Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 8:05

[1] ድኅርዙይ ጲላጦስ ንኢየሱስ ወሲዱ ገረፎ።

[2] እቶም ወታደራት ከዓ ኣኽሊል እሾዂ ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። ቀይሕ ካባውን ከደንዎ።

[3] ናብኡ እናመጹ ኸዓ ኦ ንጉሥ ኣይሁድ! ሰላም ንኣኻ! እናበሉ ገጹ ይጸፍዕዎ ነበሩ።

[4] ጲላጦስ መሊሱ ናብ ደገ ወፂኡ ኣብዝ ሰብ እዙይ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ንኽትፈልጡ እንሆ ናብ ደገ አውፅአልኩም ኣለኹ በሎም።

[5] ሽዑ ኢየሱስ ኣኽሊል ዕሾዂ ደፊኡ ቀይሕ ካባ ተኸዲኑ ናብ ደገ ወፀ። ጲላጦስ ድማ እንሆ እቲ ሰብኣይ! በሎም።

[6] ሊቃነ ካህናትን እቶም ሓሻኽሮምን ምስ ረአይዎ ኸዓ ስቐሎ! ስቐሎ! እናበሉ ጸርሑ። ጲላጦስ ከዓ ባዕልኻትኩም ደኣ ወሲድኩም ስቐልዎ እምበር ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን በሎም።

[7] ኣይሁድ ድማ ንሕና ሕጊ ኣለና፤ ከም ሕግና ኸዓ ንሱ ንርእሱ ወዲ እግዚኣብሔር ስለ ዝገበረ ኽመውት እዩ ዝግብኦ ኢሎም መለሱሉ።

[8] ጲላጦስ እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰምዐ ኬርና ፈርሐ።

[9] መሊሱ ናብ መጋባእያ ኣትዩ ንኢየሱስ ንስኻ ካበይ ኢኻ? በሎ። ኢየሱስ ግና ሓንቲኳ ኣይመለሰሉን።

[10] ጲላጦስ ከዓ ንኣይውንዶ ኣይትዛረበንን ኢኻ? ክሰቕለካን ክፈትሐካን ሥልጣን ከም ዘለኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? በሎ።

[11] ኢየሱስ ድማ ካብ እግዚኣብሔር ሥልጣን እንተዘይውሃበካስ ኣባይ ሥልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዙይ እቲ ናባኻ ኣኅሊፉ ዝሃበኒ ዝገደደ ኃጢኣት ኣለዎ ኢሉ መለሰሉ።

[12] ድኅርዙይ ጲላጦስ ክፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና ነዙይ እንተ ፈቲሕኻዮ ፈታው ቄሣር ኣይኮንካን። ንባዕሉ ንጉሥ ዝገብር ኲሉ ኣንጻር ቄሣር እዩ ኢሎም ጫው ጫው በሉ።

[13] ጲላጦስ ነዝ ዘረባዙይ ምስ ሰምዐ ንኢየሱስ ናብ ደገ ወሲዱ ኣብቲ ብዕብራይስጢ ገበታ ዝብሃል ጸፍጸፍ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ።

[14] ጊዜኡ ናይ ፋሲካ ምድላው ኣጋ ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ ነበረ። ጲላጦስ ንኣይሁድ እንሆ ንጉሥኩም! በሎም።

[15] ሽዑ ንሳቶም ኣወግዶ! ኣወግዶ! ስቐሎ! እናበሉ ጫው ጫው በሉ። ጲላጦስ ከዓ ንንጉሥኩምዶ ኽሰቕሎ? በሎም። እቶም ሊቃነ ካህናት ከዓ ብዘይ ቄሣር ንጉሥ የብልናን! ኢሎም መለሱ።

[16] ሽዑ ንኢየሱስ ክሰቕልዎ ኣኅሊፉ ሃቦም። ንኢየሱስ ድማ ኂዞም ወሰድዎ።

[17] መስቀሉ ፆይሩ ናብቲ ሓምሓም ርእሲ ብዕብራይስጢ ድማ ጎልጎታ ዝበሃል ስፍራ ወፀ።

[18] ምስኡውን ክልተ ኸተርቲ ሓደ በዙይ ሓደ ድማ በቱይ ሰቐሉ፤ ንኢየሱስ ከዓ ኣብ ማእኸሎም ሰቐልዎ።

[19] ጲላጦስ ድማ ጽሑፍ ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈቱ ድማ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ንጉሥ ኣይሁድ ዝብል ነበረ።

[20] እታ ኢየሱስ ዝተሰቐለላ ሥፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለዝነበረት ብዙኃት ካብ ኣይሁድ ድማ ነቲ ጽሑፍ ኣንበብዎ። እቲ ጽሑፍ ብዕብራይስጥን ብላቲንን ብግሪኽን ዝተጽሓፈ ነበረ።

[21] እቶም ናይ ኣይሁድ ሊቃነ ካህናት ንጲላጦስ ንሱ ባዕሉ ኣነ ንጉሥ ኣይሁድ እየ› ከም ዝበለ ድኣ እምበር ንጉሥ ኣይሁድ እዩ› ኢልካ ኣይትጽሓፍ በልዎ።

