[1] ነታ ንቤተ ክርስቲያን ክንክርኤስ ኣገልጋሊት ዝኾነት ፌቤን ኃፍትና ናባኻትኩም አማኅፅና ኣለኹ።
[2] ንኣመንቲ ኸም ዝግባእ ጌርኩም ብጐይታ ተቐበልዋ ብዘድልያ ዂሉ ኸዓ ደግፍዋ። ንሳ ንብዙኃትን ንኣይ ንባዕለይዉን ደጋፊት ነይራ እያሞ።
[3] ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ መሣርሕተይ ዝኾኑ ጵርስቅላን ኣቂላን ሰላም በሉለይ።
[4] ንሳቶም ምእንታይ ሕይወቶም ንምኅላፍ ዝተዳለዉ ነይሮም እዮምሞ ስለዙይውን አመስግኖም ኣለኹ፤ ኣነ በይነይ ዘይኮንኩስ ኣብያተ ክርስቲያን ኣሕዛብ ኲለን እየን ዘመስግናኦም።
[5] ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ቤተ ክርስቲያን ሰላም በሉለይ። ነቲ ክርስቶስ ብምቕባል ኣብ እስያ መጀመርታ ዝኾነ ኤጴኔጦስ ፍቑረይ ሰላም በሉለይ።
[6] ነታ ብዙኅ ዝፀዓረትልኩም ማርያም ሰላም በሉለይ።
[7] ነቶም ኣብ ሓዋርያት ፍሉጣት ቅድመይ ድማ ብክርስቶስ ዝኣመኑ ምሳይውን ተኣሲሮም ንዝነበሩ ኣዝማደይ ኣንድራኒቆንን ዩልያንን ሰላም በሉለይ።
[8] ነቲ ብጐይታ ፍቑረይ ዝኾነ ኣንጵልያጦን ሰላም በሉለይ።
[9] ነቲ ብክርስቶስ መሣርሕትና ዝኾነ ኡርባኖስን ንስጣክስ ፍቑረይን ሰላም በሉለይ።
[10] ነቲ ምእንቲ ክርስቶስ ፈተና ተቐቢሉ እሙን ኾይኑ ዝተረኽበ ኤጴሌን ሰላም በሉለይ። ንእንዳ ኣርስጠቦሉ ሰላም በሉለይ።
[11] ንሄሮድያና ዘመደይ ሰላም በሉለይ። ነቶም ኣብ እንዳ የርቂኮስ ዘለዉ ብጐይታ ዝኣመኑ ሰላም በሉለይ።
[12] ነተን ብጐይታ ዝፅዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ሰላም በሉለይ። ነታ ብጐይታ ብዙኅ ዝፀዓረት ፍቕርቲ ጰርሲዳ ሰላም በሉለይ።
[13] ነቲ ብጐይታ ዝተኃርየ ሩፎንን ንኖኡን ንኣይውን እነይ ሰላም በሉለይ።
[14] ንኣስንቀሪጦንን ፍሌጎንን ሄርሜስን ንጰጥሮባንን ሄርማንን ምስኣቶም ንዘለዉ ኣኅዋትን ሰላም በሉለይ።
[15] ንፍሌጎንን ንዩልያን ንኔርያን ንሓፍቱን ንኣልንጦንን ምስኣቶም ንዘለዉ ዂሎም ቅዱሳንን ሰላም በሉለይ።
[16] ንስንሳትኩም ከዓ ብቕዱስ ሰላምታ ሰላም ተበሃሃሉ። ኲለን ናይ ክርስቶስ ኣብያተ ክርስቲያን ሰላም ይብላኹም ኣለዋ።
[17] ኣኅዋተይ! ክትፍጽምዎ ኣብ ልዕሊ ዝተቐበልኩምዎ ትምህርቲ ዝቓወሙን ኣብ ማእኸልኩም ምፍልላይን ጸገማትን ካብ ዘምጽኡ ሰባት ኽትጥንቀቑ ኻብኣቶምውን ኽትርሕቑ ሓደራ እብለኩም ኣለኹ።
[18] እዞም ሰባት እዚኣቶም ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኮነስ ንኸብዶም እዮም ዝግዝኡ። ብነገር ብምትላልን የዋህ ብምምሳልን ንብዙኃት ገርህታት የስሕትዎም እዮምሞ።
[19] ንወንጌል ተኣዘዝቲ ምዃንኩም ኣብ ኲሉ ስለ ዝተሰምዐ ብኣኻትኩም ሕጉስ እየ። ንሠናይ ነገር ብልህታት ንክፉእ ግና የዋሃት ክትኮኑ እደሊ ኣለኹ።
[20] ኣምላኽ ሰላም ድማ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን።
[21] ጢሞቴዎስ እቲ መሣርሕተይ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣዝማደይ ሉቂዮስ ኢያሶንን ሱሲ ጳጥሮስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
[22] ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሓፍኩ ኣነ ጠርጥዮስ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣለኹ።
[23] እቲ ንኣይ ከም ጋሻ ዝተቐበለ እታ ቤተ ክርስቲያን ከዓ ኣብ ገዝኡ ኽትእከብ ዝፈቐደ ጋይዮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኣርስጦስ እቲ ናይታ ኸተማ ተኃዝ ገንዘብን ቁኣርጦስ ኃውናን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
[24] ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲልኻትኩም ይኹን! ኣሜን።
[25] ነቲ ብመሠረት እቲ ኻብ ዘለዓለም ተሠዊሩ ዝነበረ ሕዚ ግና ዝተገልጸ ምሥጢር ከምቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌልን ከምቲ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስበኾ ዘሎን ገይሩ ኣብ እምነትኩም ከጽንዐኩም ዝኽእል እግዚኣብሔር ክብሪ ይኹኖ።
[26] ሕዚ ግና እቲ ምሥጢር ብመጻሕፍቲ ነቢያት ተግሂዱ ኣሎ። ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለዓለም ኣምላኽ ኲሎም ኣሚኖም ምእንቲ ኽእዘዝዎ ብዂሎም ኣሕዛብ ከም ዝፍለጥ ተገይሩ ኣሎ።
[27] ነቲ በይኑ በዓል ጥበብ ዝኾነ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን።