ወንጌል ዮሓንስ 6
[1] ድኅርዙይ ኢየሱስ ናብ ማዕዶ እታ ጥብርያዶስ እትብሃል ባሕሪ ገሊላ ኸደ።
[2] ብዙኃት ሕዝቢ ኸዓነቲ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣምራት ርእዮም ተኸተልዎ።
[3] ኢየሱስ ድማ ናብ እምባ ደይቡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ተቐመጠ።
[4] በዓል ኣይሁድ ፋሲካ ድማ ቐሪቡ ነበረ።
[5] ሽዑ ኢየሱስ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ብዙኅ ሕዝቢ ናብኡ ኽመጽእ እንተሎ ርእዩ ንፊልጶስ ነዚኣቶም እነብልዖም እንጀራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና? በሎ።
[6] እዙይ ዝበሎ ምእንቲ ኽፍትኖ እዩ እምበር ነቲ ኽገብሮ ዘለዎስ ባዕሉ ይፈልጦ ነበረ።
[7] ፊልጶስ ከዓ ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጀራ ንነፍሲ ወከፎም እኳ ቈቊራስ ኣይበጽሖምን ኢሉ መለሰሉ።
[8] ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ እንድርያስ ኃው ስምዖን ጴጥሮስ
[9] ኃሙሽተ ኅብስቲ ስገምን ክልተ ዓሣን ዘለዎ ሓደ መንእሰይ ኣብዙይ ኣሎ፤ እዚኣተን ግና ነዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ሰብ እንታይ የኣኽላ? በሎ።
[10] ኢየሱስ ድማ ነቶም ሕዝቢ ኣቐምጥዎም በለ፤ ኣብቲ ቦታ ኸዓ ብዙኅ ሣዕሪ ነበረ። ሽዑ እቶም ሕዝቢ ተቐመጡ፤ ቊጽሮም ከዓ ኣስታት ኃሙሽተ ሽሕ ሰብኡት ነበሩ።
[11] ኢየሱስ ነተን ኅብስትታት ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ነቶም ዝተቐመጡ ዓደሎም፤ ነቶም ዓሣታትውን ከምኡ ከከም ዝደልዩዎ ዓደሎም።
[12] በሊዖም ምስ ጸገቡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኻብኣተን ሓደኳ ኸይባኽን ነቲ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ በሎም።
[13] ስለዙይውን ኣከብዎ፤ ተረፍ እቶም ካብተን ኃሙሽተ ኅብስቲ ስገም ዝበልዑ ኸዓ ዓሠርተ ኽልተ መሶብ ቊርስራስ መልኡ።
[14] እቶም ሕዝቢ ኸዓ ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ርእዮም እዙይ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ክመጽእ ዘለዎ ነቢይ እዩ! በሉ።
[15] ኢየሱስ ድማ ብኃይሊ ኂዞም ከንግሥዎ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ፈሊጡ መሊሱ በይኑ ናብ እምባ ኣግለሰ።
[16] ምስ መሰየ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ።
[17] ኣብ ጃልባ ደይቦም ከዓ ናብቲ ሰገር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ኣቢሎም ከዱ፤ ጊዜኡ ጸልሚቱ ነበረ፤ ኢየሱስውን ናብኣቶም ገና ኣይመጸን ነበረ።
[18] ብርቱዕ ንፋስ ኣውሎ ስለ ዝነፈሰ እቲ ባሕሪ ይናወጽ ነበረ።
[19] ኃሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ኪሎ ሜትር ኣቢሎም ምስ ከዱ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እናኸደ ናብታ ጃልባ ኽቐርብ እንተሎ ሪኦምዎ ፈርኁ።
[20] ንሱ ግና ኣነ እየ! ኣይትፍርኁ! በሎም።
[21] ሽዑ ናብታ ጃልባ ኸደይብዎ እናደለዩ እንተለዉ እታ ጃልባ ኸዓ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ዝኸድዎ ዝነበሩ ምድሪ በጽሐት።
[22] ንጽባሒቱ እቶም ኣብ ሰገር ባሕሪ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሕዝቢ እንትርፊ ሓንቲ ጃልባ ኻልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት ደቀ መዛሙርቱ ጥራሕ ንበይኖም ከም ዝኸዱ እምበር ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይደየበ ረአዩ።
[23] እንተኾነ ኻልኦት ጃላቡ ኻብ ጥብርያዶስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ባሪኹ ኅብስቲ ዝበልዑ ላ ቦታ መጻ።
[24] ሽዑ እቶም ሕዝቢ ኢየሱስ ኮነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ኸም ዘየለዉ ምስ ረአዩ ናብተን ጃላቡ ደይቦም ንኢየሱስ ክደልዩዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ።
