[1] ብፍቓድ እግዚኣብሔር እንተዘይኮይኑ ሥልጣን የለንሞ ነፍስ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ በዓል ሥልጣን ይተኣዘዝ። እቶም ዘለዉ ሰብ ሥልጣንውን ብእግዚኣብሔር ዝተሸሙ እዮም።
[2] ንበዓል ሥልጣን ዝቃወም ንሥርዓት እግዚኣብሔር እዩ ዝቃወምሞ። እቶም ዝቃወሙ ድማ ንባዕላቶም ቅጽዓት የምጽኡ።
[3] ሰብ ሥልጣን ሥራሑ ኽፉእ ንዝኾነ እምበር ሥራሑ ጽቡቕ ንዝኾነ ኣየፍርኁን እዮም። ንሰብ ሥልጣን ከይትፈርኅ እንተደሊኻ ጽቡቕ ግበር። ንሱ ድማ ኸመስግነካ እዩ።
[4] ንሱ እግዚኣብሔር ንሠናይካ ኢሉ ዝሸሞ ኣገልጋሊ እዩሞ። ክፉእ እንተ ገበርካ ግና ፍራኅ፤ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕዎንዮምሞ። ንሱ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነ ነቲ ኽፉእ ዝገብር ክቐጽዕ ልኡኽ ቊጥዓ እግዚኣብሔር እዩ።
[5] ስለዙይ መቕጻዕቲ ፈሪኅኹም ጥራሕ ዘይኮነስ ሕሊናኹም ስለ ዝወቕሰኩምውን ክትግዝኡ ይግብአኩም እዩ።
[6] ንሳቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ኮይኖም እንተየብኰሩ ተሠሪዖም ኢዮምሞ ስለዙይ ኢኹም ግብሪ እትኸፍሉ።
[7] እምበኣር ንዂሉ ኸከም ዝግብኦ ግበሩ፤ ቐረጽ ንዝግብኦ ቀረጽ ፍርኃት ንዝግብኦ ፍርኃት ክብሪ ንዝግብኦ ኽብሪ ንዂሉ እቲ ዘዝግብኦ ሃብዎ።
[8] እንትርፊ ንስንሳትኩም ምፍቓር ምስ ሓደኳ ኻልእ ዕዳ ኣይሃሉኹም፤ እቲ ንብጻዩ ዘፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ።
[9] እቲ ኣይትዘሙ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሶት ኣይትመስክር፤ ዘይናትካ ኣይትመነ! ዝብል ካልእ ትእዛዛትውን ኲሉ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር! ብዝብል ትእዛዝ ተጠቓሊሉ እዩ።
[10] ብጻዩ ዝፈቱ ኽፉእ ኣይገብርን፤ እምበኣር ፍቕሪ መፈጸሚ ሕጊ እዩ።
[11] ነቲ ዘመን ፍለጥዎ፤ ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ እዋን ሕዚ እዩ፤ ምድኃንና ካብቲ ዝኣመንናሉ ጊዜ ሕዚ የመና ቐሪቡ ኣሎ።
[12] ለይቲ ኃሊፋ መዓልቲ ቐሪባ ኣላ። ስለዙይ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢና ኣፅዋር ብርሃን ንልበስ።
[13] ብጓይላን ስኽራንን ብምንዝርናን ዕብዳንን ብባእስን ቅንኣትን ዘይኮነስ ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንንበር።
[14] ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር ድልየት ሥጋኹም ንምርዋይ ኣይትሕሰቡ።