ወንጌል ዮሓንስ 13
[1] ኢየሱስ ቅድሚ በዓል ፋሲካ ካብዝ ዓለም እዙይ ናብ ኣብ ዝኸደላ ሰዓት ከም ዝበጽሐት ፈሊጡ፤ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።
[2] እናተደረሩ እንተለዉ ድማ ዲያብሎስ ንኢየሱስ ከትሕዝ ኣብ ልቢ ይሁዳ ወዲ ስምዖን ኣስቆሮታዊ ሓሳብ ኣኅዲሩ ነበረ።
[3] ኢየሱስ ኣቦኡ ንዂሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ ካብ እግዚኣብሔር ከም ዝመጸ ናብ እግዚኣብሔርውን ከም ዝኸይድ ፈሊጡ፤
[4] ካብ ድራር ተሢኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፤ ዕጣቕ ኣልዒሉውን ተዓጠቐ።
[5] ሽዑ ማይ ናብ ኲስኲስቲ ገይሩ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓጽብን በቲ ዝተዓጢ ዕጣቕ ገይሩ ኽሕብስን ጀመረ።
[6] ናብ ስምዖን ጴጥሮስ ከዓ በጽሐ፤ ንሱ ድማ ጐይታይ! ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሓጽበኒ ኢኻ? በሎ።
[7] ኢየሱስ ድማ መሊሱ ነዝ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ንስኻ ሕዚ ኣይትፈልጦን ኢኻ፤ ደኃር ግና ኽትፈልጦ ኢኻ በሎ።
[8] ጴጥሮስ ከዓ ብፍጹም ኣእጋረይ ኣይትሓጽበንን ኢኻ! በሎ። ኢየሱስ ድማ ኣነ እንተዘይሓጺበካስ ምሳይ ክፍሊ የብልካን ኢሉ መለሰሉ።
[9] ስምዖን ጴጥሮስ ድማ ጐይታይ! እምበኣር ኣእጋረይ ጥራሕ ኣይኮነን ኣእዳወይን ርእሰይውን እምበር! በሎ።
[10] ኢየሱስ ከዓ እቲ ዝተሓጽበ ኲለንትናኡ ንጹሕ እዩ እሞ እንትርፊ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን፤ ንስኻትኩም ከዓ ንጹሃት ኢኹም፤ ግና ኲልኻትኩም ኣይኾንኩምን በለ።
[11] ኢየሱስ እቲ ኣኅሊፉ ዝህቦ መን ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ ኲልኻትኩም ንጹሃት ኣይኮንኩምን ዝበለ።
[12] ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦም ድማ ክዳውንቱ ተኸዲኑ መሊሱ ምስኣቶም ተቐመጠ፤ ከምዙይ ድማ በሎም፦ እዝ ዝገበርኩልኩምስ ኣስተውዒልኩምዎዶ ኣለኹም?
[13] ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን› ኢልኩም ትጽውዑ ኒ፤ ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ ጽቡቕ በልኩም።
[14] እምበኣር ኣነ ጐይታኹምን መምህርኩምን እንተለኹ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣእጋር ብጾትኩም ክትሓጽቡ ይግብአኩም እዩ።
[15] ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝገበርክዎ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ።
[16] ሓሽከር ካብ ጐይታኡ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኸም ዘይበልጽ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ።
[17] እምበኣር ነዙይ እንተፈሊጥኩምዎ እሞ እንተገይርኩምዎ ብፁዓን ኢኹም።
[18] እዙይ ብዛዕባ ዂልኻትኩም ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፤ ኣነ ነቶም ዝኃረኽዎም እፈልጦም እየ፤ ግና እቲ እንጀራይ ዝበልዕ ሸዀንኡ ኣባይ ኣልዓለ› ዝብል ጽሑፍ ምእንቲ ኽፍጸም እዙይ ኾነ።