[25] ኣብ ሰገር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸዓ መምህር! መኣዝ ደኣ ናብዙይ መጺእኻ? በልዎ።
[26] ኢየሱስ ድማ እትደልዩኒ ዘለኹም እንጀራ በሊዕኹም ስለ ዝጸገብኩም ኢኹም እምበር በቲ ዝረአኹምዎ ተኣምራት ከም ዘይኮነ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ።
[27] እምበኣር ምእንቲ እቲ ኃላፊ ምግቢ ዘይኮነስ ምእንቲ እቲ ወዲ ሰብ ዝህበኩም ንዘለዓለማዊ ሕይወት ዝኸውን ምግቢ ጸዓሩ። ንሱ ሓቂ ኸም ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣብ ብማኅተሙ ኃቲምዎ እዩሞ ኢሉ መለሰሎም።
[28] ስለዙይ ንሳቶም ፍቓድ እግዚኣብሔር ክንፍጽምስ እንታይ ንግበር? በልዎ።
[29] ኢየሱስ ድማ ፍቓድ እግዚኣብሔርስ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ በሎም።
[30] ሽዑ ንሳቶም ንሕና ርኢና ምእንቲ ብኣኻ ኽንኣምንስ እንታይ ምልክት ትገብር? እንታይከ ትሠርሕ? በልዎ።
[31] ከምቲ ኽበልዑ ኻብ ሰማይ እንጀራ ሃቦም› ዝብል ተጽሒፉ ዘሎ ኣቦታትና ኣብ በረኻ መና በልዑ በልዎ።
[32] ኢየሱስ ድማ ነቲ ናይ ሓቂ እንጀራ ኻብ ሰማይ ኣቦይ እዩ ዝሃበኩም እምበር ነቲ እንጀራ እቱይ ካብ ሰማይ ዝሃበኩም ሙሴ ኸም ዘይኮነስ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ።
[33] እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ ንዓለምውን ሕይወት ዝህብ ናይ እግዚኣብሔር እንጀራ እዩሞ በሎም።
[34] ሽዑ ንሳቶም ጐይታ! ነዝ እንጀራ እዙይ እንዶ ዂልሻዕ ሃበና? በልዎ።
[35] ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ናይ ሕይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ እቲ ናባይ ዝመጽእ ኣይጠምን፤ እቲ ብኣይ ዝኣምን ድማ ከቶ ኣይጸምእን እዩ።
[36] ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም እዩ፤ ርኢኹምኒ ግና ኣይኣመንኩምንን።
[37] እቲ ኣብ ዝህበኒ ዂሉ ናባይ ክመጽእ እዩ፤ ነቲ ናባይ ዝመጽእ ኸዓ ንወፃኢ ኸቶ ኣየውፅኦን እየ።
[38] ኣነ ካብ ሰማይ ዝወረድኩ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኮንኩን።
[39] ካብቶም ንሱ ዝሃበኒ ዂሎም በታ ዳኅረወይቲ መዓልቲ ኸተሥኦም እየ እምበር ሓደኳ ኣይጠፍእን እዩ፤ እዙይ ድማ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ እዩ።
[40] ንወልድ ርእዩ ብእኡ ዝኣምን ኲሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክረክብ ኣነውን በታ ዳኅረወይቲ መዓልቲ ኸተሥኦ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።
[41] ስለዙይ ድማ ኣይሁድ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ሕይወት እንጀራ ኣነ እየ ስለ ዝበሎም ብእኡ ኣጕረምረሙ።
[42] እዙይስ እቲ ኣቦኡን እኖኡን ንሕና እንፈልጦም ኢየሱስ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን? ከመይ ኢሉ ደኣ ካብ ሰማይ ወሪደ› ይብል? በሉ።
[43] ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ ንስንሳትኩም ኣይተጕረምርሙ፤
[44] እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኮይኑ ናባይ ክመጽእ ዝኽእል ሓደኳ የለን፤ ኣነ ድማ በታ ዳኅረወይቲ መዓልቲ ኸተሥኦ እየ።
[45] ኣብ መጻሕፍቲ ነቢያትውን ኲሎም ካብ እግዚኣብሔር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም› ዝብል ጽሑፍ ኣሎ፤ እምበኣር እቲ ኻብ ኣብ ዝሰምዐን ዝተምሃረን ኲሉ ናባይ ይመጽእ።
[46] እንትርፊ እቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝኾነ ንኣብ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ ንሱ እዩ ንኣብ ዝረአዮ።
[47] እቲ ብኣይ ዝኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘለዎ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ።
