[1] ካብቲ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ሓዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ዝተጸውዐ ጳውሎስን ኃውና ሶስቴኔስን፦
[2] ኣብታ ኣብ ቆሮንቶስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሔር ናብቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሱ ምስቶም ኣብ ኲሉ ስፍራ ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጽውዑ ዂሎም ቅዱሳን ንምዃን ዝተጸውዑ ፦
[3] ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
[4] ስለቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተውሃበኩም ጸጋ እግዚኣብሔር ብዛዕባኹም ዂሉ ጊዜ ንኣምላኸይ አመስግን ኣለኹ።
[5] -
[6] ዘመስግኖ ዘለኹ ኸዓ እቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝመስከርናልኩም ኣባኻትኩም ጸኒዑ ስለ ዝተረኽበ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩም እዩ።
[7] ስለዙይውን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምጻእ ኣብ እትጽበዩሉ ዝጐድለኩም ውህብቶ ጸጋ የለን።
[8] ብመዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ነውሪ ንኽትርከቡ ንሱ ኽሳዕ መወዳእታ ኸጽንዐኩም እዩ።
[9] እቲ ምስ ወዱ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኅብረት ምእንቲ ኽህልወኩም ዝጸውዐኩም እግዚኣብሔር እሙን እዩ።
[10] ኣኅዋተይ! ኲልኻትኩም ክትሰማምዑ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ክትኃብሩ እምበር ምፍልላይ ከይህልወኩም ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማኅፅነኩም ኣለኹ።
[11] ኣኅዋተይ! ኣብ ማእኸልኩም ባእሲ ኸም ዘሎ ሰብ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ።
[12] እወ! ነፍስ ወከፍኩም ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ! ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ እየ! ኣነ ናይ ኬፋ እየ! ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ! ከም እትብሉ ነጊሮምኒ ኣለው።
[13] ክርስቶስዶ ተመቓቒሉ እዩ? ወይ ጳውሎስ ዲዩ ምእንታኻትኩም ዝተሰቐለ? ወይ ብስም ጳውሎስ ዲኹም ዝተጠመቕኩም?
[14] ካባኻትኩም ብዘይ ንክርስጶስን ንጋይዮስን ንሓደኳ ስለ ዘየጥመቕኩ ንእግዚኣብሔር አመስግኖ ኣለኹ።
[15] ስለዙይ ካባኻትኩም ሓደኳ ብስም ጳውሎስ ተጠሚቐ ክብል ኣይኽእልን እዩ።
[16] ንስድራ እስጢፋኖስ እባ ኣጥሚቐ ኣለኹ፤ ብዝተረፈ ግና ካልእ ከም ዘጥመቕኩ ኣይፍለጠንን።
[17] ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ እምበር ከጥምቕ ኣይለኣኸንንሞ። እንተኾነ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይኸውን ዝሰብኮ ወንጌል ኣብ ክእለት ዘረባ ዝተመሥረተ ኣይነበረን።
[18] ናይ መስቀሉ ነገር ንዝጠፍኡ ሰባት ዕሽነት እዩ፤ ንኣና ንእንድኅን ግና ኃይሊ እግዚኣብሔር እዩ።
[19] እቲ ጽሑፍ ኣነ ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፤ ፍልጠት ፈላጣት ከፍርስ እየ እዩ ዝብልሞ።
[20] ጥበበኛ ደኣ ኣበይ ኣሎ? መምህር ሕጊኸ ኣበይ ኣሎ? ፈላስፋ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ? ኣምላኽዶ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ?
[21] ሰባት ንእግዚኣብሔር ብጥበቦም ከይፈልጥዎ እግዚኣብሔር ብጥበቡ ኸልከሎም። ንቶም ዝኣምኑ ግና በቲ ኸም ዕሽነት ዝቊጸር ንሕና እንሰብኮ ወንጌል ከድኅኖም ደለየ።
[22] ኣይሁድ ምልክት ክርእዩ ይጥይቑ፤ ግሪካውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ እዮምሞ፤
[23] ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ ዕንቅፋት ንኣሕዛብ ከዓ ዕሽነት ዝኾነ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።
[24] ነቶም ጽዉዓት ኣይሁድ ኮኑ ግሪካውያን ክርስቶስ ኃይሊ እግዚኣብሔር እዩ፤ ጥበብ እግዚኣብሔርውን እዩ።
[25] ዕሽነት እግዚኣብሔር መሲሉ ዝርአ ካብ ፍልጠት ሰብ ይበልጽ እዩ፤ ድኻም እግዚኣብሔር መሲሉ ዝርአ ኸዓ ካብ ኃይሊ ሰብ ይብርትዕ እዩ።
[26] ኣኅዋተይ! ከመይ ከም ዝተመረጽኩም እሞ ተመልከቱ፤ ብዙኃት ካባኻትኩም በተሓሳስባ ሰብ ፈላጣት ወይ ኃያላት ወይ ብትውልዲ ዝኸበርኩም ኣይነበርኩምን።
[27] እግዚኣብሔር ንጥበበኛታት ምእንቲ ኸኅፍር በዛ ዓለም ከም ዓሻታት ዝቝጸሩ ሰባት መረጸ፤ ንኃያላት ምእንቲ ኸኅፍር ከዓ በዛ ዓለም እዚኣ ኸም ድኹማት ዝቊጸሩ መረጸ።
[28] ነቲ ዘሎ ኸንቱ ምእንቲ ኽገብር ከዓ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑ ቕን ነቲ ዘየሎን መረጸ።
[29] እዙይ ከዓ ዂሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምእንቲ ኸይምካሕ ኢሉ እዩ።
[30] ንስኻትኩም ግና በቲ እግዚኣብሔር ጥበብናን ጽድቅናን ቅድስናናን ቤዛናን ክኸውን ብዝሃበና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብኡ ሕይወት ኣለኩም።
[31] እምበኣር መጽሓፍ ከም ዝብሎ እቲ ዝምካሕ ብእግዚኣብሔር ይመካሕ።