[1] ነቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ተቐበልዎ፤ በቲ ዘካትዕ ነገር ድማ ኣይትንቀፍዎ።
[2] ኲሉ ንምብላዕ ኸም ዝተፈቕደሉ ዝኣምን ኣሎ፤ እቲ ብእምነቱ ዘይጠንከረ ሓምሊ ጥራሕ እዩ ዝበልዕ።
[3] እግዚኣብሔር ተቐቢልዎ እዩ እሞ እቲ ዝበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ነቲ ዝበልዕ ኣይንቀፎ፤ እግዚኣብሔር ተቐቢልዎ እዩ እሞ።
[4] ንስኻኸ ኣብ ሓሽከር ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ? ንሱ እንተ ተሥአን እንተ ወደቐን ንጐይታኡ እዩ። እግዚኣብሔር ከተሥኦ ስለ ዝኽእል ከዓ ኽትሥእ እዩ።
[5] እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይርእያ፤ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ ይርእየን።
[11] ኣነ ሕያው እየ፤ ይብል እግዚኣብሔር፤ ኲሉ ብርኪ ኽሰግደለይ ኲሉ ልሳንውን ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ክምስክር እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎሞ።
[12] እምበኣር ኲላትና ነፍስ ወከፍ ንእግዚኣብሔር መልሲ ኽንህብ ኢና።
[13] ስለዙይ ኣብ ንስንሳትና ደጊም ኣይንፍረድ። የግዳስ ሓደ ንኃዉ መዐንቀፊ ወይ መሐንኰሊ ኸይገብረሉ ይጠንቀቕ።
[14] ነቲ ኸም ርኹስ ንዝርእዮ ደኣ እዩ ርኹስ ዝኾኖ እምበር ብተፈጥሮኡ ርኹስ ምግቢ ኸም ዘየለ ብጐይታና ብኢየሱስ ፈሊጠን ተረዲአን ኣለኹ።
[15] በቲ እትምግቦ ምግቢ ኃውካ ዝጕዳእ እንተ ኾይኑ ብፍቕሪ ኣይኮንካን እትነብር ዘለኻ። ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ሰብ ብትምገቦ ምግቢ ኣይተጥፍኣዮ።
[16] ስለዙይ ኣባኻትኩም ዘሎ ሠናይ ነገር እዩ እትብልዎ ኻልኦት ከም ዝነቕፍዎ ኣይትግበሩ።
[17] መንግሥቲ እግዚኣብሔር ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር ብልዕን መስተን ኣይኮነትን እሞ።
[18] እቲ በዝ ኸምዙይ ንክርስቶስ ዘገልግል ንእግዚኣብሔር የሐጕሶ፤ ብሰብውን ምስጉን እዩ።
[19] እምበኣር ኣሰር ሰላምን ኣሰር እቲ ንስንሳትና እንተሃናነጸሉ ነገርን ንስዓብ።
[20] ብምኽንያት ምግቢ ንሥራሕ እግዚኣብሔር ኣይተፍርሶ፤ ብርግጽ ምግቢ ዂሉ ንጹሕ እዩ። እንተኾነ ኃውካ ዝዕንቀፈሉ ምግቢ ምብላዕ በደል እዩ።
[21] ኃውካ ዝዕንቀፈሉ እንተኾይኑ ሥጋ ዘይምብላዕ ወይኒ ዘይምስታይ ወይ ካልእ ዘዐንቅፍ ነገር ዘይምግባር ሠናይ እዩ።
[22] እቲ ዘለካ እምነት ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ይኹነልካ። እቲ በቲ ቕኑዕ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ሕሊናኡ ዘይወቕሶ ሰብ ብፁዕ እዩ።
[23] እቲ እናተጠራጠረ ዝበልዕ ግና ብእምነት ስለ ዘይበልዐ ዂኑን እዩ። ብእምነት ዘይግበር ኲሉ ኃጢኣት እዩ እሞ።