[48] ናይ ሕይወት እንጀራ ኣነ እየ።
[49] ኣቦታትኩም ኣብ ምድረ በዳ መና በልዑ እንተኾነ ግና ሞቱ።
[50] እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ እዙይ እዩ፤ ካብኡ ዝበልዐ ድማ ኣይመውትን።
[51] እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ሕይወት እንጀራ ኣነ እየ፤ ካብዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ ዂሉ ንዘለዓለም ክነብር እዩ፤ እዙይ ንዓለም ሕይወት ምእንቲ ክኸውን ኣነ ዝህቦ እንጀራ ሥጋይ እዩ።
[52] ሽዑ ኣይሁድ እዙይስ ሥጋኡ ኽንበልዕ ኸመይ ገይሩ ኽህበና ይኽእል? እናበሉ ንስንሳቶም ተኻትዑ ።
[53] ስለዙይ ድማ ኢየሱስ ከምዙይ በሎም፦ ሥጋ ወድ ሰብ እንተዘይበሊዕኹም ደሙውን እንተዘይሰቲኹምስ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከም ዘይብልኩም እማን እማን እብለኩም ኣለኹ።
[54] ሥጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ፤ ኣነውን በታ ዳኅረወይቲ መዓልቲ ኸተሥኦ እየ።
[55] ሥጋይ ኣማናዊ ምግቢ እዩ፤ ደመይውን ኣማናዊ መስተ እዩሞ።
[56] እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር፤ ኣነውን ኣብኡ እነብር።
[57] እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ ሕያው ከም ዝኾነ ኣነውን ብኣብ ሕያው ከም ዝኾንኩ፤ ከምኡ ኸዓ እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ብኣይ ሕያው ኮይኑ ኽነብር እዩ።
[58] እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጀራ እዙይ እዩ፤ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ መና እሞ ዝሞቱ ኣይኮነን፤ ነዝ እንጀራ እዙይ ዝበልዕ ግና ንዘለዓለም ሕያው ኮይኑ ኽነብር እዩ።
[59] ኢየሱስ ነዝ ዂሉ ዝተዛረቦ ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ እናመሃረ እንተሎ እዩ።
[60] ብዙኃት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዙይ ሰሚዖም እዝ ዘረባ እዙይስ ከቢድ እዩ፤ መን ክቕበሎ ይኽእል? በሉ።
[61] ኢየሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዙይ ከም ዘጕረምረሙ ብመንፈሱ ፈሊጡ እዙይዶ የዕንቅፈኩም?
[62] ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኽዓርግ እንተሎ እንተ ትርእይዎ ደኣ እንታይ ምበልኩም?
[63] ሕያው ዝገብር መንፈስ እዩ፤ ሥጋ ግና ምንም ኣይጠቅምን። እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ሕይወትውን እዩ።
[64] ግና ካባኻትኩም ገሊኣቶም ዘይኣምኑ ኣለዉ፤ በሎም። ኢየሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣይንኦም ምዃኖም እቲ ዘትኅዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ይፈልጥ ነበረሞ።
[65] ኣስዒቡ ኸዓ ስለዙይ ድማ እየ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝተውሃቦ እንተ ዘይኮይኑስ ናባይ ክመጽእ ዝኽእል ሓደኳ የለን ዝበልኩኹም በሎም።
[66] በዝ ነገርዙይውን ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙኃት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድኅሪት ተመለሱ፤ ምስኡውን ኣይከዱን።
[67] ስለዙይ ኢየሱስ ነቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኢኹም? በሎም።
[68] ስምዖን ጴጥሮስ ከዓ ጐይታይ! ንስኻ ናይ ዘለዓለም ቃል ሕይወት ኣለካ፤ ናብ መን እሞ ኢና ኽንከይድ?
[69] ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚኣብሔር ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣለና፤ ኢሉ መለሰሉ።
[70] ኢየሱስ ድማ ንዓሠርተ ኽልቴኹም ዝኃሬኩኹምስ ኣነዶ ኣይኮንኩን? ሓደ ኻባኻትኩም ግና ዲያብሎስ እዩ ኢሉ መለሰሎም።
[71] እዙይ ዝበለ ድማ ብዛዕባ ይሁዳ ወዲ ስምዖን ኣስቆሮታዊ እዩ፤ ዘትኅዞ ንሱ እዩሞ፤ ንሱውን ካብቶም ዓሠርተ ኽልተ ሓደ ነበረ።