሉ መለሰሎም።

[9] እዙይ ከዓ ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደኳ ኣየጥፋእኹን ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍጸም እዩ።

[10] ሽዑ ስምዖን ጴጥሮስ ሰይፊ ስለ ዝነበሮ ሰይፉ መዚዙ ነቲ ሓሽከር ሊቀ ካህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቖረጾ። ስም እቲ ሓሽከር ከዓ ማልኮስ ነበረ።

[11] ኢየሱስ ድማ ንጴጥሮስ ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ምለስ፤ ነቲ ኣቦይ ዝሃበኒ ጽዋዕ መከራ ዘይሰትዮ ድዩ መሲሉካ? በሎ።

[12] ሽዑ እቶም ክፋል ወታደራትን እቲ ሓለቃ ሽሕን እቶም ሓሻኽር ኣይሁድን ንኢየሱስ ኂዞም ኣሰርዎ።

[13] ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ቀያፋ ሓሙኡ ስለ ዝነበረ ኣቐዲሞም ናብኡ ወሰድዎ።

[14] ቀያፋ ኸዓ እቲ ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ እንተሞተ ይሐይሽ ኢሉ ንኣይሁድ መኺሩዎም ዝነበረ እዩ።

[15] ስምዖን ጴጥሮስን ሓደ ኻልእ ደቀ መዝሙርን ንኢየሱስ ሰዓብዎ። እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር በቲ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ስለ ዝነበረ ምስ ኢየሱስ ናብ መረባ ሊቀ ካህናት ኣተወ።

[16] ጴጥሮስ ግና ብወፃኢ ኣብ ኣፍ ደገ ደው በለ። እቲ ኣብ ሊቀ ካህናት ፍሉጥ ዝነበረ ኻልእ ደቀ መዝሙር ከዓ ወፀ እሞ ነታ ሓላዊት በሪ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ።

[17] ሽዑ እታ በሪ እትሕሉ ገረድ ንጴጥሮስ ንስኻ ካብ ደቀ መዛሙርት እዝ ሰብ እዙይዶ ኣይኮንካን? በለቶ። ንሱ ግና ኣይኮንኩን! በለ።

[18] ቊሪ ስለ ዝነበረ እቶም ሓሻኽርን ኣገልገልትን ሓዊ ኣጕሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምስኣቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ።

[19] ሽዑ እቲ ሊቀ ካህናት ንኢየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ጠየቖ።

[20] ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ኣነ ንዓለም ብገሃድ እየ ዝተዛረብኩ፤ ኲልሻዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዝእከቡሉ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድን ቤተ መቕደስን እምህር ነበርኩ፤ ብኅቡእ ዝተዛረብክዎ ሓደኳ የብለይን።

[21] ንምንታይከ ንኣይ ትጥይቐኒ? ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ዝነበሩ ጠይቆም። እንሆ ንሳቶም ነቲ ኣነ ዝተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም።

[22] እዙይ ምስ በለ ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓሻኽር ሊቀ ካህናት ሓደ ንሊቀ ካህናትስ ከምዙይ ኢልካ ኽትምልሰሉ? ኢሉ ንኢየሱስ ገጹ ጸፍዖ።

[23] ኢየሱስ ድማ ክፉእ እንተተዛሪበ ክፉእ ምዃኑ መስክር፤ ጽቡቕ እንተተዛሪበ ኾይነ ግና ንምንታይ ትወቕዐኒ? በሎ።

[24] ሃና ኸዓ ናብ ቀያፋ ሊቀ ካህናት ብእሱሩ ሰደዶ።

[25] ስምዖን ጴጥሮስ ከዓ ደው ኢሉ ሓዊ ኽስሕን እንተሎ ካልኦት ሰባት ንስኻስ ካብቶም ደቀ መዛሙርት ኢየሱስዶ ኣይኮንካን ኢኻ? በልዎ፤ ንሱ ግና ኣይኮንኩን ኢሉ ኸሓደ።

[26] ሓደ ኻብቶም ሓሻኽር ሊቀ ካህናት ነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቖረጾ ዘመዱ ዝኾነ ኣብቲ ናይ ኣታኽልቲ ቦታዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይረአኹኻን? በሎ።

[27] ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ ኸሓደ። ሽዑ ንሽዑ ድማ ደርሆ ነቀወ።

[28] ሽዑ ንኢየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፤ ንግሆ ድማ ነበረ። ኣይሁድ ምእንቲ ፋሲካ ኽበልዑ ኸይረኽሱ ኢሎም ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን።

[29] ስለዙይ ጲላጦስ ናብኣቶም ወፂኡ ኣብ ልዕሊ እዝ ሰብ እዙይ ዘለኩም ክሲ እንታይ እዩ? በሎም።

[30] ንሳቶም ድማ እዙይ ገባር ክፉእ እንተ ዘይኸውንስ ናባኻ ኣይመምጻእናዮን ኔርና ኢሎም መለሱሉ።

[31] ሽዑ ጲላጦስ ንስኻትኩም ወሲድኩም ከምቲ ሕግኹም ገይርኩም ፍረድዎ በሎም። ኣይሁድ ከዓ ንኣናስ ሓደኳ ኽንቀትል ኣይተፈቐደልናን በልዎ።

[32] እዙይ ከዓ እቲ ኢየሱስ በየናይ ሞት ክመውት ከም ዘለዎ ኸመልክት ኢሉ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍጸም እዩ።

[33] ጲላጦስ መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣተወ፤ ንኢየሱስ ጸዊዑ ኸዓ ንስኻ ናይ ኣይሁድ ንጉሥ ዲኻ? በሎ።

[34] ኢየሱስ ድማ እዝ ትዛረቦ ዘለኻ ካብ ባዕልኻ ዲኻ ወይ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ ኢዮም? ኢሉ መለሰሉ።

[35] ጲላጦስ ከዓ ኣነ ኣይሁዳዊ ድየ? ወገናትካን ሊቃነ ካህናትን እዮም ናባይ ኣኅሊፎም ዝሃቡኻ፤ እንታይ ገይርካ ኢኻ? ኢሉ ጠየቖ።

[36] ኢየሱስ ድማ መንግሥተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን፤ መንግሥተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ትኸውንስ ብኣይሁድ ከይተኃዝ ወታደራተይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕዚ ግና መንግሥተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኮነትን ኢሉ መለሰ።

[37] ጲላጦስ ድማ እምበኣርከስ ንስኻ ንጉሥ ኢኻ? በሎ። ኢየሱስ ድማ ኣነ ንጉሥ ምዃነይ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ። ኣነ ንሓቂ ኽምስክር እየ ዝተወለድኩ፤ ምእንቲ እዙይውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኹ፤ ካብ ሓቂ ዝኾነ ዂሉ ኸዓ ቃለይ ይሰምዕ እዩ ኢሉ መለሰሉ።

[38] ጲላጦስ ከዓ ሓቂኸ እንታይ እዩ? በሎ። እዙይ ኢሉ ድማ መሊሱ ናብ ኣይሁድ ወፂኡ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን።

[39] እንተኾነ ንኣኻትኩም በብፋሲካ ሓደ እሱር ክፍትሐልኩም ልማድ ኣለኩም። ስለዙይ ነዝ ንጉሥ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም? በሎም።

[40] ሽዑ ንሳቶም መሊሶም ነዝ ሰብ እዙይ ዘይኮነስ ንበርባን ፍትሐልና! እናበሉ ጸርሑ። በርባን ግና ኸታሪ ዝነበረ እዩ።

ወንጌል ዮሓንስ — Chapters