[1] እስኪ መሊሰ ኽጥይቕ፤ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ገዲፍዎም እዩዶ ኽብል? ኣይፋሉን! ኣነ እኳ ንባዕለይ እስራኤላዊ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ካብ ነገድ ብንያም እየ።
[2] እግዚኣብሔር ነቲ ኣቐዲሙ ዝኃረዮ ሕዝቡ ኣይገደፎን። እቲ ጽሑፍ ብዛዕባ ኤልያስ እንታይ ከም ዝበለ ኤልያስ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን እንታይ ኢሉ ኸም ዝኸሰሶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም?
[3] ጐይታይ ንነቢያትካ ቐተልዎም፤ መሠውዒታትካውን ኣፍረሱ፤ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፤ ክቐትሉኒ ድማ ይደልዩ ኣለዉ በለ።
[4] እግዚኣብሔር ግና ነቲ በዓል ዝብሃል ጣዖት ዘይሰገዱ ንባዕለይ ሾውዓተ ሽሕ ሰባት ኣትሪፈ ኣለኹ ኢሉ መለሰሉ።
[5] ከምኡ ኸዓ በዝ ዘመንዙይ ብጸጋ ተኃርዮም ዝተረፉ ኣለዉ።
[6] እምበኣር ብጸጋ ኻብ ኮነ ብግብሪ ኣይኮነን፤ ብግብሪ እንተ ዝኸውንስ እቲ ጸጋ ጸጋ ኣይምኾነን።
[7] -
[8] እሞኸ ደኣ? እስራኤላውያን ነቲ ዝደልይዎ ዝነበሩ ኣይረኸብዎን፤ እቶም ኅሩያት ግና ረኸብዎ፤ እቶም ዝተረፉ ኸዓ ኸምቲ ጽሑፍ፦ ኣዒንቶም ከይርእያ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓ እግዚኣብሔር ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ድንዙዝ መንፈስ ሃቦም ዝበሎ ልቦም ኣትረረ።
[9] ዳዊት ከዓ፦ ማእዶም መጻወድያን መድፈንን መዐንቀፍን ፍዳን ይኹኖም፤
[10] ምእንቲ ኸይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታ፤ ሕቝኦም ከዓ ንሓዋሩ ይጕበጣ ይብል።
[11] እስኪ መሊሰ ኽጥይቕ፤ እስራኤላውያን ኣብኡ ወዲቖም ምእንቲ ኽተርፉ ድዮም ዝተዓንቀፉ? ኣይፋሎምን! እንተኾነ ምእንቲ ንኣኣቶም ከቕንኦም ብበደሎም ነሕዛብ ምድኃን ኮነሎም።
[12] በደሎም ንዓለም በረኸት ካብ ኮነ ውድቀቶም ከዓ ነሕዛብ በረኸት ካብ ኮነ ናብ ድኅነት ምእታዎም ደኣ ኽንደይ ዝበለጸ ምኾነ!
[13] -
[14] ምናልባሽ ነቶም ዓሌተይ ዝኾኑ እንተቕናእኽዎም ካብኣቶምውን ንገሊኦም እንተድኃንኩስ ንኣኻትኩም ንኣሕዛብ እብለኩም ኣለኹ። ኣነ ንኣሕዛብ ሓዋርያ ኸም ምዃነይ ብኣገልግሎተይ እሕበን እየ።
[15] እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ምስ ገደፎም ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኣምጽአላ ምስ ተቐበሎም ግዳ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ምምላስ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ እንታይ ከየምጽእ!