[19] እቲ ነገር ምስ ኮነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ እቲ ነገር እንተይኮነ ካብ ብሕዚ እነግረኩም ኣለኹ።
[20] ነቲ ኣነ ዝለኣኽክዎ ዝቕበል ንኣይ ይቕበል፤ እቲ ንኣይ ዝቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ ኸም ዝቕበል እማን እማን እብለኩም ኣለኹ።
[21] ኢየሱስ እዙይ ምስ በለ ብመንፈሱ ኃዚኑ ሓደ ካባኻትኩም ከም ዘትኅዘኒ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ኢሉ ኣግሂዱ ተዛረበ።
[22] እቶም ደቀ መዛሙርት ብዛዕባ መን ከም ዝተዛረበ ስለ ዘይፈለጡ ንስንሳቶም ተጠማመቱ።
[23] ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ እቲ ኢየሱስ ዝፈትዎ ኣብ ጥቓ ኢየሱስ ተቐሚጡ ነበረ።
[24] ስምዖን ጴጥሮስ ንእኡ ብዛዕባ መን እዩ ዝዛረብ ዘሎ እስኪ ጠይቆ? ኢሉ ጠቐሶ።
[25] ንሱ ኸዓ ናብ ኢየሱስ ጽግዕ ኢሉ ጐይታ! መን እዩ ንሱ? ኢሉ ጠየቖ።
[26] ኢየሱስ ከዓ እቲ ኣነ ቝራስ እንጀራ ጸቢሐ ዝህቦ ንሱ እዩ ኢሉ መለሰ፤ ሽዑ ድማ ቝራስ እንጀራ ጸቢሑ ንይሁዳ ወዲ ስምዖን ኣስቆሮታዊ ሃቦ።
[27] ድኅሪ እታ ቝራስ እንጀራ ኸዓ ሰይጣን ኣብ ይሁዳ ኃደረ። ሽዑ ኢየሱስ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ! በሎ።
[28] እቶም ምስኡ ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ ኣይፈለጡን።
[29] ንገሊኦም ግና ሙዳየ ምጽዋት ምስ ይሁዳ ስለ ዝነበረ ኢየሱስ ንበዓል ዘድልየና ዓድግ ወይ ከዓ ንድኻታት ሃብ ዝበሎ መሲልዎም ነበረ።
[30] ይሁዳውን ነታ ቝራስ እንጀራ ምስ ተቐበለ ሽዑ ንሽዑ ወፀ፤ ለይቲውን ነበረ።
[31] ይሁዳ ምስ ወፀ ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ ሕዚ ወዲ ሰብ ኸበረ፤ እግዚኣብሔርውን ብእኡ ኸበረ።
[32] እግዚኣብሔር ብእኡ ኻብ ከበረ እግዚኣብሔር ከዓ ንእኡ ባዕሉ ከኽብሮ እዩ፤ ቀልጢፉውን ከኽብሮ እዩ።
[33] ደቀይ! ገና ቑሩብ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ፤ ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ከምቲ ንኣይሁድ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም› ዝበልክዎም ንኣኻትኩምውን ሕዚ እብለኩም ኣለኹ።
[34] ንስንሳትኩም ክትፋቐሩ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ገይርኩም ንስንሳትኩም ምእንቲ ኽትፋቐሩ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።
[35] ንስንሳትኩም ፍቕሪ እንተሃልይኩም ደቀ መዛሙርተይ ከም ዝኾንኩም በዙይ ኲሉ ኽፈልጥ እዩ።
[36] ስምዖን ጴጥሮስ ከዓ ጐይታይ! ናበይ ክትከይድ ኢኻ? በሎ፤ ኢየሱስ ድማ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕዚ ኽትክተለኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ደኃር ግና ኽትክተለኒ ኢኻ ኢሉ መለሰሉ።
[37] ጴጥሮስ ከዓ ጐይታይ! ስለምንታይ እየ ሕዚ ክኽተለካ ዘይክእል? ሕይወተይ እንተ ኾነውን ቤዛኻ ኣኅሊፈ ኽህብ እየ በሎ።
[38] ኢየሱስ ድማ ንሕይወትካ ቤዛይ ክተኅልፋ ዲኻ? ደርሆ እንተይነቀወ ሠለስተ ጊዜ ከም እትኽሕደኒ እማን እማን እብለካ ኣለኹ፤ ኢሉ መለሰሉ።