Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 3:26

[1] ኣቱም ኣኅዋተይ! ሃረርታ ልበይን ምእንትኣቶም ናብ እግዚኣብሔር ዘቕርቦ ጸሎትን እስራኤላውያን ምእንቲ ኽድኅኑ እየ።

[2] ኣብ ቅኑዕ ፍልጠት ዝተመሥረተ ደኣ ኣይኮነን እምበር ንእግዚኣብሔር ከም ዝቐንኡስ ኣነ እምስክረሎም እየ።

[3] ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጽእ ጽድቂ ሰኣን ምፍላጦም ጽድቂ ርእሶም ከቑሙ ብምድላዮም ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ እግዚኣብሔር ኣየግዝኡን።

[4] ዝኣምን ኲሉ ምእንቲ ኽጸድቕ ክርስቶስ ናይ ሕጊ ፍጻሜ እዩ።

[5] ሙሴ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ብምፍጻም ዝመጽእ ጽድቂ እቲ ንሕጊ ዝፍጽሞ ሰብ ብእኡ ብሕይወት ክነብር እዩ እናበለ ይጽሕፍ።

[6] እቲ ኻብ እምነት ዝመጽእ ጽድቂ ግና ኸምዙይ ይብል፦ ብልብኻ [ ንክርስቶስ ከውርዶ] ናብ ሰማይ ዝድይብ መን እዩ?› ኣይትበል።

[7] ወይ [ ንክርስቶስ ካብ ሞት ከተሥኦ] ናብ ሲኦል ዝወርድ መን እዩ?› ኣይትበል።

[8] እንታይ ደኣ ይብል? እቲ ቓል ንሱውን እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት ኣብ ጥቓኻ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ ይብል።

[9] ስለዙይ ብኣፍካ ኢየሱስ ጐይታ እዩ ኢልካ እንተ መስከርካ ብልብኻውን እግዚኣብሔር ካብ ሞት ከም ዘተሥኦ እንተ ኣሚንካ ክትድኅን ኢኻ።

[10] ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፤ ብኣፉ መስኪሩውን ይድኅን እዩ እሞ።

[11] እቲ ጽሑፍውን ብእኡ ዝኣምን ኲሉ ኣይኃፍርን እዩ ይብል።

[12] ኣብ መንጎ ኣይሁድን ኣሕዛብን ኣፈላላይ የለን፤ ንሱ ናይ ኲሉ ጐይታ እዩ፤ ነቶም ዝጽውዕዎ ዂሎም ድማ ኣበርኪቱ ዝህብ እዩ።

[13] ስም እግዚኣብሔር ዝጽውዕ ዂሉ ኽድኅን እዩ እሞ።

[14] ግናኸ ብእኡ እንተይኣመኑ ኸመይ ኢሎም ክጽውዕዎ እዮም? ብዛዕብኡ እንተይሰምዑ ኸ ኸመይ ገይሮም ብእኡ ኽኣምኑ እዮም? ብዘይ ሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ክሰምዑ እዮም?

[15] ከምቲ መጽሓፍ ናይቶም ሠናይ ዜና ዘበሥሩ ኣእጋር ከመይ ጽቡቕ እዩ ዝብሎ፦ ሰበኽቲ እንተዘይተልኣኹኸ ኸመይ ገይሮም ክሰብኩ እዮም?

[16] ግና ኸምቲ ኢሳይያስ ጐይታይ ንምስክርነትና መን ኣመኖ? ዝበሎ ኲላቶም ንወንጌል ኣይተቐበልዋን።

[17] እምበኣር ምእማን ካብ ምስማዕ እዩ፤ እቲ ዝስማዕውን ቃል ክርስቶስ እዩ።

[18] እስኪ ኽጥይቕ፦ ከቶ ኣይሰምዑ ን ድዮም? መጽሓፍ ድምፆም ናብ ኲሉ ምድሪ ወፀ፤ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሐ ከም ዝበሎ ብርግጽ ሰሚዖም ኣለዉ።

[19] እስኪ ደጊመ ኽጥይቕ፤ እሞ እስራኤላውያንከ ኣይፈለጡን ማለት ድዩ? ሙሴስ ኣቐዲሙ፦ ኣነ ሕዝቢ ብዘይኮነ ኸቕንአኩም ኣእምሮ ብዘይብሉ ሕዝቢውን ከዀርየኩም እየ ይብል።

[20] ኢሳይያስውን ደፊሩ ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፤ ንዘይጠየቑኒውን ተገለጽኩሎም ይብል።

[21] ብዛዕባ እስራኤል ግና ነቲ ዘይእዘዝን ቲዋምን ሕዝቢ ክቕበሎ ዂሉ መዓልቲ ኣእዳወይ ዘርጋሕኹ ይብል።

መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮም — Chapters