Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:17

[1] እምበኣር ኣኅዋተይ! ሰብነትኩም ሕያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሔር ዘሕጕስን መሥዋዕቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ ብምሕረት እግዚኣብሔር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።

[2] እቲ ሠናይን ዘሕጕስን ፍጹምን ዝኾነ ፍቓድ እግዚኣብሔር እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

[3] ከምቲ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መጠን እምነት ገይሩ ደኣ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር ካብቲ ዝግብኦ ኣብሊጹ ኸይሓስብስ ንነፍስ ወከፍ ኣብ ማእኸልኩም ንዘሎ ብዝተውሃበኒ ጸጋ እምዕዶ አለኹ።

[4] ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙኅ ኣካላት ዘለና እቶም ኣካላት ድማ ተግባሮም ሓደ ዘይኮነ

[5] ከምኡውን ንሕና ብዙኃት እንትንከውን ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት ኢና። ነፍስ ወከፍና ድማ ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኢና።

[6] ከምቲ ብጸጋ እግዚኣብሔር ዝተቐበልናዮ በበይኑ ዝኾነ ውህብቶ ዘለና ትንቢት እንተ ኾይኑ ብመጠን እምነት ይኹን።

[7] ኣገልግሎት እንተ ኾይኑ ኣብ ኣገልግሎቱ ይትጋህ፤ ዝምህርውን ኣብ ምምሃር ይጽናዕ።

[8] ዝምዕድ ኣብ ምምዓድ ይትጋህ። ዝህብ ብልግሲ የሃብ። ዝመርሕውን ብትግሃት ይምራሕ። ዝርህርህ ከዓ ብሓጐስ ይራህርህ።

[9] ግብዝና ዘይብሉ ሓቀኛ ፍቕሪ የሃልኹም። ንኽፍኣት ተጸየፍዎ፤ ንሠናይ ኣጽኒዕኹም ኃዝዎ።

[10] ኣብ ንስንሳትኩም ልባዊ ዝኾነ ፍቕሪ ኣኅዋት የሃልኹም፤ ንስንሳትኩም ክትከባበሩ ድማ ተቐዳደሙ።

[11] ኣብ ኣገልግሎትኩም ኣይትተሃከዩ፤ ብመንፈስ ዝቲጸልኩም ኩኑ፤ ንእግዚኣብሔር ኣገልግሉ፤

[12] ብተስፋ ተሓጐሱ፤ ብመከራ ተዓገሡ፤ እንተየቋረጽኩም ጸሎት ኣዘውትሩ።

[13] ብዘድልዮም ንኣመንቲ ሓግዙ፤ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።

[14] ንዘሳጕጕኹም መርቑ፤ መርቑ እምበር ኣይትርገሙ።

[15] ምስቶም ዝሕጐሱ ተሓጐሱ፤ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ።

[16] ንስንሳትኩም ተሰማሚዕኹም ንበሩ፤ ምስቶም ትሑት ናብራ ዘለዎም ሕዉሳት ኩኑ እምበር ኣይትተዓበዩ፤ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ኣይትመክሑ።

[17] ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ቅኑዕ ዝኾነ ደኣ ሕሰቡ እምበር ንሓደኳ ኽፉእ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።

[18] ብወገንኩም ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ክትነብሩ ዝከኣለኩም ግበሩ።

[19] ፍቑራተይ! ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፤ ኣነ ኽፈድዮ እየ› ይብል እግዚኣብሔር ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ ቊጥዓ እግዚኣብሔር ባዕሉ ኽፈድዮ ኅደጉሉ እምበር ባዕልኻትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።

[20] ግና ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ኣብልዓዮ፤ እንተ ጸምአውን ኣስትዮ። እዙይ ብምግባርካ ከም ብጕሁር ሓዊ ኽተንድዶ ኢኻ።

[21] ነቲ ኽፉእ ደኣ ብሠናይ ጌርካ ሰዓሮ እምበር ብኽፉእ ኣይትሰዓር።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮም — Chapters