Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:39

[1] ኣስዒቡ ድማ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብበሪ ዘይኣቱ ብኻልእ ወገን ደይቡ ዝኣቱ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን እዩ።

[2] እቲ ብበሪ ዝኣቱ ግና ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ።

[3] ንእኡ እቲ ሓላዊ በሪ ይኸፍተሉ፤ እተን ኣባጊዕውን ድምፁ ይሰምዓ፤ ነተን ኣባጊዑ ኸዓ በብስመን ጸዊዑ የውፅአን።

[4] ንኹለን ነተን ኣባጊዑ ምሰውፅአን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፤ እተን ኣባጊዑ ውን ድምፁ ስለ ዘለልያ ይስዕባኦ።

[5] ንኻልእ ግና ድምፁ ስለ ዘየለልያ ኻብኡ የሃድማ እምበር ኣይስዕብኦን እየን።

[6] ኢየሱስ ነዝ ምስላ እዙይ መሰለሎም፤ ንሳቶም ግና ነቲ ዝተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን።

[7] ሽዑ ኢየሱስ ደጊሙ ኸምዙይ በሎም፦ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ እቲ በሪ ኣባጊዕ ኣነ እየ።

[8] እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዂላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፤ ግና እተን ኣባጊዕ ኣይሰምዐኦምን።

[9] እቲ በሪ ኣነ እየ፤ ብኣይ ዝኣቱ ኽድኅን እዩ፤ ክኣቱን ክወፅእን እዩ፤ መውፈሪውን ክረክብ እዩ።

[10] እቲ ሰራቒ ግና ኽሰርቕን ክቐትልን ከጥፍእን እንተ ዘይኮይኑ ኣይመጽእን እዩ፤ ኣነ ግና ሕይወት ምእንቲ ኽረኽቡ ብምልኣትውን ምእንቲ ኽረኽቡ እየ ዝመጻእኹ።

[11] ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ ቤዛ ኣባጊዑ ኣኅሊፉ ይህብ።

[12] እቲ ጓሳ ዘይኮነ ዕሱብ ግና ነተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ ዝኾና ተዂላ ኽመጽእ እንተ ረአየ ነተን ኣባጊዕ ኃዲጉወን የሃድም፤ እቲ ተዂላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይምንጥለን ይብትነንውን።

[13] ዕሱብ ስለ ዝኾነ ኸዓ የሃድም፤ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕውን ግዲ የብሉን።

[14] -

[15] ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፤ ኣብ ነኣይ ከም ዝፈልጠኒ ኣነውን ንኣብ ከም ዝፈልጦ ነባጊዐይ እፈልጠን እየ፤ እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን፤ ንሕይወተይ ከዓ ቤዛ እተን ኣባጊዕ አኅልፋ።

[16] ካብዝ መጓሰ እዙይ ዘይኮና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ፤ ንኣኣተን ድማ ኸምጽአን እየ፤ ቃለይውን ክሰምዓ እየን፤ ሓደ መጓሰውን ክኾና ጓሳአንውን ሓደ ክኸውን እዩ።

[17] መሊሰ ንኽወስዳ ንሕይወተይ ቤዛ ኣኅሊፈ ዝህባ ስለ ዝኾንኩ፤ ኣብ የፍቅረኒ እዩ።

[18] ባዕለይ እየ ቤዛ ኣኅሊፈ ዝህባ እምበር ካባይ ዝወስዳስ ሓደኳ የለን፤ ቤዛ ኸኅልፋ መሊሰውን ክወስዳ ሥልጣን ኣለኒ፤ ነዝ ትእዛዝ እዙይ ካብ ኣቦይ እየ ዝተቐበልክዎ።

[19] ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ድማ ኣብ ማእኸል ኣይሁድ መሊሱ ምፍልላይ ኮነ።

[20] ሽዑ ካብኣቶም ብዙኃት ጋኔን ኂዝዎ እዩ፤ ዓቢዱውን እዩ፤ ንምንታይ ኢኹም ትሰምዕዎ? በሉ።

[21] ካልኦት ግና እዙይ ጋኔን ናይ ዝኃደሮ ዘረባ ኣይኮነን፤ ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ክኸፍት ይከኣሎ እዩ? በሉ።

[22] ሽዑ ኣብ ኢየሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ሕንፃ ቤተ መቕደስ ኮነ፤ ጊዜኡ ኸዓ ኽረምቲ ነበረ።

[23] ኢየሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ።

[24] ሽዑ ኣይሁድ ከበብዎ እሞ ኽሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ጥርጥር እተንብረና? ንስኻ ክርስቶስ እንተ ደኣ ዄንካ ኣግሂድካ ንገረና በልዎ።

[25] ኢየሱስ ድማ ነጊረኩም ኣይኣመንኩምንን፤ ንኣይ ዝምስክረለይ እዝ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት እዩ።

[26] ንስኻትኩም ግና ኸምቲ ዝበልኩኹም ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኮንኩም ኣይትኣምኑን ኢኹም።

[27] እተን ኣባጊዐይ ግና ድምፀይ ይሰምዓ እየን፤ ኣነ ኸዓ እፈልጠን እየ፤ ንሳተንውን ይስዕባኒ።

[28] ኣነ ኸዓ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እህበን፤ ንዘለዓለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፤ ካብ ኢደይውን ዘኅድገን ሓደኳ የለን።

[29] እቲ ንኣኣተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኲሉ የዓቢ እዩሞ ካብ ኢድ ኣቦይ ከኅድገን ዝኽእል ሓደኳ የለን።

[30] ኣነን ኣብን ሓደ ኢና ኢሉ መለሰሎም።

[31] ሽዑ ኣይሁድ ክቕጥቅጥዎ መሊሶም እምኒ ኣልዓሉ።

[32] ኢየሱስ ድማ ካብ ኣቦይ ብዙኅ ሠናይ ግብርታት ኣርአኩኹም፤ ካብኣተን በየነይቲ ግብሪ ኢኹም ብእምኒ ኽትቅጥቅጡኒ ትደልዩ ዘለኹም? በሎም።

[33] ኣይሁድ ከዓ ብእምኒ እንቕጥቅጠካ በቲ ጽቡቕ ግብርታትካ ዘይኮነስ ሰብ እንተለኻ ንባዕልኻ ኣምላኽ ብምግባር ንእግዚኣብሔር ብምጽራፍካ እዩ ኢሎም መለሱሉ።

[34] ኢየሱስ ድማ ኣብ ሕግኹም ኣነ ኣማልኽቲ ኢኹም፤ በልኩ› ዝብል ጽሑፍዶ የለን እዩ?

[35] እቲ ጽሑፍ ክሠዓር ኣይኽእልን እዩ። ነቶም ቃል እግዚኣብሔር ዝመጸሎም ኣማልኽቲ› ካብ በሎም

[36] ነቲ ኣብ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ደኣ ወዲ እግዚኣብሔር እየ› ስለ ዝበልኩኹም ከመይ ኢልኩም ንእግዚኣብሔር ትጻረፍ ኣለኻ› ትብሉኒ ኣለኹም?

[37] ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ ኣይትእመኑኒ።

[38] ዝገብሮ እንተ ደኣ ኾይነ ግና ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩም ኣብ ኣባይ ምህላዉ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክተስተውዕሉን ነቲ ግብረይ እመንዎ እናበለ መለሰሎም።

[39] መሊሶም ድማ ኽኅዝዎ ደለዩ፤ ንሱ ግና ኻብ ኣእዳዎም ኣምለጠ።

[40] መሊሱ ናብታ ዮሓንስ ቀደም ዘጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፤ ኣብኣውን ተቐመጠ።

[41] ብዙኃት ድማ ናብኡ መጺኦም ዮሓንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፤ እቲ ዮሓንስ ብዛዕባ እዝ ሰብ እዙይ ዝተዛረቦ ግና ሓቂ ኾነ በሉ።

[42] ኣብኡውን ብዙኃት ብእኡ ኣመኑ።

ወንጌል ዮሓንስ — Chapters