ወንጌል ዮሓንስ 16
[1] እዙይ ዝነገርኩኹም ካብ እምነትኩም ከይትናወጹ ኢለ እየ።
[2] ካብ ቤተ ጸሎቶም ከውፅኡኹም እዮም፤ እኳ ድኣ እቲ ዝቐትለኩም ንእግዚኣብሔር ኣገልግሎት ከም ዝፈጸመ ዝመስሎ ጊዜ ኽመጽእ እዩ።
[3] እዝ ዂሉ ዝገብሩ ነቦይ ኮነ ንኣይ ስለ ዘይፈልጡ እዩ።
[4] እዝ ነገራት እዙይ ዝነገርኩኹም ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኣነ ኸም ዝነገርኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ኢለ እየ፤ ካብ መጀመርታ እዙይ ዘይነገርኩኹም ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ።
[5] ሕዚ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ፤ ካባኻትኩም ሓደኳ ናበይ ኢኻ እትኸይድ?› ኢሉ ዝጥይቐኒ የለን።
[6] እዙይ ስለ ዝነገርኩኹም ግና ኣብ ልብኹም ኃዘን መልአ።
[7] እንተኾነ ሓቂ ኽነግረኩም፦ ኣነ ናብ ኣብ እንተ ኸድኩ ይሕሸኩም፤ ኣነ እንተ ዘይከይደ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞ፤ ኣነ እንተ ኸይደ ግና ንእኡ ኽሰደልኩም እየ።
[8] ንሱ ምስ መጸ ኸዓ ንዓለም ብዛዕባ ኃጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ክወቅስ እዩ።
[9] ብዛዕባ ኃጢኣት ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ እዩ።
[10] ብዛዕባ ጽድቂ ድማ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ እሞ ደጊም ስለ ዘይትርእዩኒ እዩ።
[11] ብዛዕባ ፍርዲ ኸዓ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ስለ ዝተፈርዶ እዩ።
[12] ገና ብዙኅ ነገር ዝነግረኩም ኣለኒ፤ እንተኾነ ሕዚ ኽትፆርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
[13] እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ናብ ኲሉ ሓቂ ኽመርሐኩም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዝሰምዖ ዂሉ እዩ ዝዛረብ እምበር ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ፤ ነቲ ኽመጽእ ዘለዎ ነገራትውን ከፍልጠኩም እዩ።
[14] ንሱ ኻባይ ወሲዱ ስለ ዝገልጸልኩም ንኣይ ከኽብረኒ እዩ።
[15] እቲ ናይ ኣብ ዝኾነ ዂሉ ናተይ እዩ፤ ስለዙይ እየ ካባይ ወሲዱ ኽገልጸልኩም እዩ ዝበልኩኹም።
[16] ድኅሪ ቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ድማ ድኅሪ ቑሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም።
[17] ሽዑ ገሊኦም ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንስንሳቶም እዝ ናብ ኣብ ክኸይድ እየ እሞ ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም› ዝብለና ዘሎስ እንታይ እዩ? ተበሃሃሉ።
[18] ስለዙይ ንሳቶም እዝ ንቑሩብ ጊዜ ዝብሎ ዘሎስ እንታይ እዩ? እዝ ዝዛረቦ ዘሎ ኣይተረድአናን ተበሃሃሉ።
[19] ኢየሱስ ከዓ ኽጥይቕዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ ንቑሩብ ጊዜ ኣይትሪኡንን ኢኹም፤ መሊስኩም ንቑሩብ ጊዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም› ስለ ዝበልኩኹምዶ ንስንሳትኩም ትጠያየቑ ኣለኹም? በሎም።
[20] እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትኃዝኑን ኢኹም፤ ዓለም ግና ደስ ክብሎ እዩ፤ ንስኻትኩም ክትኃዝኑ ኢኹም፤ ግና እቲ ኃዘንኩም ናብ ሓጐስ ክልወጥ እዩ።
[21] ሰበይቲ ኽትወልድ እንተላ ሕማም ሕርሲ ስለ ዝበጽሓ ትጭነቕ ቈልዓ ምስ ወለደት ግና ሰብ ኣብ ዓለም ስለ ዝተወልደ ተሓጕሳ ነቲ ጭንቃውን ኣይትዝክሮን እያ።
[22] ከምኡውን ንስኻትኩም ሕዚ ኃዚንኩም ኣለኹም፤ ግና መሊሰ ስለ ዝሪአኩም ልብኹም ክሕጐስ እዩ፤ ንሓጐስኩም ድማ ኻባኻትኩም ዝወስዶ የለን።
[23] በታ እዋን እቲኣ ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትጥይቑንን ኢኹም። እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ንኣብ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዂሉ ኽህበኩም እዩ።
[24] ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።
[25] እዝ ዂሉ ብምስላ እየ ዝተዛረብኩኹም፤ ካብ ብሕዚ ግና ብምስላ ዘይነግረኩም ሰዓት ትመጽእ ኣላ። ብዛዕባ ኣብ ብግልጺ ኽነግረኩም እምበር።
[26] በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፤ ኣነ ንኣብ ምእንታኻትኩም ክልምኖ እየ ኣይብለኩምን።
[27] ንስኻትኩም ኣነ ኻብ እግዚኣብሔር ከም ዝመፃእኹ ስለ ዝኣመንኩምን ስለ ዘፍቀርኩምንን ኣብ ባዕሉ የፍቅረኩም እዩሞ።
[28] ካብ ኣብ ወፂአ ናብ ዓለም መጻእኹ፤ መሊሰውን ንዓለም ኃዲገ ናብ ኣብ እኸይድ ኣለኹ።
[29] እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ እንሆ ሕዚ ብምስላ ዘይኮነስ ብገሃድ ትዛረብ ኣለኻ።
[30] ንስኻ ዂሉ ኸም እትፈልጥ ሓደኳ ኽጥይቐካ ከም ዘየድልየካ ሕዚ ፈሊጥና፤ በዙይ ድማ ካብ እግዚኣብሔር ከም ዝመጻእኻ ኣሚንና ኣለና በልዎ።
[31] ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ ሕዚዶ ኣሚንኩም?
[32] እንሆ ዂልኹም ነናብ ገዛኹም እትብተኑላ ንበይነይውን እትኃድጉላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፤ ድሮ እኳ እኒሃ መጺኣ፤ ግና ኣብ ምሳይ ስለ ዝኾነ በይነይ ኣይኮንኩን።
[33] ብኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም መከራ ኣለኩም፤ እንተኾነ ኣይዞኹም ኣነ ንዓለም ሥዒረዮ እየ።