Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:58

[1] ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ኣይሁድ ዝኾነ ኒቆዲሞስ ዝስሙ ፈሪሳዊ ነበረ።

[2] ንሱ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ መምህር! ብዘይ እቲ እግዚኣብሔር ምስኡ ዝኾነ ሰብ ነዝ ንስኻ እትገብሮ ዘለኻ ተኣምራት ክገብሮ ዝኽእል ሓደኳ የለን እሞ ንስኻ ኻብ እግዚኣብሔር ዝመጻእኻ መምህር ምዃንካ ንፈልጥ ኢና፤ በሎ።

[3] ኢየሱስ ድማ ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወሊዱ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ክርእያ ኸቶ ኸም ዘይኽእል እማን እማን እብለካ ኣለኹ፤ ኢሉ መለሰሉ።

[4] ኒቆዲሞስ ከዓ ሰብከ ምስ ዓበየ ኸመይ ኢሉ ካልኣይ ክውለድ ይኽእል? መሊሱ ናብ ማኅፀን እኖኡ ኣትዩስ ክውለድዶ ይኽእል እዩ? በሎ።

[5] ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ እማን እማን እብለካ ኣለኹ፤ ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወሊዱ ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ክኣቱ ዝኽእል ከቶ የለን።

[6] እቲ ኻብ ሥጋ ዝተወልደ ሥጋ እዩ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ዝተወልደ ኸዓ መንፈስ እዩ።

[7] ካልኣይ ክትውለዱ ግድን እዩ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም።

[8] ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፤ ድምፁ ኸዓ ትሰምዕ፤ ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይውን ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ እቲ ኻብ መንፈስ ቅዱስ ዝተወልደ ዂሉ ድማ ከምኡ እዩ፤ ኢሉ መለሰሉ።

[9] ኒቆዲሞስ ከዓ እዙይ ደኣ ኸመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል? ኢሉ ጠየቖ።

[10] ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎ፦ ንስኻ መምህር እስራኤል እንትትከውን ከመይ እዝ ነገር እዙይ ዘይትፈልጥ?

[11] እማን እማን እብለካ ኣለኹ፤ እንፈልጦ ንዛረብ፤ ዝረአናዮውን ንምስክር፤ ምስክርነትና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም።

[12] ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም እኳ ዘይትኣምኑስ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ ኸመይ ጌርኩም ክትኣምኑ?

[13] ብዘይ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ወዲ ሰብ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደኳ የለን።

[14] -

[15] ብእኡ ዝኣምን ኲሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ንተመን ዝሰቐሎ፤ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኽስቀል ኣለዎ።

[16] በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ከይጠፍእስ እግዚኣብሔር ንወዱ ቤዛ ኽሳዕ ዝህብ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።

[17] እግዚኣብሔር ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽድኅን እምበር ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን።

[18] እቲ ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን እዩ፤ እቲ ብእኡ ዘየኣምን ግና ብሓደ ወዲ እግዚኣብሔር ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ።

[19] እቲ ፍርዲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፤ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ፈተዉ።

[20] እቲ ኽፉእ ዝገብር ኲሉ ግብሩ ምእንቲ ኸይግለጽ ብርሃን ይጸልእ እምበር ናብ ብርሃን ኣይመጽእን እዩሞ።

[21] እቲ ሓቂ ዝገብር ግና ከም ትእዛዝ እግዚኣብሔር ስለ ዝገበረ ግብሩ ምእንቲ ኽግለጽ ናብ ብርሃን እዩ ዝመጽእ።

[22] ድኅርዙይ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፤ ኣብኡ ኸዓ እናጥመቐ ምስኣቶም ቀነየ።

[23] ኣብ ሄኖን ጥቓ ሳሌም ብዙኅ ማይ ስለ ዝነበረ ዮሓንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ። ብዙኃት ሰባት ከዓ እናመጹ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ።

[24] ዮሓንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረሞ፤

[25] ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርት ዮሓንስን ኣይሁድን ብዛዕባ ሥርዓት ምንጻህ ክርክር ተልዓለ።

[26] ናብ ዮሓንስ መጺኦም ከዓ መምህር! እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ እንሆ ንሱ የጥምቕ ኣሎ፤ ኲሎም ከዓ ናብኡ ይኸዱ ኣለዉ በልዎ።

[27] ዮሓንስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦ ሰብ ካብ እግዚኣብሔር እንተ ዘይተውሂብዎስ ሓንቲ እኳ ኽቕበል ኣይኽእልን እዩ።

[28] ኣነ ቐቅድሚኡ ዝተልኣኽኩ ደኣ እምበር ክርስቶስ ኣይኮንኩን› ከም ዝበልኩ ንስኻትኩም ባዕልኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም።

[29] እቲ መርዓት ዘላቶ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዝሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምፂ መርዓዊ የመና ይሕጐስ። ደጊም ሓጐሰይ እንሆ ምሉእ ኾይኑለይ።

[30] ንሱ ኽልዕል ኣነ ኽትሕት ይግባእ።

[31] እቲ ኻብ ላዕሊ ዝመጽእ ንሱ ልዕሊ ዂሉ እዩ፤ እቲ ኻብ ምድሪ ዝኾነ ኸዓ ምድራዊ እዩ፤ ናይ ምድሪውን ይዛረብ፤ እቲ ኻብ ሰማይ ዝመጽእ ግና ንሱ ልዕሊ ዂሉ እዩ።

[32] ነቲ ምስክሩ ደኣ ዝቕበሎ የለን እምበር ንሱስ ነቲ ዝረአዮን ዝሰምዖን እዩ ዝምስክር።

[33] እቲ ንምስክርነቱ ዝተቐበለ ግና እግዚኣብሔር ሓቀኛ ከም ዝኾነ የረጋግጽ።

[34] እግዚኣብሔር መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ እቲ እግዚኣብሔር ዝለኣኾ ንሱ ቓል እግዚኣብሔር እዩ ዝነግር።

[35] ኣብ ንወልድ የፍቅሮ እዩ፤ ኲሉ ነገር ከዓ ኣብ ኢዱ ሃቦ።

[36] እቲ ብወልድ ዝኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ፤ እቲ ብወልድ ዘይኣምን ግና ቝጥዓ እግዚኣብሔር ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር ንናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣይርእያን እዩ።

ወንጌል ዮሓንስ — Chapters