ወንጌል ዮሓንስ 15
[1] ኣነ ናይ እማን ጕንዲ ወይኒ እየ፤ ተኻሊኡ ኸዓ ኣቦይ እዩ።
[2] ነቲ ኣባይ ዘሎ ፍረ ዘይፈሪ ጨንፈር ኲሉ የወግዶ፤ ነቲ ፍረ ዝፈሪ ጨንፈር ግና ብዙኅ ምእንቲ ኽፈሪ የጽርዮ።
[3] ንስኻትኩም ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል ድሮ ንጹሃት ኢኹም።
[4] ኣባይ ንበሩ፤ ኣነውን ኣባኻትኩም ክነብር እየ፤ ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተዘይነይሩ ካብ ባዕሉ ኽፈሪ ኸም ዘይኽእል ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተዘይኔርኩም ክትፈርዩ ኣይትኽእሉን።
[5] እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ጨናፍር ኢኹም፤ እቲ ኣባይ ዝነብር ኣነውን ኣብኡ ዝነብር ንሱ እዩ ብዙኅ ፍረ ዝፈሪ፤ ብዘይ በኣይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ።
[6] ኣባይ ዘይነብር ኲሉ ኸም ጨንፈር ንወፃኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፤ ኣኪቦም ድማ ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ።
[7] ኣባይ ትነብሩ እንተዄንኩም ቃለይውን ኣባኻትኩም ዝነብር እንተድኣ ኾይኑ እትደልይዎ ዂሉ ለምኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ።
[8] ብዙኅ እንተ ፈረኹም ኣቦይ በዙይ ክኸብር እዩ፤ ንስኻትኩምውን ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ክትፍለጡ ኢኹም።
[9] ከምቲ ኣብ ዘፍቀረኒ ኣነውን ኣፍቂረኩም ኣለኹ፤ ብፍቕረይ ንበሩ።
[10] ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ሓልየ ኣብ ፍቕሩውን ዝነብር ዘለኹ ከምኡ ኸዓ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተሓሊኹም ኣብ ፍቕረይ ጸኒዕኹም ክትነብሩ ኢኹም።
[11] ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽነብር ሓጐስኩምውን ምሉእ ምእንቲ ክኸውንስ እዙይ ነገርኩኹም።
[12] ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ንስኻትኩምውን ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዙይ እዩ።
[13] ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ ንሕይወቱ ኣኅሊፉ እንካብ ምሃብ ዝበልጽ ፍቕሪ የብሉን።
[14] ንስኻትኩምውን ዝኣዘዝኩኹም ኲሉ እንተ ፈጺምኩም ኣዕርኽተይ ኢኹም።
[15] ባርያ ጐይትኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩሞ ደጊም ፈተውተይ እምበር ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ ዂሉ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም ፈተውተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
[16] ኣነ እየ ዝኃረኩኹም እምበር ንስኻትኩም ኣይኃረኹምንን፤ ኬድኩም ፍረ ምእንቲ ኽትፈርዩ ፍረኹምውን ምእንቲ ነባሪ ክኸውን ሾምኩኹም፤ ስለዙይውን እቲ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዂሉ ኽህበኩም እዩ።
[17] ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ እዙይ እእዝዘኩም ኣለኹ።
[18] ዓለም እንተ ጸልአኩም ኣቐዲሙ ንኣይ ከም ዝጸልአኒ ፍለጡ።
[19] ንስኻትኩም ካብ ዓለም እንተትኾኑስ ዓለም ናቱ ዝኾነ ይፈቱ እዩሞ ምፈተወኩም ነይሩ፤ ኣነ ካብ ዓለም ኃረይኩኹም እምበር ካብ ዓለም ኣይኮንኩምን፤ ስለዙይ ከዓ እዩ ዓለም ዝጸልአኩም ዘሎ።
[20] ኣገልጋሊ ኻብ ጐይትኡ ኣይዓብን እዩ› ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክሩ፤ ንኣይ እንተሳጕጎምኒ ንኣኻትኩምውን ከሳጕጕኹም እዮም፤ ቃለይ እንተሓልዮም ቃልኩምውን ክሕልዉ እዮም።
[21] እንተኾነ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ ምእንቲ ስመይ እዝ ዂሉ ኣብ ልዕሌኹም ክፍጽምዎ እዮም።
[22] ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮምስ ኃጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ንኃጢኣቶም ምኽንያት የብሎምን።
[23] እቲ ንኣይ ዝጸልእ ነቦይውን ይጸልእ።
[24] ኣብ ማእኸሎም ካልእ ሰብ ዘይገበሮ ግብሪ እንተ ዘይገብር ነይረ ኃጢኣት ኣይምኾኖምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ርእዮም እንተለዉ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና።
[25] እዙይ ግና እቲ ኣብ ሕጎም ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ› ዝብል ተጽሒፉ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኽፍጸም እዩ ዝኾነ።
[26] እቲ ኣነ ካብ ኣብ ዝሰደልኩም መጸናንዒ ካብ ኣብ ዝወፅእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ኽምስክረለይ እዩ።
[27] ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርታ ምሳይ ነይርኩም ኢኹም እሞ መሰኻኽረይ ኢኹም።