ወንጌል ዮሓንስ 5
[1] ድኅርዙይ ድማ በዓል ኣይሁድ ኮነ፤ ኢየሱስውን ናብ ኢየሩሳሌም ደየበ።
[2] ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ኣባጊዕ ኸዓ ብዕብራይስጢ ቤተ ሳይዳ ዝብሃል ኃሙሽተ መመላለሲ ገበላ ዘለዎ ቐላይ ነበረ።
[3] ኣብኡ ናይቲ ማይ ምንዋጽ ዝጽበዩ ብዙኃት ሕሙማት ዕዉራት ሓንካሳትን መፃጕዓትን ይድቅሱ ነበሩ።
[4] ጸጸኒሑ መልኣኽ እግዚኣብሔር ናብቲ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የናውጾ ነበረ፤ እቲ ቐዲሙ ወሪዱ ኣብቲ ዝተናወጸ ማይ ዝኣተወ ካብ ዘለዎ ሕማም ኲሉ ይሓዊ ነበረ።
[5] ካብ ዝሓምም ሠላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝገበረ ሓደ ሰብ ኣብኡ ነበረ።
[6] ኢየሱስ ድማ ንእኡ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ምስ ረአዮ ነዊኅ እዋን ምሕማሙ ፈሊጡ ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ? በሎ።
[7] እቲ ሕሙም ከዓ ጐይታይ! እቲ ማይ ምስ ተናወጸ ናብቲ ጾላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን፤ ኣነ ኽሳዕ ዝኸይድ ድማ ኻልእ ቀዲሙኒ ይወርድ ኢሉ መለሰሉ።
[8] ኢየሱስ ድማ ተሥእ! ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ! በሎ።
[9] እቲ ሰብኣይ ሽዑ ንሽዑ ሓወየ፤ ዓራቱ ተሸኪሙውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰንበት ነበረት።
[10] ስለዙይውን ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ ሎሚ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዓራትካ ኽትሽከም ኣይፍቀደልካን እዩ! በልዎ።
[11] ንሱ ግና እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ተሸኪምካ ኪድ› ዝበለኒ ኢሉ መለሰሎም።
[12] ንሳቶም ከዓ እቲ ዓራትካ ተሸኪምካ ኺድ› ዝበለካ ሰብ መን እዩ? ኢሎም ጠየቕዎ።
[13] ኢየሱስ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ብዙኃት ሰባት ተሓዊሱ ነበረሞ እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ መን ከም ዘሕወዮ ኣይፈለጠን።
[14] ብድኅርዙይ ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃረ እንተሎ ነቲ ዝሓወየ ረኸቦ እሞ እንሆ ሓዊኻ ኣለኻ፤ ካብዙይ ዝገድድ ከይረኽበካደጊም ኃጢኣት ኣይትግበር! በሎ።
[15] እቲ ሰብኣይ ከዓ ኸይዱእቲ ዘሕወዮ ኢየሱስ ከም ዝኾነ ንኣይሁድ ነገሮም።
[16] ስለዙይ ብሰንበት ነዝ ነገራትዙይ ስለ ዝገበረ ኣይሁድ ንኢየሱስ የሳጕጉዎ ነበሩ፤ ክቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ።
[17] ኢየሱስ ግና ኣቦይ ክሳዕ ሕዚ ይሠርሕ ኣሎ፤ ኣነውን እሠርሕ ኣለኹ ኢሉ መለሰሎም።
[18] ስለዙይ ሰንበት ብምሥዓሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ንእግዚኣብሔርውን ኣቦይ ስለ ዝበለ ርእሱውን ምስ እግዚኣብሔር ስለ ዘመዓራረየኣይሁድ ክቐትልዎ ኣበርቲዖም ይደልዩ ነበሩ።
[19] ሽዑ ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ወልድነቲ ኣብ ክገብሮ ዝረአዮ እንተ ዘይኮይኑ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኽገብር ኣይኽእልን እዩ፤ ነቲ ኣብ ዝገብሮ ዂሉ ወልድውን ይገብሮ።
[20] ኣብ ንወልድ ስለ ዘፍቅሮ ነቲ ዝገብሮ ዂሉ ኸዓ የርእዮ እዩ፤ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድነቑ ኸዓ ካብዙይ ዝዓቢ ግብሪ ኸርእዮ እዩ።
[21] ኣብ ንምዉታን ከም ዘተሥኦም ሕያዋንውን ከም ዝገብሮም ወልድ ድማ ኸምኡ ነቶም ዝደለዮም ሕያዋን ይገብሮም።
[22] -
[23] ኲሉ ሰብ ከምቲ ንኣብ ዘኽብሮ ንወልድ ምእንቲ ከኽብሮ ፍርዲ ዂሉ ንወልድ ሃቦ እምበር ኣብ ንሓደኳ ኣይፈርድን እዩ፤ ንወልድ ዘየኽብር ነቲ ዝለኣኾ ኣብውን ኣየኽብርን።
