[1] ኣይሁዳዊ ምዃን ደኣ ረብኅኡ እንታይ እዩ? ግርዘትከ እንታይ እዩ ጥቕሙ?
[2] ብዂሉ ወገን ብዙኅ እዩ። ቅድሚ ዂሉ ቃል እግዚኣብሔር ንኣኣቶም እዩ ብኅድሪ ዝተውሃቦም።
[3] ካብኣቶም ዘየኣምኑ እንተሃልዮምከ? እቲ ናታቶም ዘይምእማን ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ተኣማንነትዶ ኸንቱ ይገብሮ እዩ?
[4] ኣይገብሮን፤ ከምቲ ብቓልካ ኽትጸድቅ ኣብ ፍርዲውን ክትረትዕ ኢኻ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ ዂሉ ሰብ ሓሳዊ እኳ እንተ ኾነ እግዚኣብሔር ግና ሓቀኛ እዩ።
[5] እቲ ኽፍኣትና ጽድቂ እግዚኣብሔር ዝገልጽ ካብ ኮነ እንታይ ንበል? እግዚኣብሔር ብቝጥዓኡ ኽቐጽዕ እንተሎኸ ዓማፂ ማለት ድዩ? [ ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣለኹ።]
[6] ኣይፋሉን! ከመይ ኢሉ ድኣ እግዚኣብሔር ንዓለም ምፈረዳ?
[7] ሓሰተይ ንሓቂ እግዚኣብሔር ዝገልጽን ንኽብሩውን ዝውስኽን ካብ ኮነ ድኣ ስለምንታይ ከም ኃጥእ ኮይነ ዝፍረድ?
[8] ከምቲ ገሊኦም ጽቡቕ ምእንቲ ኽንረክብስ ክፉእ ንግበር ከም ዝበልና ገይሮም ከካፍኡና ዝጸርፉና ስለምንታይ ድኣ ኸምኡ ዘይንብል? ነዚኣቶም ዝፍረዶም ፍርዲ ቕኑዕ እዩ።
[9] እንታይ ድኣ ይኹን? ካብኣቶም እንሕሸሉዶ ኣለና? የብልናን! ኣይሁድ ኮኑ ኣሕዛብ ኲላቶም ኣብ ትሕቲ ኃጢኣት እዮም ኢልና ኣቐዲምና ኸሲስናዮም ኢናሞ።
[10] መጽሓፍ ከምዙይ ከም ዝብል፦ ሓደኳ ጻድቕ የለን፤ ሓደኳ የለን፤
[11] ዘስተውዕልውን ሓደኳ የለን፤ ንእግዚኣብሔር ዝደልዮ የለን፤
[12] ኲላቶም ዓመፁ፤ ኲላቶምውን ኃቢሮም ሰሓቱ፤ ጽቡቕ ዝገብርውን የለን፤ ሓደኳ የለን፤
[13] ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብልሳኖም ይሽፍጡ፤ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደላይ ተመን ኣሎ፤
[14] ኣፎም መርገምን ምረትን ዝመልአ እዩ።
[15] ኣእጋሮም ደም ንምፍሳስ ቅልጡፋት እየን፤
[16] ኣብ መንገዶም ዕንወትን መከራን ኣሎ።
[17] ንመንገዲ ሰላምውን ኣይፈልጥዋን እዮም፤
[18] ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ፍርሃት እግዚኣብሔር የለን።
[19] እንሆ እምበኣር ኲሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን ኲሉ ዓለምውን ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሔር ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ ንፈልጥ ኢና።
[20] ስለዙይ ሥጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሕጊ ብምፍጻም ዝጸድቕ የለን። ሕጊ ኃጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩሞ።
[21] ሕዚ ግና ከምቲ ሕግን ነቢያትን ዝመስከርዎ ብዘይ ሕጊ ሙሴ ዝኾነ ጽድቂ እግዚኣብሔር ተገሊጹ ኣሎ።
[22] ኲሎም እቶም ዝኣምኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝጸድቁ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።
[23] ኲሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሔር ከዓ ጐዲልዎም እዩ።
[24] በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድኅነት ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ እዮምሞ።
[25] እግዚኣብሔር ከዓ ጽድቁ ምእንቲ ኸርኢ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ኃጢኣት ብመለኮታዊ ትዕግሥቱ ይቕረ ኢሉ ብደሙ ንዝኣምን ኲሉ ንክርስቶስ መተዓረቒ ገይሩዎ እዩ እሞ።
[26] ኣብዝ ዘመን እዙይ ዝገልጾ ዘሎ ኸዓ ንሱ ጻድቕ ከም ዝኾነ ነቲ ብኢየሱስ ዝኣምን ኲሉውን ከም ዝጸድቕ ምእንቲ ኸርኢ እዩ።
[27] ትምክሕትና ደኣ ኣበይ ኣሎ? ንሱ ተሪፉ እዩ፤ ሕጊ ብምፍጻም ድዩ? ኣይኮነን! ብእምነት እዩ።
[28] ሰብ ሕጊ ብምፍጻም ዘይኮነስ ብእምነት ከም ዝጸድቕ ንፈልጥ ኢናሞ።
[29] እግዚኣብሔር ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራሕ ድዩ? ናይ ኣሕዛብውን ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ናይ ኣሕዛብውን እባ።
[30] እቲ ንግሩዝ ብእምነት ንዘይግሩዝውን ብእምነት ዘጽድቕ እግዚኣብሔር ሓደ እዩ።
[31] እምበኣር ንሕጊ ብእምነት ነፍርስ ዲና ዘለና? ኣይፋልናን! ሕጊ ድኣ ነጽንዕ እምበር።