ወንጌል ዮሓንስ 2
[1] ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኸዓ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ እትርከብ ኣብ ቃና መርዓ ነበረ። እኖ ኢየሱስውን ኣብኡ ነበረት።
[2] ኢየሱስ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብቲ መርዓ ተዓዲሙ ነበረ።
[3] ወይኒ ምስ ተወድኦም እኖ ኢየሱስ ወይኒኮ ተወዲእዎም እዩ! በለቶ።
[4] ኢየሱስ ድማ ኣቲ ሰበይቲ ምሳኺ እንታይ ኣለኒ? ጊዜይ እኮ ገና ኣይበጽሐን በላ።
[5] እኖኡ ኸዓ ነቶም መሰለፍቲ ንሱ ዝብለኩም ኲሉ ግበሩ! በለቶም።
[6] ኣብኡ ኣይሁድ ከምቲ ሥርዓቶም ዝነጽሁለን ከክልተ ወይ ሠለስተ ዝንግሪር ዝኅዛ ሽዱሽተ ኣጋንእ እምኒ ተቐሚጠን ነበራ።
[7] ኢየሱስ ነቶም መሰለፍቲ ነዘን ኣጋንእ ማይ ምልእወን! በሎም፤ ንሳቶም ከዓ ኽሳዕ ኣፈን መልእወን።
[8] ሽዑ ሕዚ ቐዲሕኹም ነቲ ኣቦ ዳስ ውሰዱሉ በሎም። ንሳቶም ድማ ወሲዶም ሃብዎ።
[9] እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ናብ ወይኒ ዝተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ ካበይ ከም ዝመጸውን ኣይፈለጠን፤ እቶም ማይ ዝመልኡ መሰለፍቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ። እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ ፦
[10] ኲሉ ሰብ ኣቐዲሙ ጥዑ ም ወይኒ የስቲ፤ ብዙኅ ምስ ሰተዩ ኸዓ እቲ ዝተሓተ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጥዑ ም ወይኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣጽኒሕኻዮ በሎ።
[11] ኢየሱስ ነዝ ናይ መጀመርታ ተኣምራት እዙይ ኣብ ኣውራጃ ገሊላ እትርከብ ኣብ ቃና ገበረ። ክብሩ ድማ ገለጸ፤ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ።
[12] ድኅርዙይ ንሱ ምስ እኖኡን ኣኅዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወሪዶምኣብኡ ቑሩብ መዓልቲ ተቐመጡ።
[13] ፋሲካ ኣይሁድ ቀሪቡ ነበረሞ ኢየሱስ ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።
[14] ኣብ ቤተ መቕደስ ከዓኣብዑ ርን ኣባጊዕን ርግብታት ዝሸጡንመሽረፍቲ ገንዘብን ተቐሚጦም ረኸበ።
[15] ካብ ገመድ ጭጕራፍ ተኒጉ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑ ርን ንኹሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውፅኦም፤ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲውን በተኖ፤ ነቲ ጠረጴዛውን ገምጠሎ።
[16] ነቶም ሸየጥቲ ርግብታት ድማ ነዙይ ካብዙይ ኣልዕልዎ! ንቤት ኣቦይ ቤት ንግዲ ኣይትግበርዎ! በሎም።
[17] ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ቕንኣት ቤትካ በልዐኒ ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ።
[18] ሽዑ ኣይሁድ ነዙይ ክትገብር ሥልጣን ከም ዘለካ እንታይ ምልክት ተርእየና? ኢሎም ጠየቕዎ።
[19] ኢየሱስ ድማነዝ ቤተ መቕደስ እዙይ ኣፍርስዎ፤ ኣነ ኸዓ ብሠለስተ መዓልቲ ኸልዕሎ እየ ኢሉ መለሰሎም።
[20] እቶም ኣይሁድ ድማ እዝ ቤተ መቕደስ እዙይ በርብዓን ሽዱሽተን ዓመት እዩ ዝተሓንጸ፤ ንስኻዶ ብሠለስተ መዓልቲ ኽተልዕሎ ኢኻ? በልዎ።
[21] ንሱ ግና ብዛዕባ ቤተ መቕደስ ሰብነቱ እዩ ዝተዛረበ።
[22] ካብ ምዉታን ምስ ተሥአ ደቀ መዛሙርቱ ስለዙይ ከም ዝበሎም ዘከሩ፤ በቲ ቓል መጽሓፍን በቲ ኢየሱስ ዝተዛረቦን ድማ ኣመኑ።
[23] ነቲ ኢየሱስ ብበዓል ፋሲካ ኣብ ኢየሩሳሌም እንተሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረአዩ ብዙኃት ሰባት ብእኡ ኣመኑ።
[24] ኢየሱስ ግና ንዂሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ ኣይኣመኖምን።
[25] ነቲ ዂሉ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝፈልጥ ከዓ ሓደኳ ብዛዕባ ሰብ ክነግሮ ኣይደልን ነበረ።