[1] እምበኣር ሕዚ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ኲነኔ የብሎምን።
[2] እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ሕይወት ዝህብ መንፈሳዊ ሕጊ ካብቲ ሕጊ ኃጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውፂኡኒ እዩ።
[3] ብሥጋ ስለ ዝደኸመ ሕጊ ኽገብሮ ዘይከኣለ እግዚኣብሔር ንወዱ ብምስሊ ኃጢኣተኛ ሥጋን መሥዋእቲ ኃጢኣትን ክኸውን ልኢኹ ነቲ ኃጢኣት ብሥጋኡ ዀነኖ።
[4] እዙይ ከዓ ብፍቓድ መንፈስ እምበር ብፍቓድ ሥጋ ኣብ ዘይንነብር እቲ ሕጊ ዝጥይቖ ጽድቂ ኣባና ምእንቲ ኽፍጸም እዩ።
[5] እቶም ከም ፍቓድ ሥጋኦም ዝነብሩ ዂሎም ነቲ ናይ ሥጋ እዮም ዝሓስቡ። እቶም ከም ፍቓድ መንፈስ ዝነብሩ ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ።
[6] ናይ ሥጋ ነገር ጥራሕ ምሕሳብ ሞት የምጽእ፤ ናይ መንፈስ ነገር ምሕሳብ ግና ሕይወትን ሰላምን የምጽእ።
[7] እቲ ሓሳብ ሥጋ ንፍቓድ እግዚኣብሔር ዝጻረር እዩ እሞ ነቲ ሕጊ እግዚኣብሔር ኣይግዝኦን፤ ክግዝኦውን ኣይኽእልን እዩ።
[8] እቶም ብፍቓድ ሥጋ ዝምርሑ ዂሎም ንእግዚኣብሔር ከሕጕስዎ ኣይኽእሉን።
[9] ንስኻትኩም ግና መንፈስ እግዚኣብሔር ብርግጽ ኃዲሩኩም እንተደኣ ኾይኑ ብመንፈስ እምበር ብሥጋ ኣይኮንኩምን ዘለኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን።
[10] ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተልዩ ግና እቲ ሥጋኹም ብሰንኪ ኃጢኣት ምዉት እንተኾነኳ እግዚኣብሔር ስለ ዘጽደቐኩም እቲ መንፈስኩም ሕያው እዩ።
[11] ናይቲ ንኢየሱስ ካብ ሞት ዘተሥኦ መንፈስ አባኻትኩም ኃዲሩ እንተልዩ ግና እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተሥኦ ንሱ ነቲ መዋቲ ሥጋኹምውን በቲ ኣባኻትኩም ኃዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ ሕያው ክገብሮ እዩ።
[12] እምበኣርከስ ኣኅዋተይ! ዕዳ ኣለና፤ ከም ፍቓድ ሥጋ ክንነብር ንሥጋ ግና ኣይኮነን።
[13] ከም ፍቓድ ሥጋ እንተ ነበርኩም ክትሞቱ ኢኹም። ነቲ ተግባራት ሥጋ ብመንፈስ እንተ ቐቲልኩምዎ ግና ብሕይወት ክትነብሩ ኢኹም።
[14] እቶም ብመንፈስ እግዚኣብሔር ዝምርሑ ዂሎም ንሳቶም ውሉድ እግዚኣብሔር እዮምሞ።
[15] ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ! ኣቦ! ኢልና እንጽውዐሉ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም እምበር ናብ ፍርኃት ክትምለሱ መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።
[16] ንሕና ውሉድ እግዚኣብሔር ምዃንና ኸዓ እቲ መንፈስ እግዚኣብሔር ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ኾይኑ ዝምስክር።
[17] እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሔር ካብ ኮንና ወረስቲ እግዚኣብሔር ኢና፤ ንእግዚኣብሔር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና ምስኡውን ክንከብር ኢና።
[18] ስቓይ እዝ ዘመን እዙይ ምስቲ ኣባና ኽግለጽ ዝመጽእ ዘሎ ኽብሪ እንትነጻጸር ከም ዘይመጣጠን እቖጽሮ ኣለኹ።
[19] ኲሉ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ወዲ እግዚኣብሔር ብሃረርታ ይጽበዮ ኣሎ።
[20] እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎ፤ ብድልየቱ ዘይኮነስ በቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር።
[21] ግና ኻብ መግዛእቲ ወፂኡ ደቂ እግዚኣብሔር ሓራ ኾይኖም ናብ ዝኣትዉላ ኽብሪ ኽኣቱ ተስፋ ኣለዎ።
[22] ኲሉ እቲ ፍጥረት ቅልውላው ኂዝዎ ኽሳዕ ሕዚ ይግዕር ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና።
[23] ፍጥረት ጥራሕውን ኣይኮነን። ንሕና ነቲ ቐዳማይ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናውን መሰል ውሉድነት ክህበናን ንዂለንትናና ከድኅነናን እናተጸበና ብውሽጥና ንግዕር ኣለና።
[24] በዝ ተስፋዙይ ኢና ዝደኃንና። ነቲ ዝርአ ተስፋ ምግባር ተስፋ ኣይኮነን፤ ነቲ ዝርእዮ ተስፋ ዝገብርከ መን ኣሎ?
