ወንጌል ዮሓንስ 20
[1] በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ማርያም መግደላዊት ገና ጸልማት እንተሎ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት። እቲ እምኒ ኸዓ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረአየቶ።
[2] ስለዙይ ንሳ ጐይያ ናብ ስምዖን ጴጥሮስን ናብቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙርን መጺኣ ንጐይታና ኻብ መቓብር ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይንፈልጥን በለቶም።
[3] ሽዑ ጴጥሮስን እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙርን ወፂኦም ናብቲ መቓብር ከዱ።
[4] ክልቲኦም ብሓንሳእ እናጐየዩ እንተለዉ እቲ ኻልእ ደቀ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀዲምዎ ኣብቲ መቓብር በጽሐ።
[5] ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸዓ ኣብኡ ነቲ መግነዝ ረአየ፤ ግና ኣይኣተወን።
[6] ሽዑ ስምዖን ጴጥሮስ ደድኅሪኡ መጺኡ ናብቲ መቓብር ኣተወ፤ እቲ መግነዝውን ተቐሚጡ ረአየ።
[7] እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መጠምጠምያ ኸዓ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር ምስቲ መግነዝ ኣይነበረን።
[8] ሽዑ እቲ ቐዲሙ ናብቲ መቓብር ዝበጽሐ ኻልእ ደቀ መዝሙርውን ኣተወ፤ ሪኡ ድማ ኣመነ።
[9] ካብ ሙታን ክትሥእ ይግብኦ እዩ ዝብል ቃል መጽሓፍ ኣየስተውዓልዎን ነበሩ።
[10] ድኅርዙይ እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርት ናብ ገዝኦም ተመልሱ።
[11] ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከዓ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ ጠመተት።
[12] ኣብቲ ሥጋ ኢየሱስ ዝነበሮ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ ኽልተ መላእኽቲ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ኸዓ ብትርጋጽ ረአየት።
[13] ንሳቶም ድማ ኣቲ ሰበይቲ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ? በልዋ፤ ንሳ ድማ ንጐይታይ [ ካብ መቃብር] ወሲዶምዎ፤ ኣበይ ከም ዘንበርዎውን ኣይፈልጥን በለቶም።
[14] እዙይ ኢላ ንድኅሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንኢየሱስ ደው ኢሉ ረአየቶ። ኢየሱስ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጠትን።
[15] ኢየሱስ ድማ ኣቲ ሰበይቲ ንምንታይ ትበኽዪ ኣለኺ? ንመንከ ትደልዪ ኣለኺ? በላ፤ ንሳ ድማ ሓላው ኣታኽልቲ መሲልዋ ጐይታይ! ንስኻ ወሲድካዮ እንተ ኼንካስ ኣነ ምእንቲ ኽወስዶ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ በለቶ።
[16] ኢየሱስ ድማ ማርያም! በላ። ንሳውን ግልጽ ኢላ ብዕብራይስጢ ረቡኒ! በለቶ ትርጕሙ መምህር ማለት እዩ።
[17] ኢየሱስ ድማ ገና ናብ ኣቦይ ስለ ዘይዓረግኩ ኣይትንክእኒ፤ ግና ናብ ኣኅዋተይ ኪዲ እሞ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን አዓርግ ኣለኹ› በሊዮም በላ።
[18] ማርያም መግደላዊት ንጐይታ ኸም ዝረአየቶን እዙይውን ከም ዝበላን ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ነገረቶም።
[19] በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ምድሪ ምስ መሰየ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርኁ እቲ በሪ ተዓፅዩ እንተሎ ኢየሱስ ናብታ ተኣኪቦምላ ዝነበሩ መጺኡ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን! በሎም።
[20] እዙይ ምስ በሎም ከዓ ኣእዳዉን ጐኑን ኣርአዮም፤ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ንጐይታ ምስ ረአይዎ ተሓጐሱ።
[21] ሽዑ ኢየሱስ መሊሱ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን! ከምቲ ኣብ ንኣይ ዝለኣኸኒ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣለኹ በሎም።
[22] እዙይ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ!
[23] ኃጢኣቶም ንዝኃደግኩምሎም ክኅደገሎም ንዘይኃደግኩሙሎም ግና ኣይኅደገሎምን እዩ በሎም።
[24] ካብቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ሓደ እቲ ዲዲሞስ ዝበሃል ቶማስ ግና ኢየሱስ ክመጽእ እንተሎ ምስኣቶም ኣይነበረን።
[25] እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርት ከዓ ንጐይታ ርኢናዮ በልዎ፤ ቶማስ ግና ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኣእዳዉ እንተዘይረአኹ ኣፃብዕተይውን ኣብቲ ዝተሸንከሮ እንተ ዘየእተኹ ኣብ ጐኑውን ኢደይ ሰዲደ እንተ ዘይዳህሰስኩ ኣይኣምንን እየ በሎም።
[26] ድኅሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኸዓ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መሊሶም ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተለዉ ቶማስውን ምስኣቶም ነበረ። እቲ በሪ ተዓጽዩ እንተሎ ኢየሱስ መጺኡ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን! በሎም።
[27] ድኅርዙይ ንቶማስ ኣፃብዕትካ ናብዙይ ኣምጽእ ኣእዳወይውን ርአ፤ ኢድካ ናብዙይ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐነይ ሰዲድካ ኣእትዎ። ኣማኒ እምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን በሎ።
[28] ቶማስ ከዓ መሊሱ ጐይታይን! ኣምላኸይን! በሎ።
[29] ኢየሱስ ድማ ንቶማስ ስለ ዝረአኻኒዶ ኣሚንካ? እቶም እንተይረአዩ ዝኣምኑ ብፁዓን እዮም በሎ።
[30] ኢየሱስ ኣብዚ መጽሓፍ እዙይ ዘይተጽሓፈ ኻልእ ብዙኅ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ።
[31] ግና እዙይ ዝተጽሓፈ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሔር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትኣምኑን ኣሚንኩምውን ብስሙ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽትረኽቡን እዩ።