ወንጌል ዮሓንስ 17
[1] ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቅወኝላሕ ኣቢሉ ከምዙይ በለ፦ ኦ ኣቦ! እንሆ እታ ሰዓት በጺሓ እያ፤ ወድኻ ምእንቲ ከኽብረካስ ንወድኻ ኣኽብሮ፤
[2] ነዞም ዝሃብካዮ ዂላቶም ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽህቦም ንእኡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ወዲ ሰብ ሥልጣን ሂብካዮ ኢኻሞ።
[3] ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከዓ በይንኻ ናይ ብሓቂ እግዚኣብሔር ንዝኾንካን ንዝለኣኽካዮ ኢየሱስ ክርስቶስን ምፍላጥ እዩ።
[4] ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ ኣብ ምድሪ ኣኽቢረካ እየ፤
[5] ኦ ኣቦ! ሕዚ ድማ በቲ ዓለም እንተይተፈጥረ ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ።
[6] ነቶም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ፤ ንኣይ ድማ ሃብካኒ፤ ቃልካውን ሓለዉ።
[7] እቲ ዝሃብካኒ ዂሉ ኻባኻ ምዃኑ ሕዚ ፈለጡ።
[8] እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብኩዎም፤ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ካባኻ ኸም ዝመፃእኹ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፤ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ።
[9] ኣነ ምእንትኣቶም እልምን ኣለኹ። ናትካ እዮም እሞ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር ምእንቲ ዓለምስ ኣይልምንን እየ።
[10] ኲሉ ናተይ ናትካ እዩ፤ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፤ ኣነውን ብኣኣቶም እኸብር ኣለኹ።
[11] ደጊም ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ። ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፤ ኣነውን ናባኻ እመጽእ ኣለኹ። ኦ ቕዱስ ኣቦ! ነቶም ዝሃብካኒ ኸማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ብስምካ ሓልዎም።
[12] ኣነ ምስኣቶም ኣብ ዓለም እንተለኹ ነቶም ዝሃብካኒ በቲ ስምካ ሓለኹዎምን ተኸናኸንክዎምን፤ እቲ ቓል መጽሓፍ ምእንቲ ኽፍጸም እንትርፊ እቲ ወዲ ጥፍኣት ካብኣቶም ሓደኳ ዝጠፍአ የለን።
[13] ሕዚ ግና ናባኻ እመጽእ ኣለኹ፤ ሓጐሰይ ኣብኣቶም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ድማ እዙይ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣለኹ።
[14] ኣነ ቓልካ ሃብክዎም፤ ከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኮንኩ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑን እሞ ዓለም ጸልኦም።
[15] ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር ካብ ዓለም ክትወስዶም ኣይኮንኩን ዝልምነካ ዘለኹ።
[16] ከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኮንኩ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኮኑንሞ።
[17] በቲ ሓቅኻ ቐድሶም፤ ቃልካ ሓቂ እዩ።
[18] ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ ኸምኡ ኣነውን ናብ ዓለም ለኣኽክዎም።
[19] ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ኽቕደሱስ ኣነ ንርእሰይ ምእንትኣቶም እቕድስ ኣለኹ።
[20] ምእንቲ እቶም ብቓሎም ብኣይ ዝኣምኑውን እምበር ምእንቲ እዚኣቶም ጥራሕ ኣይኮንኩን ዝልምን ዘለኹ።
[21] ኦ ኣቦ! ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ዓለም ምእንቲ ኽኣምንስ ኲላቶምውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘለኻ ኣነውን ኣባኻ ከምዘለኹ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ምእንቲ ክኾኑ እልምን ኣለኹ።
[22] ንሕና ሓደ ኸም ዝኾንና ንሳቶምውን ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም።
[23] እዙይ ድማ ኸምቲ ኣነ ኣብኣቶም ንስኻውን ኣባይ ዝኾንካ ንሳቶምውን ብሓድነት ፍጹማን ምእንቲ ክኾኑ እዩ፤ ከምኡ ድማ ንኣይ ከም ዝለኣኽካኒ በቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪውን ንኣኣቶም ከም ዘፍቀርካዮም ዓለም ምእንቲ ኽፈልጥ እዩ።
[24] ኦ ኣቦ! ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ንኣይ ብምፍቃርካ ዝሃብካኒ ኽብሪ ምእንቲ ኽርእዩ እዞም ዝሃብካኒ ኣብቲ ኣነ ዘለኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ኽህልዉ እደሊ ኣለኹ።
[25] ኦ ጻድቕ ኣቦ! ዓለም ኣይፈለጠካን፤ ኣነ ግና ፈሊጠካ ኣለኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ።
[26] እታ ንኣይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽትህሉ ኣነውን ኣብኣቶም ምእንቲ ኽነብር ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፤ ከፍልጦምውን እየ።