Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 8:32

[1] ኣብ ቢታንያ ኣብ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓፍታን ኣልኣዛር ዝስሙ ሰብኣይ ሓሚሙ ነበረ።

[2] እዛ ማርያም እዚኣ እታ ንጐይታ ሽቱ ዝቐብአቶ ብፀጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝሓበሰቶ እያ፤ እቲ ዝሓመመ ኣልኣዛርውን ሓዋ እዩ።

[3] እተን ኣሓቱ ጐይታ! እቲ እትፈትዎስ እንሆ ሓሚሙ ኣሎ ኢለን ናብ ኢየሱስ ለኣኻ።

[4] ኢየሱስ እዙይ ሰሚዑ እዝ ሕማም እዙይ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ብእኡ ድማ ወዲ እግዚኣብሔር ምእንቲ ክኸብር እዩ እምበር ንሞት ኣይኮነን በለ።

[5] ኢየሱስ ንማርታን ንሓፍታ ማርያምን ንኣልኣዛርን ይፈትዎም ነበረ።

[6] ምሕማሙ ምስ ሰምዐ ኣብታ ዝነበራ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ፀንሐ።

[7] ድኅርዙይ ንደቀ መዛሙርቱ ደጊም ንዑ ናይ፤ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ በሎም።

[8] ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ መምህር! ቅድሚ ቑሩብ መዓልቲ ኣይሁድ ብእምኒ ክቕጥቅጡኻ ይደልዩ ነይሮምስ መሊስካዶ ናብኡ ክኸይድ ትብል ኣለኻ? በልዎ።

[9] ኢየሱስ ድማ ኣብ መዓልቲ ዓሠርተ ኽልተ ሰዓትዶ ኣይኮነን ዘሎ? እቲ ብመዓልቲ ዝኸይድ ሰብ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዝርኢ ስለ ዝኾነ ኣይዕንቀፍን እዩ።

[10] እቲ ብለይቲ ዝኸይድ ግና ኣብኡ ብርሃን ስለ ዘይብሉ ይዕንቀፍ እዩ ኢሉ መለሰሎም።

[11] እዙይ ምስ ተዛረበ ኣስዒቡ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ፤ ኣነ ግና ኻብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተሥኦ ክኸይድ እየ በሎም።

[12] ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ጐይታ! ደቂሱ እንተ ኾይኑስ ክሕሾ እዩ በልዎ።

[13] ኢየሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ ዝተዛረበ፤ ንኣኣቶም ግና ብዛዕባ ትኽስታ ድቃስ ዝተዛረበ መሰሎም።

[14] ሽዑ ኢየሱስ ብገሃድ ኣልኣዛር ሞይቱ፤

[15] ምእንቲ ኽትኣምኑ ኣነ ኣብኡ ብዘይምንባረይ ብዛዕባኹም እሕጐስ ኣለኹ፤ ግና ንዑ ናይ ናብኡ ንኺድ፤ በሎም።

[16] ሽዑ ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስ ከዓ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርት ንሕናውን ምስኡ ኽንመውት ንኺድ በሎም።

[17] ኢየሱስ ናብ ቢታንያ ምስ መጸ ኣልኣዛር ካብ ዝቕበር ድሮ ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ጸንሖ።

[18] ቢታንያ ኻብ ኢየሩሳሌም ዳርጋ ሠለስተ ኪሎ ሜትር ኣቢላ ትርሕቕ ነበረት።

[19] ካብ ኣይሁድ ድማ ብዙኃት ብዛዕባ ኃወን ከጸናንዕወን ናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ።

[20] ማርታ ምምጻእ ኢየሱስ ሰሚዓ ኽትቅበሎ ወፀት፤ ማርያም ግና ኣብ ገዛ ተቐሚጣ ነበረት።

[21] ሽዑ ማርታ ንኢየሱስ ጐይታይ! ኣብዙይ ነይርካ እንተ ትኸውንስ ኃወይ ኣይምሞተን ነይሩ።

[22] ሕዚውን እቲ ንእግዚኣብሔር እትልምኖ ዂሉ እግዚኣብሔር ከም ዝህበካ እፈልጥ እየ በለቶ።

[23] ኢየሱስ ድማ ሓውኪ ኽትሥእ እዩ በላ።

[24] ማርታ ድማ በታ ዳኅረወይቲ መዓልቲ ብትንሣኤ ከም ዝትሥእስ እፈልጥ እየ በለቶ።

[25] ኢየሱስ ድማ ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ እየ፤ እቲ ብኣይ ዝኣምንስ እንተ ሞተ እኳ ብሕይወት ክነብር እዩ።

[26] እቲ ብኣይ ዝኣምን ሕያው ዝኾነ ዂሉ ንዘለዓለም ኣይመውትን እዩ፤ እዙይዶ ተኣምኒ ኢኺ? በላ።

[27] ንሳ ድማ እወ ጐይታይ! ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዝመጽእ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሔር ከም ዝኾንካ ኣኣምን እየ በለቶ።

[28] እዙይ ኢላ ኸደትሞ፤ ንማርያም ሓፍታ ሕሹዂ ኢላ መምህር መጺኡ፤ ይጽውዐኪውን ኣሎ በለታ።

[29] ንሳ ኸዓ እዙይ ምስ ሰምዐት ቀልጢፋ ተሢኣ ናብኡ ኸደት።

[30] ኢየሱስ ኣብታ ማርታ ዝተቐበለቶ ስፍራ ጸንሐ እምበር ናብ ዓዲ ገና ኣይኣተወን ነበረ።

[31] እቶም ከጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ገዛ ዝነበሩ ኣይሁድ ግና ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ምባላን ምውፅኣን ርእዮም ናብ መቓብር ከይዳ ኽትበኪ ዝደለየት መሲልዎም ተኸተልዋ።

