Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:37

[1] እምበኣር እቲ ብሥጋ ኣቦና ዝኾነ ኣብርሃም እንታይ ረኺቡ ኽንብል ኢና?

[2] ኣብርሃም ብሥርሑ ጸዲቑ እንተ ዝኸውን ዝምክሐሉ ነገር ምሃለዎ ነይሩ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ግና ሓንቲ እኳ የብሉን።

[3] መጽሓፍከ እንታይ ይብል? ኣብርሃም ብእግዚኣብሔር ኣመነ፤ ጽድቂ ኾይኑ ድማ ተቖጸረሉ ይብል።

[4] ነቲ ዝሠርሕ ሰብ ደመወዙ ኸም ግቡእ ኾይኑ ይቝጸረሉ እምበር ከም ውህብቶ ኣይኮነን።

[5] ሰብ ሠናይ ተግባር እንተ ዘይብሉ እኳ በቲ ንኃጢኣተኛታት ዘጽድቕ እግዚኣብሔር እንተ ኣሚኑ እቲ እምነቱ ጽድቂ ኾይኑ ይቝጸረሉ እዩ።

[6] ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብግብሪ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ብኸምኡ እግዚኣብሔር ዘጽድቖ ሰብ ብፁዕ ኸም ዝኾነ ኽዛረብ እንተሎ ኸምዙይ ይብል፦

[7] እቶም ኣበሳኦም ይቕረ ዝተብሃለሎም ኃጢኣቶምውን ዝተኃደገሎም፤ ብፁዓን እዮም።

[8] እግዚኣብሔር ኃጢኣቱ ዘይቖጽረሉ ሰብ ብፁዕ እዩ።

[9] እዛ ብፅዕና እዚኣ ንግሩዛት ጥራሕ ድያ ወይ ንዘይተገርዙውን? ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ኾይና ተቖጸረትሉ ኢልና ኣለና።

[10] ከመይ ኢላ እያኸ ዝተቖጸረትሉ? ምስ ተገርዘ ድያ? ወይ እንተይተገርዘ? እንተይተገርዘ እያ እምበር ምስተገርዘ ኣይኮነትን።

[11] ነታ ገና ኸይተገርዘ እንተሎ ብእምነት ዝረኸባ ጽድቂ ምልክትን ማኅተምን ክትከውን ግርዘት ተቐበለ። ስለዙይ ነቶም እንተይተገርዙ ዝኣምኑ እሞ እምነቶም ጽድቂ ዝቖጸረሎም ኲሎም ድማ ኣቦ ኾኖም።

[12] ኣቦ ግሩዛትውን እዩ፤ እዙይ ከዓ ስለ ዝተገረዙ ጥራሕ ዘይኮነስ ነታ ኣብርሃም ከይተገረዘ እንተሎ ዝረኸባ እምነት ስለ ዝሰዓቡ እዩ።

[13] እታ ንኣብርሃም ምስ ዘርኡ ንዓለም ከም ዝወርሳ ዝተውሃበቶ ተስፋ በቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ እያ እምበር ሕጊ ብምፍጻም ኣይኮነትን።

[14] እቶም ፈጸምቲ ሕጊ ዝወርሱ እንተ ዝኾኑ ግና እምነት ከንቱ ምኾነት፤ ተስፋ ኸዓ ዋጋ ኣይምነበራን።

[15] ሕግስ ቊጥዓ እዩ ዘምጽእ፤ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና ኣብኡ ምፍራስ ሕጊ የለንሞ።

[16] እታ ተስፋ ኻብ እምነት እያ፤ ስለዙይ ዘርኢ ኣብርሃም ኲሎም ነዛ ተስፋ እዚኣ ብጸጋ ኽወርሱዋ እዮም። እዙይ ከዓ ፈጸምቲ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮኑስ እቶም ከም ኣብርሃም ብእምነት ዝጸድቁውን እዮም። ኣብርሃም ብእምነት ኣቦ ዂልና እዩሞ።

[17] እዙይ ድማ ኣቦ ብዙኃት ኣሕዛብ ገይረካ እየ ዝብል ተጽሒፉ ስለ ዘሎ እዩ። ተስፋ ንኣብርሃም ዝተውሃቦ ንሱ ንዝሞቱ ሕይወት ዝህብ ንዘየለዉውን ናብ ህላዌ ዝጽውዕ እግዚኣብሔር ስለ ዝአመነ እዩ።

[18] ዘርእኻ ኸምኡ ክኸውን እዩ ዝብል ዝተነግሮ ኣብርሃም ኣብቲ ተስፋ ዘይነበሮ ተስፋ ብምግባር ኣቦ ብዙኃት ከም ዝኸውን ኣመነ።

[19] ኣብርሃም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ስለ ዝነበረ ክወልድ ከም ዘይኽእልን ሳራውን ማኅፀና ኸም ዝሞተ እናረአየ እኳ እምነቱ ኣይደኸመን።

[20] ግና ብእምነቱ እናበርትዐ ደኣ ንእግዚኣብሔር ክብሪ ሃበ እምበር በቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ተስፋስ ኣይተጠራጠረን።

[21] ነቲ ዝሃቦ ተስፋ እግዚኣብሔር ክፍጽሞ ከም ዝኽእል ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረሞ።

[22] ስለዙይ ድማ እምነቱ ጽድቂ ኾይኑ ተቖጸረሉ።

[23] ግና እቲ ጽድቂ ኾይኑ ተቖጸረሉ ዝብል ንኣብርሃም ጥራሕ ኣይተጽሓፈን፤

[24] ንኣናውን እዩ እምበር። በቲ ንጐይታና ኢየሱስ ካብ ምዉታን ዘተሥኦ ንእንኣምን ንኣናውን ክቝጸረልና እዩ።

[25] ንሱ ምእንቲ ኃጢኣትና ቤዛ ዝኾነ ንኣና ንኸጽድቕውን ካብ ሞት ዝተሥአ እዩ እሞ።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮም — Chapters