[1] ብክርስቶስ ሓቂ ኸም ዝዛረብ እምበር ከም ዘይሕሱ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ እዩ።
[2] ብዙኅ ጓህን ዘየቋርጽ ሥቓይን ኣብ ልበይ ኣሎ።
[3] ኣነ ንባዕለይ ምእንቲ እቶም ብሥጋ ኣኅዋተይን ኣዝማደይን ዝኾኑ ርጉም ኮይነ ኻብ ክርስቶስ ንኽፍለ ምደለኹ።
[4] ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም፤ እግዚኣብሔር ከዓ ደቁ ገበሮም፤ ክብሩ ገለጸሎም፤ ኪዳን ኣተወሎም፤ ሕጊ ሓገገሎም፤ ኣምልኾ ሠርዐሎም፤ ተስፋ ድማ ሃቦም።
[5] ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወልዱ እዮም፤ ክርስቶስውን ብሥጋ ኻብኣቶም እዩ ዝተወልደ። ንሱ ልዕሊ ዂሉ ዝኾነ ኣምላኽ ንዘለዓለም ቡሩኽ እዩ። ኣሜን!
[6] ግና እቲ ቓል ኣምላኽ በዙይ ከንቱ ኾይኑ ተሪፉ ማለት ኣይኮነን፤ እቶም ካብ እስራኤል ዝተወልዱ ዂሎም እስራኤላውያን ኣይኮኑንሞ።
[7] ከምኡውን ኲላቶም እቶም ካብ ኣብርሃም ዝተወልዱ ደቂ ኣብርሃም እዮም ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ ካብ ይስሓቅ ዘርኢ ኽስመየልካ እዩ ኢልዎ ነበረ።
[8] እዙይ ማለት ከዓ እቶም ከም ተስፋ ቓሉ ዝተወልዱ እዮም ደቁ ዝኾኑ እምበር እቶም ብሥጋ ዝተወልዱስ ደቂ እግዚኣብሔር ኣይኮኑን።
[9] እቲ ቓል ተስፋ ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽመጽእ እየ፤ ሣራ ኸዓ ወዲ ኽትወልድ እያ ዝብል ቃል ተስፋ ነበረሞ።
[10] እዙይ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ርብቃውን ካብ ኣቦና ይስሓቅ ማንታ ምስ ጠነሰት፤
[11] ካብ ኅርየት እምበር ካብ ግብሪ ኸም ዘይኮነ፤ እቲ ምኽሪ እግዚኣብሔር ከዓ ኣብ ምሕራይ ከም ዝተመሥረተ ምእንቲ ኽገሃድ እቶም ሕፃናት ገና እንተይተወልዱ ጽቡቕ ኮነ ኽፉእ ከይገበሩ እንተለዉ
[12] ንርብቃ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶይ ክግዛእ እዩ ዝብል ተነግራ።
[13] እዙይ ከዓ እቲ ንያዕቆብ ኣፍቀርኩ ንኤሳው ግና ጸላእኹ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ እዩ።
[14] እሞኸ እንታይ ክንብል ኢና? ኣብ ኣምላኽዶ ፍትሒ የለን እዩ? ኣሎባ!
[15] እግዚኣብሔር ንሙሴ፦ ንዝምሕሮ ኽምሕሮ እየ፤ ንዝርህርሀሉ ኽርህርሀሉ እየ ኢልዎ እዩ።
[16] ስለዙይ ካብቲ ዝምሕር እግዚኣብሔር እዩ እምበር ካብ ናይ ሰብ ድልየትን ፃዕርን ኣይኮነን።
[17] ንፈርዖን ‹‹ኃይለይ ኣባኻ ኸርኢ ስመይውን ኣብ ኲሉ ምድሪ ምእንቲ ኽፍለጥ እየ ዘተሣእኹኻ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ።
[18] እምበኣር ንዝደልዮ ይምሕሮ፤ ንዝደልዮ ድማ የሀልኾ እዩ።
[19] ንፍቓዱ ዝቃወም እንድሕር ዘየልዩ ንምንታይ ደኣ ብኃጢኣትና ዝወቕሰና? ዝብል ይህሉ ይኸውን።
[20] ኣታ ሰብ ንእግዚኣብሔር እትከራኸሮ ንስኻ መን ኢኻ? ሥራሕ ንሠራሒኡ ንምንታይ ከምዙይ ጌርካ ሠሪሕኻኒ ኽብሎዶ ይኽእል እዩ?
