Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:21

[1] ስለዙይ ኣታ ንኻልእ እትፈርድ ሰብ እተመኽንዮ የብልካን፤ በቲ ንኻልእ እትፈርደሉ ነገር ኲሉ ንርእስኻ ትዂንን ኣለኻ፤ ነቲ ፈራዲ ዝኾንካሉ ንስኻውን ንእኡ ትገብሮ ኣለኻሞ።

[2] ንሕና ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ ግቡእ ፍርዲ እግዚኣብሔር ከም ዝወርድ ንፈልጥ ኢና።

[3] ኣታ ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዙይ ዝገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን ከምቲ ግብሮም እትገብር ሰብ ካብ ፍርዲ እግዚኣብሔር እተምልጥዶ ይመስለካ?

[4] ወይ ከዓ ብዝኂ ሕያዋይነቱን ትዕግሥቱን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣለኻ? ሕያዋይነት እግዚኣብሔር ናብ ንስሓ ኽመርሐካ ኸም ዝኽእል ኣይትፈልጥን ዲኻ?

[5] ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳሕኻን በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሔር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ ንርእስኻ መቕሠፍቲ ትእክብ ኣለኻ።

[6] እግዚኣብሔር ንነፍስ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ እሞ።

[7] ነቶም ሠናይ እናገበሩ ምስጋናን ክብርን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ብትዕግሥቲ ዝጽበዩ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክህቦም እዩ።

[8] ነቶም ንዓመፃ እምበር ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና ቝጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ።

[9] ክፉእ ንዝገብር ኲሉ ሰብ ስቓይን መከራን ክወርዶ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁድ ከምኡ ኸዓ ንኣሕዛብ።

[10] ሠናይ ንዝገብር ኲሉ ግና ምስጋናን ክብርን ሰላምን ክወሃቦ እዩ፤ ቅድም ንኣይሁዳዊ ከምኡ ኸዓ ንኣሕዛብ።

[11] እግዚኣብሔር ገጽ ሰብ ርእዩ ኣየዳሉን እዩ እሞ።

[12] እቶም ብዘይ ሕጊ ኃጢኣት ዝገበሩ ዂሎም ብዘይ ሕጊ ኽጠፍኡ እዮም፤ እቶም ሕጊ እንተለዎም ኃጢኣት ዝገበሩ ዂሎም ከዓ በቲ ሕጊ ኽፍረዱ እዮም።

[13] ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ገበርቲ ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዮም ዝጸድቁ እምበር ሰማዕቲ ሕጊ ኣይኮኑን ዝጸድቁ።

[14] እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣሕዛብ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተመሪሖም ዝፍጽምዎ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዘይብሎም እኳ ንባዕላቶም ሕጊ እዮም።

[15] በዙይ ከዓ ንሳቶም ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ሓንሳእ እንትወቕሶም ሓንሳዕውን እንትድግፎም ብምርካቡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ዝተጽሓፈ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ።

[16] ስለዙይ እቲ ኣነ ዝሰብኮ ወንጌል ከም ዝብሎ በታ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንኅቡእ ሓሳባት ልቢ ሰብ ዝፈርደላ መዓልቲ ከምኡ ክኸውን እዩ።

[17] ንስኻ ግና ብሕጊ ዝነብር ብእግዚኣብሔርውን ዝምካሕ ኣይሁዳዊ እየ ኢኻ እትብል።

[18] ፍቓድ እግዚኣብሔር እንታይ ከም ዝኾነ እትፈልጥ ሕጊ ስለ ዝተምሃርካ ዝሐሸ ነገር ፈሊኻ እትፈልጥ

[19] መራሕ ዕውራት ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ኸዓ ብርሃን እየ ኢልካውን እትምካሕ

[20] እቲ ብሕጊ ዝርከብ ፍልጠትን ሓቅን ስለ ዘለካ ኸዓ ንዓያሹ መለበሚ ናይ ሕፃናት ከዓ መምህር እየ እትብል ኢኻ።

[21] እምበኣር ኣታ ንኻልእ እትምህር ንባዕልኻ ደኣ ዘይትምህር? ኣይትስረቑ ኢልካ ትምህር ንባዕልኻ ግና ትሰርቕ።

[22] ኣይትዘምዉ ትብል ንስኻ ግና ትዝሙ። ጣዖት ትጽየፍ ባዕልኻ ኸዓ ቤተ መቕደሳቶም ትሰርቕ።

[23] -

[24] ከምቲ ብሰንክኹም ስም እግዚኣብሔር ኣብ ማእኸል ኣሕዛብ ይጽረፍ ኣሎ ተብሂሉ ዝተጽሓፈ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ ሕጊ ብምፍራስካ ንእግዚኣብሔር ተቃልሎ ኣለኻ።

[25] ግርዘት እትጠቅም ሕጊ እንተ ሓሊኻ እያ፤ ሕጊ እንተ ጥሒስካ ግና እታ ግርዘት ዘይምግራዝ ክትኮነካ እያ።

[26] እምበኣር እቲ ዘይግሩዝ ነቲ ትእዛዝ ሕጊ እንተ ኃልይዎ እቲ ዘይምግራዙ ኸም ግርዘት ኮይኑዶ ኣይቝጸረሉን እዩ?

[27] እቲ ብሥጋ ዘይተገርዘ ኾይኑ ሕጊ ዝሕሉ ጽሑፍ ሕግን ግርዘትን እንተለካ ሕጊ ንእተፍርስ ንኣኻ ክዂንነካ እዩ።

[28] ብዝረአ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይትገብርን እያ፤ እታ ብዝረአ ኣብ ሥጋ እትግበር ግርዘትውን ግርዘት ኣይኮነትን።

[29] ኣይሁዳዊ ማለት እቲ ብውሽጡ ኣይሁዳዊ ዝኾነ እዩ እሞ። ግርዘት ከዓ ብሕጊ ዘይኮነስ እታ ብመንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ እትግበር ግርዘት እያ። ከምዙይ ዝመሰለ ሰብ ናእዳኡ ካብ እግዚኣብሔር እዩ እምበር ካብ ሰብ ኣይኮነን።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮም — Chapters