ወንጌል ዮሓንስ 9
[1] ኢየሱስ ብመንገዲ ኽኃልፍ እንተሎ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ ሓደ ሰብ ረአየ።
[2] ደቀ መዛሙርቱ ድማ መምህር! እዝ ሰብ እዙይ ዕዉር ኮይኑ ዝተወለደ ብናይ መን ኃጢኣት እዩ? ብናይ ርእሱ ድዩ ወይ ብናይ ወለዱ? ኢሎም ጠየቕዎ።
[3] ኢየሱስ ከዓ ግብሪ እግዚኣብሔር ኣብኡ ምእንቲ ኽግለጽ ድኣ እምበር ብናይ ርእሱ ወይ ብናይ ወለዱ ኃጢኣት ኣይኮነን።
[4] ሓደኳ ኽሠርሐላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ እሞ መዓልቲ እንተላ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽሠርሕ ይግብአኒ እዩ።
[5] ኣብ ዓለም እንተለኹ ናይ ዓለም ብርሃን እየ፤ ኢሉ መለሰሎም።
[6] እዙይ ኢሉ ናብ ምድሪ እንትፍ በለ፤ በቲ ምራቑውን ጸብሪ ገበረ፤ በቲ ጸብሪ ኸዓ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ
[7] ኬድካ ኣብ ቀላይ ሰሊሆም ተሓጸብ በሎ። ሰሊሆም ማለት ዝተልኣኸ ማለት እዩ። ንሱውን ከይዱ ተሓጸበ እሞ እናረአየ ተመለሰ።
[8] እቶም ጐረባብቱን እቶም ቅድም እንትልምን ዝርእይዎ ዝነበሩን እዙይ ድኣ እቲ ኣብ መንገዲ ተቐሚጡ ዝልምን ዝነበረዶ ኣይኮነን? በሉ።
[9] ገሊኦም ንሱ እዩ! በሉ፤ ገሊኦም ከዓ ንእኡ ደኣ እዩ ዝመስል እምበር ንሱ ኣይኮነን! በሉ፤ ንሱ ግና ኣነ እየ! በለ።
[10] ስለዙይ ንሳቶም ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ? በልዎ።
[11] ንሱ ኸዓ እቲ ኢየሱስ ዝብሃል ሰብ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኽዩ ናብ ሰሊሆም ኪድ እሞ ተሓጸብ› በለኒ፤ ከይደ ምስ ተሓጸብኩ ድማ ረአኹ፤ ኢሉ መለሰሎም።
[12] ንሳቶም ከዓ እቲ ሰብኣይ እቱይከ ኣበይ ኣሎ? በልዎ፤ ንሱ ድማ ኣይፈልጥን በሎም።
[13] ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ።
[14] እታ ኢየሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ኸዓ ሰንበት ነበረት።
[15] ስለዙይ ፈሪሳውያን ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ መሊሶም ጠየቕዎ። ንሱ ድማ ፀብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፤ ተሓጸብኩ እሞ ረአኹ በሎም።
[16] ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ገሊኣቶም እዝ ሰብኣይ እዙይ ሰንበት ስለ ዘየኽብር ካብ እግዚኣብሔር ኣይኮነን በሉ፤ ካልኦት ድማ ኃጢኣተኛ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዙይ ዝበለ ተኣምራት ክገብር ይኽእል? በሉ። ኣብ መንጎኣቶም ከዓ ምፍልላይ ኮነ።
[17] ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር ንስኻኸ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል? በልዎ፤ ንሱ ድማ ነቢይ እዩ! በሎም።
[18] እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፍታሉ ሰብ ክሳዕ ዝጽውዑ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረአየ ኣይኣመንዎን ነበሩ።
[19] ስለዙይ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኹም እዙይ ድዩ? ሕዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸኣለ? ኢሎም ጠየቕዎም።
[20] እቶም ወለዱ ድማ እዙይ ወድና ኸም ዝኾነን ብዕዉሩ ኸም ዝተወልደን ንፈልጥ።