[21] ወይ እቲ ሠራሕ መሬት ካብ ሓደ ጸብሪ ገሊኡ ንኽብሪ ገሊኡውን ንሓሳር ዝኸውን ኣቕሑ ኽሠርሕ ኣብቲ ጸብሪ ሥልጣን የብሉን ድዩ?
[22] ከምኡ ድማ እግዚኣብሔር ቊጥዓኡ ኸርኢ ኃይሉውን ከፍልጥ እንተ ደለየ ትዕግስቱ ምሰርአየ ነቶም ዝተዳለዉ ናይ ጥፍኣት መሣርሕታት የምጽእ።
[23] ከምኡውን ዕብየት ጐይትነቱ ኸርኢ እንተደለየ ኣቐዲሙ ንኽብሪ ንዘዳለዎም ናይ ምሕረት መሣርሒታት የምጽእ።
[24] እዚኣቶምውን ንሕና እቶም ካብ ኣይሁድ ኮነ ኻብ ኣሕዛብ ዝተጸዋዕና ሰባት ኢና።
[25] ኣብ ነቢይ ሆሴዕውን፦ ነቲ ሕዝበይ ዘይኮነ ሕዝበይ!› ክብሎ እየ፤ ነታ ዘይፍቕርተይውን ፍቕርተይ!› ክብላ እየ ይብል እዩ።
[26] ኣብታ ሕዝበይ ኣይኮንኩምን ተብሂሎም ዝተጸውዑ ላ ስፍራ ደቂ ሕያው እግዚኣብሔር ተብሂሎም ክጽውዑ እዮም ይብል።
[27] ኢሳይያስ ብዛዕባ ደቂ እስራኤል ጸሪሑ፦ ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑፃ ባሕሪ እኳ እንተ በዝኀ እቲ ተረፍ ጥራሕ እዩ ዝድኅን።
[28] እግዚኣብሔር ንፍርዱ ኣብ ምድሪ ብርግጽን ብቕልጡፍን ክፍጽሞ እዩ እሞ።
[29] ከምቲ ኢሳይያስ ኣቐዲሙ እግዚኣብሔር ጸባኦት ዘርኢ እንተ ዘይኃድገልናስ ከም ሰዶም ምኾንና ንገሞራውን ምመሰልና ኔርና ዝበሎ እዩ።
[30] ደጊምከ እንታይ ንበል? እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣሕዛብ ንጽድቂ ረኸብዋ፤ እዙይ ከዓ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ እዩ።
[31] እስራኤል ግና ነቲ ናብ ጽድቂ ዘብጽሕ ሕጊ እናተኸተሉስ ንሕጊ ስለ ዘይፈጸምዎ ነቲ ጽድቂ ኣይረኸብዎን።
[32] ስለምንታይ ነቲ ጽድቂ ዘይረኽብዎ? ጽድቆም ብሥራሕ እምበር ብእምነት ስለ ዘይኮነ እዩ። ኣብቲ እምኒ መዐንቀፊ ድማ ተዓንቀፉ።
[33] እዙይ ከዓ መጽሓፍ፦ እንሆ ኣብ ጽዮን መዐንቀፊ እምንን ዘንደልህጽ ኰዂሕን አንብር ኣለኹ፤ ብእኡ ዝኣምን ከዓ ኣይኃፍርን እዩ ከም ዝበሎ እዩ።