[32] ማርያም ግና ናብታ ኢየሱስ ዝነበራ ስፍራ መጺኣ ምስ ረአየቶ ኣብ እግሩ ተደፊኣ ጐይታይ! ኣብዙይ እንተ ትነብርስ ግዲ ኃወይ ኣይምሞተን ነይሩ በለቶ።

[33] ሽዑ ኢየሱስ ንሳ ኽትበኪ እንተላ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን እናበኸዩ እንተለዉ ርእዩ ብመንፈሱ ተኪዙ እናሕቖንቆነ

[34] ኣበይ ቀቢርኩምዎ? በለ፤ ንሳቶም ከዓ ጐይታይ! ነዓ ርአ! በልዎ።

[35] ኢየሱስ ድማ ነብዐ።

[36] ሽዑ ኣይሁድ ክንደይ የፍቅሮ ኸም ዝነበረ እስኪ ርኣዩ! በሉ።

[37] ገሊኦም ግና እዝ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ ነዙይውን ከም ዘይመውት ክገብሮዶ ኣይምኸኣለን ነይሩ? በሉ።

[38] ሽዑ ኢየሱስ ብልቡ ኃዚኑ ናብቲ መቓብር መጸ፤ እቲ መቓብር ከዓ ብእምኒ ዝተዓጽወ በዓቲ ነበረ።

[39] ኢየሱስ ነዝ እምኒ ኣልዕልዎ! በሎም፤ ሓፍቲ እቲ ምዉት ማርታ ድማ ጐይታይ! ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ስለ ዝገበረ ጨንዩ እዩ በለቶ።

[40] ኢየሱስ እንተ ኣሚንክስ ክብሪ እግዚኣብሔር ክትርእዪ ኢኺዶ ኣይበልኩኽን? በላ።

[41] ብድኅርዙይ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። ኢየሱስ ከዓ ኣዒንቱ ንላዕሊ ኣልዒሉ ኣቦ! ስለ ዝሰማዕኻኒ አመስግነካ ኣለኹ።

[42] እዞም ኣብዙይ ደው ኢሎም ዘለዉ ሕዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኽኣምኑ ደኣ እየ እዙይ ዝበልኩ እምበር ኣነስ ኲልሻዕ ኸም እትሰምዐኒ እፈልጥ እየ፤ በለ።

[43] እዙይ ምስ በለ ዓው ኢሉ ኣልኣዛር! ነዓ ናብ ደገ ውፃእ! በለ።

[44] እቲ ምዉት ብግኑዙ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹውን ብዓለባ ተሸፊኑ እንተሎ ወፀ። ኢየሱስ ድማ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ኅደግዎ በሎም።

[45] ሽዑ ኻብቶም ናብ ማርያም ዝመጹ ብዙኃት ኣይሁድ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ርእዮም ብእኡ ኣመኑ።

[46] ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ነገርዎም።

[47] እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ ጉባኤ ኣኪቦም እዝ ሰብኣይ እዙይ ብዙኅ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ እንታይ ንግበር?

[48] ከምዙይ ኢሉ ክቕጽል እንተ ኃዲግናዮ ኲሉ ብእኡ ኽኣምን እዩ፤ ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ሕዝብናን ከኅድጉና እዮም በሉ።

[49] ሓደ ኻብኣቶም ቀያፋ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ዝነበረ ንስኻትኩም ሓንቲ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤

[50] ኲሉ ሕዝቢ ኻብ ዝጠፍእስ ሓደ ሰብ ቤዛ ሕዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዝሕሸናዶ ከቶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? በሎም።

[51] እዙይ ዝበለ ግና በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ካህናት ስለ ዝነበረ ኢየሱስ ቤዛ ሕዝቢ ኽመውት ከም ዘለዎ ተነበየ እምበር ካብ ባዕሉ ኣይኮነን።

[52] ነቶም ዝተበተኑ ደቂ እግዚኣብሔር ናብ ሓደ ኽእክቦምውን እምበር ቤዛ ሕዝቢ ጥራሕ ክመውት ኣይኮነን።

[53] ስለዙይ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ክቐትልዎ ተማኸሩ።

[54] ብድኅርዙይ ኢየሱስ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ ብገሃድ ምምልላስ ኃደገ፤ ስለዙይ ድማ ጥቓ ምድረ በዳ ናብ ዘላ ምድሪ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፤ ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ።

[55] ፋሲካ ኣይሁድ ድማ ቐሪቡ ነበረ፤ ብዙኃት ሰባት ከዓ ቕድሚ በዓል ፋሲካ ርእሶም ከንጽሁ ከካብ ዓዱ ናብ ኢየሩሳሌም ደየቡ።

[56] ሽዑ ኣይሁድ ንኢየሱስ ይደልይዎ ነበሩ፤ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎምውን ንስንሳቶም እንታይ ይመስለኩም? ናብዚ በዓል ደኾን ኣይመጽእን? ተበሃሃሉ።

[57] እቶም ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከዓ ምእንቲ ኽኅዝዎ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈልጥ ሰብ እንተልዩ ኽሕብረሎም ኣዘዙ።

ወንጌል ዮሓንስ — Chapters