[21] ሕዚ ግና ኸመይ ኢሉ ኽርኢ ኸም ዝኸኣለ ኣይንፈልጥን፤ ኣዒንቱውን መን ከም ዝኸፈተሉ ኣይንፈልጥን፤ ንእኡ ጠይቕዎ፤ ንሱ ዓብዪ እዩ፤ ብዛዕባ ርእሱ ባዕሉ ኽዛረብ ይኽእል እዩ፤ ኢሎም መለሱ።
[22] እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርኁ እዮም እዙይ ዝበሉ። ኣይሁድ ንሱ ክርስቶስ እዩ ኢሉ ንዝመስከረ ካብ ቤተ ጸሎቶም ክሰጕዎ ተሰማሚዖም ነበሩሞ።
[23] ስለዙይ እዮም እቶም ወለዱ ንሱ ዓብዪ እዩሞ ጠይቕዎ፤ ዝበሉ።
[24] ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ጊዜ ጸዊዖም ንእግዚኣብሔር ክብሪ ሃብ፤ ንሕና እዝ ሰብኣይ እዙይ ኃጢኣተኛ ምዃኑ ኢና እንፈልጥ በልዎ።
[25] ንሱ ድማ መሊሱ ኣነስ ኃጥእ ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን፤ ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕዚ ግና እርኢ ኸም ዘለኹን እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፤ በሎም።
[26] ንሳቶም ከዓ እንታይከ ገበረልካ? ከመይ ገይሩኸ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ? በልዎ።
[27] ንሱ ድማ ቅድሚ ሕዚ ነጊረኩም ኣይሰማዕኹምን፤ ንምንታይ መሊስኩም ክትሰምዑ ትደልዩ ኣለኹም? ንስኻትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኮኑ ትደልዩ ኢኹም? በሎም።
[28] ንሳቶም ድማ ጸረፍዎ ደቀ መዝሙሩስ ንስኻ ኢኻ፤ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና።
[29] ንሕናስ እግዚኣብሔር ንሙሴ ከም ዝተዛረቦ ንፈልጥ ኢና፤ እዙይ ግና ካበይ ከም ዝኾነ ኣይንፈልጥን ኢና በልዎ።
[30] እቲ ሰብኣይ ከዓ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዘገርም እዩ! ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ።
[31] እግዚኣብሔር ንዝፈርኆን ፍቓዱ ንዝፍጽምን እዩ ዝሰምዕ እምበር ንኃጥኣን ከምዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና።
[32] ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ብዕዉሩ ንዝተወለደ ሰብ ኣዒንቱ ኸፊቱሉ ዝብሃል ከቶ ኣይተሰምዐን።
[33] እዝ ሰብ እዙይ ካብ እግዚኣብሔር እንተ ዘይኸውን ሓደኳ ኽገብር ኣይምኸኣለን ነይሩ፤ ኢሉ መለሰሎም።
[34] ንሳቶም ከዓ ንስኻ ኲለንትናኻ ብኃጢኣት ዝተወለድካ እንተለኻስ ንኣና ኽትምህረና? ኢሎም ካብ ቤተ ጸሎቶም ኣውጽእዎ።
[35] ኢየሱስ ናብ ወፃኢ ኸም ዘውጽእዎ ሰምዐ፤ ምስ ረኸቦ ድማ ብወዲ ሰብዶ ተኣምን ኢኻ?
[36] ንሱ ኸዓ ጐይታይ! ብእኡ ኽኣምንስ መን እዩ ንሱ? ኢሉ መለሰ።
[37] ኢየሱስ ድማ ርኢኻዮ ኣለኻ፤ እዝ ሕዚ ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ በሎ።
[38] ንሱ ኸዓ ጐይታ! ኣኣምን እየ ኢሉ ሰገደሉ።
[39] ኢየሱስ ድማ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኽርእዩ እቶም ዝርእዩ ኸዓ ምእንቲ ኽዓውሩ ንፍርዲ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ መጺአ ዘለኹ በለ።
[40] ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ገሊኣቶም ነዙይ ሰሚዖም ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና? በልዎ።
[41] ኢየሱስ ድማ ዕዉራት እንተ ትኾኑስ ኃጢኣት ኣይምኾነኩምን ነይሩ፤ ሕዚ ግና ንርኢ ኢና› ትብሉ ስለ ዘለኹም ኃጢኣትኩም ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ በሎም።