[16] እቲ ኸም በዂራት ዝቐረበ ብሒቝ ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ እቲ ዝተረፈ ቕዱስ እዩ፤ እቲ ሱር ዝተቐደሰ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸዓ እቲ ጨናፍርውን ቅዱስ እዩ።
[17] ካብቶም ጨናፍር ገሊኦም እንተ ተሰብሩ እሞ ንስኻ ኣውሊዕ በረኻ እንተለኻ ኣብ ሥፍራኦም እንተ ተተኸልካ ካብቲ ሡር ኣውሊዕ ዝወፅእ ማራ ተኻፋሊውን እንተ ዄንካ
[18] ኣብቶም ጨናፍር ኣይትተዓበ። እቲ ሡር እዩ ንኣኻ ፆይሩካ ዘሎ እምበር ንስኻ ኣይኮንካን ፆይርካዮ ዘለኻ እሞ ኣይትተዓበ።
[19] ምናልባሽ ንስኻ ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም እቶም ጨናፍር ዝተሰብሩ ትብል ትኸውን።
[20] ጽቡቕ፤ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፤ ንስኻ ግና ስለ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣለኻ። ስለዙይ ፍራኅ ደኣ እምበር ብልብኻ ኣይትተዓበ።
[21] እግዚኣብሔር ነቶም ብባህርዮም ጨናፍር ዝነበሩ ኻብ ዘየናሕሰየሎም ንኣኻውን ኣየናሕስየልካን እዩ።
[22] እምበኣር ናይ ኣምላኽ ሕያዋይነትን ጭካነን ኣስተውዕል፤ ኣምላኽ ነቶም ዝወደቑ ጨካን ንኣኻ ግና ኣብ ሕያዋይነቱ ጸኒዕኻ እንተ ነበርካ ሕያዋይ እዩ፤ እንተ ዘይኮነ ንስኻውን ክትቊረጽ ኢኻ።
[23] ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተ ዘይጸንዑ ግና ኽትከሉ እዮም። እግዚኣብሔር መሊሱ ኽተኽሎም ይኽእል እዩሞ።
[24] ንስኻ ካብታ ብፍጥረታ ኣውሊዕ በረኻ ዝተቖረጽካ ኣብዘይ ፍጥረትካ ኣብ ጽብቕቲ ኣውሊዕ ኻብ ተተኸልካስ እቶም ብፍጥረቶም ጨናፍር ኣውሊዕ ዝነበሩ ግዳ ኽንደይ ኣብታ ናይ ቀደሞም ጽብቕቲ ኣውሊዕ ዘይትከሉ!
[25] ኣኅዋተይ! ምእንቲ ፈላጣት ኢና ኢልኩም ከይትምክሑስ ነዛ ምሥጢር እዚኣ ኽትፈልጡ ምፈተኹ። ንገሊኦም እስራኤላውያን ትረት ልቢ ዝበጽሖም ኣሕዛብ ናብ ድኅነት ብምልኣት ክሳዕ ዝምለሱ እዩ።
[26] -
[27] ከምቲ መጽሓፍ መድኃኒ ኻብ ጽዮን ክመጽእ እዩ፤ ካብ ዘርኢ ያዕቆብ ኃጢኣት ከርሕቕ እዩ፤ ኃጢኣቶም ምሰርሓቕኩ ኸዓ እቲ ምስኣቶም ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ ዝብሎ እስራኤላውያን ብምሉኦም ክድኅኑ እዮም።
[28] እስራኤላውያን ንወንጌል ብዘይ ምቕባሎም ምእንቲ ጥቕምኹም ጸላእቲ እግዚኣብሔር ኮኑ፤ ብኅርየት ግና ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት እግዚኣብሔር እዮም።
[29] ውህብቶን ጻውዒት ኣምላኽን ዘይልወጡ እዮምሞ።
[30] ንስኻትኩም ቀደም ንእግዚኣብሔር ኣይተኣዘዝኩምዎን ሕዚ ግና ብናይ እስራኤል ዘይምእዛዝ ተምሓርኩም።
[31] ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም ዝተምሓርኩምሉ ምሕረት ምእንቲ ኽምሓሩ ሕዚ ኣይተኣዘዙን።
[32] እግዚኣብሔር ምሕረቱ ምእንቲ ንዂሉ ኸርኢ ንዂሎም ኣብቲ ዘይምእዛዝ ዓጽዩዎም እዩ እሞ።
[33] ናይ እግዚኣብሔር ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።
[34] ሓሳብ እግዚኣብሔር ዝፈልጥ መን እዩ? ዘማኽሮኸ መን እዩ?
[35] ንእግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ዘለቅሖ እሞ ዝፈድዮ መን እዩ?
[36] ኲሉ ኻብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ፤ ንእኡ ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ! ኣሜን!