[22] ጲላጦስ ከዓ ዝጸሓፍኩ ጽሒፈ ኣለኹ! ኢሉ መለሰ።

[23] እቶም ወታደራት ግና ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ ነቲ ኽዳውንቱ ወሲዶም ንነፍስ ወከፍ ሓድ ሓደ ምእንቲ ኽበጽሖም ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ፤ ነቲ ቐሚሹውን ከምኡ። እቲ ቐሚሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዂለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር ስፋይ ኣይነበሮን።

[24] ንስንሳቶም ከዓ ንዝበጽሐ ኽበጽሖስ ዕፃ ደኣ ነውድቐሉ እምበር ኣይንቕደዶ ተበሃሃሉ። እዙይ ከዓ እቲ ኽዳውንተይ ንርእሶም ተማቕልዎ፤ ንቐምሸይውን ዕፃ ኣውደቑሉ ዝብል ጽሑፍ ምእንቲ ኽፍጸም እቶም ወታደራት ከምዙይ ገበሩ።

[25] ኣብ ጥቓ መስቀል ኢየሱስ ከዓ እኖኡን ሓፍቲ እኖኡን ማርያም ሰበይቲ ቀለዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ።

[26] ኢየሱስ ንኖኡን ነቲ ዝፈትዎ ደቀ መዝሙሩን ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ምስ ረአዮም ንኖኡ ኣቲ ሰበይቲ እኒሆ ወድኺ! በላ።

[27] ነቲ ደቀ መዝሙር ከዓ እኒሃ እኖኻ! በሎ። እቲ ደቀ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ገዝኡ ወሰዳ።

[28] ድኅርዙይ ኢየሱስ ኲሉ ኸም ዝተፈጸመ ፈሊጡ እቲ ቓል መጽሓፍ ምእንቲ ኽፍጸም ጸማእኹ! በለ።

[29] ኣብኡ መጺጽ ዝመልአ ሳርማ ነበረ። ካብቲ መጺጽ ሰፍነግ መሊኦም ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ኣሲሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ።

[30] ኢየሱስ ከዓ ነቲ መጺጽ ምስ ጠዓመ ተፈጸመ! በለ፤ ርእሱ ኣድነነ፤ ነፍሱውን ሃበ።

[31] ድኅርዙይ ሽዑ ዓርቢ ናይ ሰንበት ምድላው ስለ ዝነበረ እታ ሰንበት እቲኣ ድማ ኽብርቲ በዓል ስለ ዝነበረት እቶም ሬሳታት ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሓድሩ መምሕዂልቶም ሰሰቢሮም ንኸውርድዎም መራሕቲ ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ።

[32] ሽዑ እቶም ወታደራት መጺኦም ምሕዂልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ ዝተሰቕለ ኻልኣይን ሰበሩ።

[33] ናብ ኢየሱስ ምስ መጹ ግና ድሮ ኸም ዝሞተ ርእዮም ምሕዂልቱ ኣይሰበርዎን።

[34] ሓደ ኻብቶም ወታደራት ብዂናት ጐድኑ ወግኦ፤ ሽዑ ንሽዑ ኸዓ ደምን ማይን ወፀ።

[35] እቲ ነዙይ ዝረአየ መስከረ፤ እቲ ምስክርነቱ ኸዓ ሓቂ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ ድማ ንሱ ሓቂ ኸም ዝዛረብ ይፈልጥ እዩ።

[36] እዝ ዂሉ ዝኾነ ኸዓ እቲ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይስበርን እዩ ዝብል ጽሑፍ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ።

[37] ካልእ ጽሑፍውን እቶም ዝወግእዎ ኽርእይዎ እዮም ዝብል ኣሎ።

[38] ድኅርዙይ ንኣይሁድ ብምፍራሕ ብኅቡእ ናይ ኢየሱስ ደቀ መዝሙር ዝነበረ በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍ ናይ ኢየሱስ ሥጋ ንኽህቦ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከዓ ፈቐደሉ። ንሱውን ከይዱ ነቲ ሥጋ ኢየሱስ ወሰዶ።

[39] እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን ኣርባዕተ ሚእትን ኃምሳን ግራም ዝኣክል ከርበ ምስ ሽቱ ዝተሓዋወሰ ኂዙ መጸ።

[40] ንሥጋ ኢየሱስ ወሲዶም ከዓ ኸምቲ ልማድ ኣገናንዛ ኣይሁድ ምስ ሽቱ ብሓድሽ ዓለባ ገይሮም ገነዝዎ።

[41] ኣብቲ ጥቓ ዝተሰቕለሉ ቦታ ድማ ኣታኽልቲ ነበረ። ኣብቲ ኣታኽልቲ ኸዓ ሰብ ተቐቢሩሉ ዘይፈልጥ ሓድሽ መቓብር ነበረ።

[42] እቲ ዕለት በዓል ምስንዳው ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ እቲ መቓብርውን ቀረባ ነበረ እሞ ንኢየሱስ ኣብኡ ቐበርዎ።

ወንጌል ዮሓንስ — Chapters