[24] እማን እማን እብለኩም ኣለኹ፤ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ በቲ ዝለኣኸኒውን ዝኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣለዎ፤ ንሱ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ይሳገር እምበር ናብ ፍርዲ ኣይቐርብን እዩ።
[25] እቶም ምዉታን ድምፂ ወዲ እግዚኣብሔር ዝሰምዑ ላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፤ ንሳ ኸዓ ሕዚ እያ፤ እቶም ዝሰምዕዎ ዂሎም ድማ ብሕይወት ከም ዝነብሩ እማን እማን እብለኩም ኣለኹ።
[26] ከምቲ ንኣብ ናይ ባዕሉ ሕይወት ዘለዎ ንወልድውን ናይ ባዕሉ ሕይወት ክህልዎ ሃቦ።
[27] ወዲ ሰብ ስለ ዝኾነ ድማ ኽፈርድ ሥልጣን ሃቦ።
[28] እቶም ኣብ መቓብር ዘለዉ ዂላቶም ድምፁ ዝሰምዑ ላ ሰዓት ክትመጽእ እያ እሞ በዙይ ኣይትገረሙ።
[29] ሽዑ እቶም ሠናይ ዝገበሩ ናብ ናይ ትንሣኤ ሕይወት እቶም ክፉእ ዝገበሩ ድማ ናብ ናይ ትንሣኤ ኲነኔ ክኸዱ እዮም።
[30] ኣነ ኻብ ርእሰይ ሓደ ነገርኳ ኽገብር ኣይክእልን፤ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ኣይገብርን እየሞ፤ ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕኽዎ እየ ዝፈርድ፤ ፍርደይ ከዓ ቕኑዕ እዩ።
[31] ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ ዝምስክር እንተኾይነ ምስክርነተይ ሓቂ ኣይኮነን።
[32] ግና ንኣይ ዝምስክረለይ ካልእ ኢዩ፤ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዝምስክሮ ምስክርነት ከዓ ሓቂ ምዃኑ እፈልጥ እየ።
[33] ንስኻትኩም ናብ ዮሓንስ ለኣኽኩም፤ ንሱ ኸዓ ንሓቂ መስከረ።
[34] እዙይ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድኅኑ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ እምበርኣነስ ምስክርነት ሰብ ደልየ ኣይኮንኩን።
[35] ንሱ ዝነድድን ዝበርህን መብራህቲ ነበረ፤ ንስኻትኩም ከዓ በቲ ብርሃኑ ንቑሩብ ጊዜ ደስ ክብለኩም ደለኹም።
[36] ኣነ ግና ካብ ምስክርነት ዮሓንስ ዝበልጽ ምስክር ኣለኒ፤ እዙይ ድማ እቲ ኣብ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ ኣነውን ዝገብሮ ዘለኹ ኣብ ከም ዝለኣኸኒ ንሱ ይምስክረለይ እዩሞ።
[37] እቲ ዝለኣኸኒ ኣብ ከዓባዕሉ መስኪሩለይ ኣሎ፤ ንስኻትኩም ድምፁ ኸቶ ኣይሰማዕኹምን፤ መልክዑ ውን ከቶ ኣይረአኹምን።
[38] በቲ ንሱ ዝለኣኾ ስለ ዘይኣመንኩም ከዓቃሉ ኣባኻትኩም ኣይኃድርን።
[39] ንስኻትኩም በተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እትረኽቡ እናመሰለኩም ትምርምሩወን ኣለኹም፤ ንሳተንውን ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ።
[40] ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም።
[41] ኣነ ኻብ ሰብ ከንቱ ኽብሪ ኣይደልን እየ።
[42] ንስኻትኩም ግና ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጥኹም ከም ዘይብልኩም እፈልጥ እየ።
[43] ኣነ ብስም ኣቦይ መጺአ ኣይተቐበልኩምንን፤ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸ ግና ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም።
[44] ንስኻትኩም ካብ ብጻይኩም ክብሪ እናደለኹም ናይ ሓደ እግዚኣብሔር ክብሪ ግና ዘይትደልዩ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ትኽእሉ?
[45] ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም፤ ዝኸሰኩምስ ኣሎ፤ እቲ ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ ዝኸሰኩም።
[46] ንሙሴ እንተ እትኣምንዎስ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ እዩ እሞ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም።
[47] ነቲ ሙሴ ዝጸሓፎ እንተዘይኣሚንኩም ግና ኸመይ ገይርኩም ንቓለይ ክትኣምኑ?