[1] እሞኸ እንታይ ንበል? ጸጋ ምእንቲ ኽበዝኅ ኃጢኣት እናገበርናዶ ንንበር?
[2] ኣይፋልናን! ንሕና ካብ ኃጢኣት ፈጺምና ተፈሊና እናበልናስ ከመይ ኢልና ደኣ ሕዚ ኣብ ኃጢኣት ክንነብር?
[3] ንሕና ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኽንከውን ዝተጠመቕና ናይ ሞቱ ተኻፈልቲ ኽንኸውን ከም ዝተጠመቕና ኣይትፈልጡን ዲኹም?
[4] እምበኣር ከምቲ ክርስቶስ ብናይ ኣብ ክብሪ ኻብ ሙታን ዝተሥአ ከምኡ ኸዓ ንሕና ብሓዳስ ሕይወት ምእንቲ ኽንነብር ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቐበርናን።
[5] ምስኡ ኃቢርና እንተ ደኣ ሞይትና ምስኡ ኃቢርና ከም እንትሥእ ርግጽ እዩ።
[6] ደጊም ንኃጢኣት ከይንግዛእ እቲ ኃጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኽጠፍእ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና።
[7] እቲ ዝሞተ ካብ ኃጢኣት ሓራ ወፂኡ እዩ እሞ።
[8] ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና ምስኡ ድማ ብሕይወት ከም እንነብር ነኣምን ኢና።
[9] እቲ ኻብ ሞት ዝተሥአ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና፤ ደጊም ሞት ኣብ ልዕሊኡ ሥልጣን የብሉንሞ።
[10] ንሱ ብሞቱ ንሓዋሩ ሓደ ጊዜ ንኃጢኣት እዩ ዝሞተ። ብሕይወቱ ግና ንእግዚኣብሔር እዩ ዝነብር።
[11] ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኃጢኣት ከይትገብሩ ኸም ዝሞትኩም፤ ብኢየሱስ ክርስቶስ ግና ንእግዚኣብሔር ሕያዋን ከም ዝኾንኩም ንርእስኹም ቊጸሩ።
[12] እምበኣር ንሥጋዊ ድልየትኩም ምእንቲ ኸይትግዝኡ ኣብዝ መዋቲ ሥጋኹም ኃጢኣት ኣይንገሥ።
[13] ሞይቶም ከም ዝተሥኡ ርእስኹም ንእግዚኣብሔር ወፍዩ እምበር ኣካላትኩም መሣርሒ ኽፍኣት ክኸውን ንኃጢኣት ኣይትሃብዎ፤ ኣካላትኩምስ መሣርሒ ጽድቂ ክኸውን ንእግዚኣብሔር ደኣ ወፍይዎ።
[14] ትሕቲ ጸጋ እምበር ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኮንኩም ኃጢኣት ኣይገዝአኩምን እዩ እሞ።
[15] እሞኸ ደኣ! ትሕቲ ጸጋ እምበር ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኮንና ኃጢኣትዶ ኽንገብር? ኣይፋልናን!
[16] ከም እዙዛት ባሮት ኴንኩም ርእስኹም እንተግዛእኹም ናይቲ እትእዘዝዎ ባሮት ከም ዝኾንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ከምኡ ኸዓ ንኃጢኣት እንተ ተኣዘዝኩም ናብ ሞት ክመርሐኩም እዩ፤ ንእግዚኣብሔር እንተ ተኣዘዝኩም ግና ናብ ጽድቂ ኽመርሐኩም እዩ።
[17] -
[18] ቀደም ባሮት ኃጢኣት እኳ እንተ ነበርኩም ነቲ ብኅድሪ ዝተውሃበኩም ትምህርቲ ካብ ልቢ ስለ ዝተኣዘዝኩምዎ ካብ ኃጢኣት ሓራ ወፂእኹም ከዓ ንጽድቂ ስለ ዝተገዛእኹም እግዚኣብሔር ዝተመስገነ ይኹን።
[19] ከም ልማድ ሰብ ዝዛረብ ዘለኹ ብሥጋኹም ድኹማት ስለ ዝኾንኩም እየ። ከምቲ ንርኽሰትን እናገደደ ንዝኸይድ ክፍኣትን ንኽግዛእ ኣካላትኩም ዝወፈኹም ከምኡ ድማ ሕዚ ናብ ቅድስና ንዘብጽሕ ጽድቂ ኣካላትኩም ወፍዩ።
[20] ባሮት ኃጢኣት ኣብ ዝነበርኩምሉ ጊዜ ጽድቂ ኽንገብር ዝብል ሓሳብ ኣይነበረኩምን ነይሩ።
[21] ካብቲ ሕዚ እትኃፍሩሉ ዘለኹም ነገራት እንታይ ኣፍረይኹም? መወዳእታ ናይቲ ነገራት እቱይ ሞት እዩ እሞ።
[22] ሕዚ ግና ካብ ኃጢኣት ሓራ ወፂእኹም ንእግዚኣብሔር ስለ ዝተገዛእኹም ቅድስና ኣፍሪኹም ኣለኹም። መወዳእታኡ ኸዓ ናይ ዘለዓለም ሕይወት እዩ።
[23] ዓስቢ ኃጢኣት ሞት እዩ፤ ውህብቶ ጸጋ እግዚኣብሔር ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ናይ ዘለዓለም ሕይወት እዩ እሞ።