Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:31

[1] እምበኣር ብእምነት ካብ ጸደቕና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ እግዚኣብሔር ሰላም ኣለና።

[2] ብእኡ ኸዓ ናብዝ ሕዚ ዘለናዮ ጸጋ ብእምነት ኣተና፤ ብተስፋ ተኻፈልቲ ኽብሪ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾንናውን ንምካሕ ኣለና።

[3] በዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ እቲ መከራ ትዕግሥቲ ኸም ዘምጽእ ስለ ዝፈለጥና ብመከራና ድማ ንምካሕ እምበር።

[4] ብትዕግሥቲ ጽንዓት ብጽንዓት ከዓ ተስፋ ይርከብ።

[5] እታ ተስፋ ኣይተኅፍርን እያ፤ በቲ ዝተውሃበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ልብና መሊኡ እዩ እሞ።

[6] ንሕና ድኹማት እንተለና ክርስቶስ በቲ ውሱን ጊዜ ምእንቲ ኃጥኣን ሞተ።

[7] ክንዲ ጻድቕ ዝመውት እኳ ዝርከብ ኣይመስልን፤ ክንዲ ሕያዋይ ሰብ ግናኽመውት ዝደፍር ምናልባሽ ኣይምተስኣነን ይኸውን።

[8] ግና ንሕና ገና ኃጥኣን እንተለና ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ እግዚኣብሔር እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዙይ የርኢ ኣሎ።

[9] እምበኣር ሕዚ ብደሙ ዝጸደቕና ካብ ኮንና ካብቲ ቝጥዓኡ ደኣ ብእኡ ኽንደይ ብዝበለጸ ዘይንድኅን!

[10] ንሕና ጸላእቱ እንተለና ምስ እግዚኣብሔር ብሞት ወዱ ተዓረቕና፤ ካብ ተዓረቕና ደኣ ብሕይወት ወዱ ኽንደይ ብዝበለጸ ዘይንድኅን!

[11] እዙይ ጥራሕ ግና ኣይኮነን፤ በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና ብእግዚኣብሔር ንምካሕ ኣለና።

[12] ብሰንኪ ሓደ ሰብ ኃጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፤ ብምኽንያት ኃጢኣትውን ሞት መጸ፤ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ተኃላለፈ።

[13] ሕጊ ሙሴ ቕድሚ ምምጽኡ ኃጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ፤ እንተኾነ ኣብቲ ሕጊ ዘይነበረሉ እቲ ኃጢኣት ከም ኃጢኣት ኣይቝጸርን ነበረ።

[14] ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴኣብቶም ከም ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ኃጢኣት ዘይገበሩውን ነጊሡ ነበረ፤ ኣዳም ከዓ ምሳሌ እቲ ኽመጽእ ዘለዎ ነበረ።

[15] ግና ጸጋ እግዚኣብሔርን እቲ ኣበሳን ሓደ ኣይኮነን፤ ብኣበሳ ሓደ ሰብ ብዙኃት ከም ዝሞቱ እቲ ጸጋ እግዚኣብሔርን እቲ ብኸምኡ ዝተውሃበ ናይቲ ሓደ ሰብ ማለት ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበ ውህብቶ ጸጋ ኣብ ብዙኃት የመና በዚኁ ኣሎ።

[16] እቲ ብጸጋ ዝተረኽበ ውህብቶ ኸም ሳዕቤን ናይቲ ብሓደ ሰብ ዝመጸ ኃጢኣት ኣይኮነን። ብኃጢኣት ሓደ ሰብ ዝመጸ ፍርዲ ኲነኔ ኣስዓበ፤ ድኅሪ ኃጢኣት ብዙኃት ዝተውሃበ ጸጋ ኸዓ ጽድቂ ኣፍረየ።

[17] ሞት ብሰንኪ ኃጢኣት ሓደ ሰብ ካብ ነገሠ እቶም ብዙኅ ጸጋ እግዚኣብሔርን ውህብቶ ጽድቅን ዝረኸቡ ደኣ በቲ ሓደ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕይወት ክንደይ ኣብሊጾም ዘይነግሡ!

[18] እምበኣር ከምቲ ብናይ ሓደ ሰብ በደል ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ ከምኡ ድማ ብናይ ሓደ ግብሪ ጽድቂ ንዂሉ ሰብ ሕይወት እትህብ ጽድቂ መጸት።

[19] ብዘይ ምእዛዝ ሓደ ሰብ ብዙኃት ኃጥኣን ከም ዝኾኑ ከምኡ ኸዓ ብምእዛዝ እቲ ሓደ ብዙኃት ጻድቃን ክኾኑ እዮም።

[20] ኃጢኣት ምእንቲ ኽበዝኅ ሕጊ ኣተወ፤ ኣብቲ ኃጢኣት ዝበዝኆ ግና ኣብኡ ጸጋ የመና በዝኀ።

[21] ስለዙይ ከምቲ ኃጢኣት ሞት ብምምጻእ ዝነገሠ ጸጋ እግዚኣብሔር ከዓ ኸምኡ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለዓለም ሕይወት ክነግሥ እዩ።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮም — Chapters