[25] ነቲ ዘይንሪኦ ተስፋ እንተገበርናዮ ግና ብትዕግሥቲ ንጽበዮ።
[26] መንፈስ ቅዱስ ብድኻምና ይሕግዘና እዩ፤ ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዝግብአና ኣይንፈልጥን ኢና፤ ግና እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝጽልየልና።
[27] እቲ ልቢ ዝምርምር እግዚኣብሔር ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓሳብ እንታይ ከም ዝኾነ ይፈልጦ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ዝጽልዮ ኸም ፍቓድ እግዚኣብሔር ገይሩ እዩ እሞ።
[28] ነቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈትዉዎን ከም ፍቓዱውን ንዝተጸውዑ ን ግና ዂሉ ነገራት እግዚኣብሔር ንሠናይ ከም ዝገብረሎም ንፈልጥ ኢና።
[29] ንሱ ንብዙኃት ኣኅዋት በዂሮም ምእንቲ ክኸውን ነቶም ኣቐዲሙ ዝኃረዮም ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ኣቐዲሙ መደቦም።
[30] ነቶም ኣቐዲሙ ዝመደቦም ንኣኣቶም ከዓ ጸውዖም፤ ነቶም ዝጸውዖም ኣጽደቖም፤ ነቶም ዘጽደቖም ከዓ ኣኽበሮም።
[31] እምበኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሔር ምሳና ኻብ ኮነኸ መን እዩ ዝቃወመና?
[32] እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣኅሊፉ ዝሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ ከመይ ድኣ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና?
[33] እቲ ዘጽድቕ እግዚኣብሔር ካብ ኮነ ነቶም ናይ እግዚኣብሔር ኅሩያት ዝኸሶም መን እዩ?
[34] እቲ ዝዂንንከ መን እዩ? እቲ ዝሞተ ኻብ ሞት ዝተሥአ ኣብ የማን እግዚኣብሔር ኮይኑውን ምእንታና ዝጽሊ ዘሎ ኢየሱስ ክርስቶስዶ ኣይኮነን?
[35] -
[36] ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? መከራ ድዩ? ጭንቂ ድዩ ስደት ድዩ ጥሜት ድዩ ዕርቃን ድዩ ሓደጋ ድዩ ወይ ሰይፊ? ምእንታኻ በብመዓልቱ ንቕተል ኣለና፤ ከም ዝኅረዱ ኣባጊዕውን ተቖጸርና ተብሂሉ ኸም ዝተጽሓፈ እዩ።
[37] እምበኣር ኣብ ልዕሊ እዝ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ ብምስዓር ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልጽ ኢና።
[38] ስለዙይ ሞት ኮነ ሕይወት መላእኽቲ ኾኑ ገዛእቲ ዘሎ ኾነ ዝመጽእ ወይ ኃይልታት
[39] ላዕለዋይ ኮነ ታሕተዋይ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ኾነ ካብታ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘላትና ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከቶ ኽፈልየና ዝኽእል ከም ዘየለ ርግጸኛ እየ።