[1] ንሕና ብእምነት ዝጸናዕና ነቶም ብእምነት ዘይጸንዑ ኣኅዋትና ኽንድግፎም ደኣ እምበር ንባዕልና ጥራሕ ክነሐጕስ ኣይግብአናን እዩ።
[2] ነፍስ ወከፍና ንብጻይና ምእንቲ ኽንሃንጾ ሠናይ ንግበረሉ፤ ነሐጕሶውን።
[3] ከምቲ ጽሑፍ ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻ ኣባይ ወደቐ ዝብሎ ክርስቶስውን እንተኾነ ንባዕሉ ኣየሐጐሰንሞ።
[4] በቲ ኻብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከብ ትዕግሥትን ምጽንናዕን ተስፋ ምእንቲ ኽንረክብ እቲ ኣቐዲሙ ዝተጽሓፈ ዂሉ ንትምህርትና እዩ ዝተጽሓፈ።
[5] -
[6] ኃቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቦ ንዝኾነ እግዚኣብሔር ምእንቲ ኽተኽብሩ እቲ ናይ ትዕግሥትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንስንሳትኩም ከምቲ ናይ ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ሓደ ሓሳብ ከም እትሓስቡ ይግበርኩም።
[7] ስለዙይ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝተቐበለኩም ንስንሳትኩም ተቐባበሉ።
[8] ክርስቶስ ነቲ ነቦታት ዝተውሃበ ተስፋ ምእንቲ ኸጽንዖ ኣምላኽ ሓቀኛ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኸርኢ ኣገልጋሊ ግሩዛት ከም ዝኾነ እነግረኩም ኣለኹ።
[9] ክርስቶስ ኣገልጋሊ ግርዘት ዝኾነ ኸምቲ መጽሓፍ፦ ኣብ ማእኸል ኣሕዛብ ከመስግነካ እየ፤ ንስምካውን ክዝምር እየ ዝብሎ ኣሕዛብ ንእግዚኣብሔር ብምሕረቱ ምእንቲ ኸመስግንዎ እዩ።
[10] ደጊሙውን ኣቱም ኣሕዛብ ምስ ሕዝቡ ኾይንኩም ተሓጐሱ!
[11] ቀጺሉ ኸዓ ኲልኻትኩም ኣሕዛብ ንጐይታ ኣመስግንዎ! ኲሎም ሕዝብታትውን ይወድስዎ! ይብል።
[12] ኢሳይያስውን ካብ ዘርኢ እሴይ ዝውለድ ክመጽእ እዩ፤ ንሱ ኣብ ኣሕዛብ ክገዝእ ክትሥእ እዩ፤ ብእኡ ኸዓ ኣሕዛብ ተስፋ ኽገብሩ እዮም ይብል።
[13] ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ተስፋኹም ኣፀቢቑ ምእንቲ ኽዓቢ እቲ ዝኣመንኩምዎ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእኹም።
[14] ኣኅዋተይ! ብሠናይ ነገርን ብፍልጠትን ኲሉ ኸም ዝተመላእኹም ንስንሳትኩምውን ምምዕዓድ ከም እትኽእሉ ኣነ ባዕለይ ተረዲአዮ ኣለኹ።
[15] በቲ ኻብ እግዚኣብሔር ዝተውሃበኒ ጸጋ ከዘኻኽረኩም ደልየ ብዛዕባ ሓድሓደ ነገራት ብድፍረት ጽሒፈልኩም ኣለኹ።
[16] እዙይ ከዓ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ መሥዋዕቲ ኾይኖም ዝቐረቡ ኣሕዛብ ብኣምላኽ ቅቡላት ምእንቲ ክኾኑ ካህን ወንጌል ኣምላኽ ኮይነ ንኣሕዛብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ምእንቲ ክኸውን እየ።
[17] ስለዙይ ንእግዚኣብሔር ስለዘገልግል ብኢየሱስ ክርስቶስ እምካሕ ኣለኹ።
[18] እንተኾነ ነቲ ክርስቶስ ኣሕዛብ ንእግዚኣብሔር ምእንቲ ኽእዘዙ ኢሉ ብቓለይን ብግብረይን ዝሠርሖ እንተ ዘይኮይኑ ብኻልእ ክዛረብ ኣይደፍርን።
[19] ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስን ብዘደንቕ ምልክትን ተኣምራትን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚረ ኽሳዕ እልዋሪቆን ናይ ክርስቶስ ወንጌል ሰበኽኩ።
[20] -
[21] ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እቶም ብዛዕብኡ ዘይተነግሮም ክርእዩ እዮም፤ እቶም ብዛዕብኡ ዘይሰምዑ ውን ከስተውዕሉ እዮም ዝብሎ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመሥረቶ ምእንቲ ኸይሃንጽ ክርስቶስ ኣብ ዘይተጸውዐሉ ሥፍራ ዂሉ ወንጌል ክስበኽ ብርቱዕ ድልየት ኣለኒ።
[22] ስለዙይ ከዓ እየ ናባኻትኩም ካብ ምምጻእ ብዙኅ ጊዜ ዝተኸልከልኩ።
[23] ሕዚ ግና ኣብዝ ሃገርዙይ ዝነበረኒ ሥራሕ ወንጌል ስለ ዝወዳእኹ ኻብ ብዙኅ ዓመታት ኂዘውን ናባኻትኩም ክመጽእ ድልየት ስለ ዝነበረኒ
[24] ንእስፔይን ክኸይድ እንተለኹ ኽርእየኩም በኣኻትኩም ክኃልፍ እየ፤ ንኣኻትኩም ሪአ ምስ ተሓጐስኩ ናብኡ ክኸይድ እየ፤ ንስኻትኩም ድማ ብዘድሊ ኸም እተፋንዉኒ ተስፋ እገብር ኣለኹ።
[25] ሕዚ ግና ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ኣመንቲ ዝኸውን ሓገዝ ኂዘ እኸይድ ኣለኹ።
[26] እቶም ናይ መቄዶንያን ኣካይያን ኣመንቲ ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዘለዉ ድኻታት ኣመንቲ ገንዘብ ከዋፅኡሎም ፈትዮም ኣለዉሞ።
[27] ግቡኦም ስለ ዝኾነውን ተሰማሚዖም እዮም። እቶም ኣሕዛብ ካብቲ መንፈሳዊ በረኸት ካብ ተኻፈሉ ንሳቶም ድማ በቲ ሥጋዊ በረኸት ከገልግልዎም ግቡእ እዩ።
[28] እምበኣር ነቲ ዝተዋህለለ ገንዘብ ኣብጺሐሎም ኣገልግሎተይ ምስ ወዳእኹ ብኣኻትኩም ኣቢለ ንእስፔይን ክኸይድ እየ።
[29] ናባኻትኩም ክመጽእ እንተለኹ ኸዓ ብበረኸት ክርስቶስ መሊአ ኸም ዝመጽእ እፈልጥ ኣለኹ።
[30] ኣኅዋተይ! ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስ ቅዱስን ምእንታይ ናብ እግዚኣብሔር ብጸሎት ምሳይ ክትጋደሉ እልምነኩም አለኹ።
[31] እትጽልዩለይ ከዓ ኻብቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ዘይኣምኑ ምእንቲ ኽድኅንን እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘወፍዮ ኣገልግሎተይ ድማ በቶም ቅዱሳን ቅቡል ክኸውንን
[32] ብፍቓድ እግዚኣብሔር ብሓጐስ ናባኻትኩም መጺአ ኸዓ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኸዕርፍን እየ።
[33] ኣምላኽ ሰላም ምስ ኲልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።