Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:00

[1] ኣኅዋተይ! ምሳኻትኩም ሕጊ ምስ እትፈልጡ ሰባት እየ ዝዛረብ ዘለኹ፤ ሕጊ ንሰብ ዝገዝኦ ብሕይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ጥራሕ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?

[2] ሰበይቲ ሰብኣያ ብሕይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና ካብቲ ዝተኣሰረትሉ ሕጊ ፍትሕቲ እያ።

[3] እምበኣር ሰብኣያ ብሕይወቱ እንተሎ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ኾነት ዘማዊት እያ እትበሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና ኻብቲ ሕጊ ሓራ ወፂኣ እያ እሞ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ተመርዐወት ዘማዊት ኣይኮነትን።

[4] ስለዙይ ንእግዚኣብሔር ፍረ ምእንቲ ኽንፈሪ ንስኻትኩምውን ኣኅዋተይ ንኻልእ ማለት ነቲ ኻብ ሞት ዝተሥአ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትኮኑ ብናይ ክርስቶስ ሥጋ ካብ ሕጊ ሙሴ ሓራ ወፂእኹም ኢኹም።

[5] ካብቲ ብሥጋ እንነብረሉ ዝነበርና ጊዜ ብሕጊ ተለዓዒሉ ድልየት ኃጢኣት ኣብ ሥጋና ይሠርሕ ነበረሞ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኣፍረይና።

[6] ሕዚ ግና ብብሉይ ናይ ሕጊ ጽሑፍ ኣነባብራ ኽንክተል ዘይኮነስ [ ብመንፈስ] ዝኾነ ብሓድሽ መንፈሳዊ ሕይወት ክነገልግል ካብቲ ኣሲሩና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና።

[7] እንታይ ድኣ ኽንብል? ሕጊ ኃጢኣት እዩ ዲና ኽንብል? ኣይንብልን! ኦሪት እንተዘይመጽእ ነይሩ ግና ብዘይ ሕጊ ንኃጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። ሕጊ ዘይገንዘብካ ኣይትመነ! እንተ ዘይብል ንትምኒት ፈጺመ ኣይምፈለጥክዎን ነይረ።

[8] ኃጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ፤ ኃጢኣት ግና ነቲ ትእዛዝ ምኽንያት ብምግባር ክፉእ ትምኒታት ኣለዓዓለለይ።

[9] ኣነውን ቅድም ሕጊ እንተይመጸ ሕያው ነበርኩ፤ ትእዛዝ ምስ መጸ ግና ኃጢኣት ሕያው ኮነ፤ ኣነ ኸዓ ሞትኩ።

[10] እቲ ሕይወት ከምጽእ ዝተውሃበ ትእዛዝ ንኣይ ንሞት ኮነኒ።

[11] ሕጊ ንኃጢኣት ምኽንያት ኮይንዎ ብትእዛዝ ኣስሓተኒሞ ብእኡውን ቀተለኒ።

[12] እምበኣር እቲ ሕጊ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ትእዛዙውን ጽድቅን ሠናይን እዩ።

[13] እቲ ሠናይ ድዩ ደኣ ንኣይ ሞት ዘምጽአለይ? ኣይፋሉን! ሞት ዘምጽአለይስ ኃጢኣት እዩ። ኃጢኣት ኃጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኽግለጽ በቲ ሠናይ ገይሩ ሞት ኣምጽኣለይ። በዙይ ከዓ እቲ ኃጢኣት ብምኽንያት ትእዛዝ ፍጹም ኃጢኣት ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽግለጽ እዩ።

[14] ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፤ ኣነ ግና ንኃጢኣት ዝተሸጥኩ ሥጋዊ ሰብ እየ።

[15] ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እየ፤ ነቲ ዝጸልኦ እየ ዝገብሮ ዘለኹ እምበር ነቲ ዝደልዮ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹሞ።

[16] ኣነ ነቲ ዘይደልዮ ኻብ ዝገብር ግና እቲ ሕጊ ሠናይ ምዃኑ እምስክር ኣለኹ።

[17] እምበኣር እቲ ኣባይ ኃዲሩ ዘሎ ኃጢኣት እዩ ዝገብሮ ዘሎ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን።

[18] ሠናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣለኒ እምበር ሠናይ ግብሪስ የብለይን። ሥጋዊ ስለ ዝኾንኩ ጽቡቕ ሥራሕ ኣባይ ከም ዘየለ እፈልጥ እየ።

[19] ነቲ ኽገብሮ ዝደልዮ ሠናይ ዘይኮነስ ነቲ ኽገብሮ ዘይደልዮ ነገር እየ ዝገብር ዘለኹ።

[20] ነቲ ኣነ ዘይደልዮ ዝገብሮ ኻብ ኮንኩ ግና ድኅሪ ሕዝስ እቲ ኣባይ ኃዲሩ ዘሎ ኃጢኣት እዩ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹ።

[21] እቲ ጽቡቕ ሥራሕ ክሠርሕ ዝፈቐደለይ ሕጊ ንሱ ኣብ ልዕለይ ክፉእ ነገር ኣምጺኡለይ ረኸብክዎ።

[22] ኣብ ውሽጠይ ብሕጊ እግዚኣብሔር ባህ ይብለኒ እዩ።

[23] ግና ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዝዋጋእ ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ ኃጢኣት ኣቢሉውን ዝማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ።

[24] ኣነ ዝተዋረድኩ ሰብ እየ! ካብዚ መዋቲ ሰብነት መን ኮን ከድኅነኒ እዩ?

[25] እምበኣርስ ኣነ ብሓሳበይ ንሕጊ እግዚኣብሔር ብሰብኣዊ ባሕረይ ድማ ንሕጊ ኃጢኣት እግዛእ ኣለኹሞ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘድኃነኒ እግዚኣብሔር ምስጋና ይኹኖ።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮም — Chapters