Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 7:39

[1] ኢየሱስ ካብኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከደ። መሊሱ ብዙኅ ሕዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ከም ልማዱውን መሃሮም።

[2] ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኽፍትንዎ መጺኦም ሰብኣይ ንሰበይቱ ኽፈትሓ ይግባእ ድዩ? ኢሎም ጠየቕዎ።

[3] ኢየሱስ ድማ ሙሴ እንታይ ኢሉ ኣዘዘኩም? በሎም።

[4] ንሳቶም ከዓ ሙሴስ መፍትሒኣ ጽሑፍ ጽሒፍና ክንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ፤ በልዎ።

[5] ኢየሱስ ከዓ፦ ሙሴስ ብሰንኪ ትረት ልብኹም እዩ እዝ ትእዛዝ እዙይ ዝጸሓፈልኩም።

[6] ካብ መጀመርታ ፍጥረት ግና እግዚኣብሔር ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም።

[7] ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ኃዲጉ ምስ ሰበይቱ ይወሃድ።

[8] ክልቲኦም ድማ ሓደ ኣካል ይኾኑ፤ እምበኣር ሓደ ኣካል እዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን።

[9] እምበኣርከስ ነቲ እግዚኣብሔር ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ፤ በሎም።

[10] ኣብ ገዛ ኸዓ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ደጊሞም ጠየቕዎ።

[11] ንሱ ድማ እቲ ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዘእቱ ኣብ ልዕሊኣ ይዝሙ።

[12] እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ኻልእ እተእቱ ድማ ትዝሙ፤ በሎም።

[13] ኢዱ ኸንብረሎም ድማ ንሕፃናት ናብኡ ኣምጽእዎም፤ ደቀ መዛሙርቱ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገሠጽዎም።

[14] ኢየሱስ ነዙይ ምስ ረአየ ተቖጢዑ ኸምዙይ በሎም፦ ሕፃናት ናባይ ይምጽኡ ኅደግዎም፤ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ ኣይትኸልክልዎም።

[15] እቲ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ከም ሕፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ ኸቶ ኸም ዘይኣትዋ እማን እብለኩም ኣለኹ፤ በሎም።

[16] ሓቝፉ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊኦም ኣንቢሩ ባረኾም።

[17] ኢየሱስ ብመንገዲ ክኸይድ እንተሎ ሓደ ሰብኣይ እናጐየየ ናብኡ መጺኡ ሰገደሉ። ኣታ ሕያዋይ መምህር! ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክወርስስ እንታይ ክገብር? ኢሉ ድማ ጠየቖ።

[18] ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ? እንትርፊ ሓደ እግዚኣብሔር ሕያዋይ የለን።

[19] ትእዛዛት ትፈልጥ ኢኻ፤ ኣይትቕተል፤ ኣይትዘሙ፤ ኣይትስረቕ፤ ብሓሰት ኣይትመስክር፤ ኣይትዓምፅ፤ ኣቦኻን እኖኻን ኣኽብር! በሎ።

[20] ንሱ ኸዓ መምህር! እዙይ ኲሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ሓሊየዮ ኣለኹ፤ ኢሉ መለሰሉ።

[21] ኢየሱስ ከዓ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፤ ኪድሞ ዘለካ ዂሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፤ ኣብ ሰማይ ሃብቲ ኽትረክብ ኢኻ መስቀልካ ኣልዒልካ ድማ ነዓ ተኸተለኒ፤ በሎ።

[22] ንሱ ግና ብዙኅ ጥሪት ስለ ዝነበሮ በዝ ቓል እዙይ ኃዘነ እናጐሃየውን ከደ።

[23] ኢየሱስ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ ገንዘብ ንዘለዎም ናብ መንግሥተ ሰማያት ክኣትዉ ኽንደይ ከቢድ እዩ! በሎም።

[24] እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ በዝ ቓል እዙይ ተገረሙ፤ ኢየሱስ ድማ መሊሱ፦ ደቀይ! ብሃብቲ ንዝተኣማመኑ ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ምእታው ከመይ ከቢድ እዩ!

[25] ሃብታም ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ካብ ዝኣቱስ ግመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል፤ በሎም።

[26] ንሳቶም ከዓ ብዙኅ ተገረሙ፤ ንስንሳቶም ድማ መን ደኣ ኾን ክድኅን ይኽእል? ተበሃሃሉ።

[27] ኢየሱስ ከዓ ናብኣቶም እናጠመተ እዙይ ብእግዚኣብሔር እምበር ብሰብ ኣይከኣልን፤ ብእግዚኣብሔር ኲሉ ይከኣል እዩሞ በሎም።

[28] ጴጥሮስ ከዓ እንሆ እምበኣር ንሕና ዂሉ ኃዲግና ተኸቲልናካ ክብሎ ጀመረ።

[29] ኢየሱስ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ ገዛ ወይ ኣኅዋት ወይ ኣኃት ወይ እኖ ወይ ኣቦ ወይ ሰበይቲ ወይ ውሉድ ወይ ገራሁ ዝኃደገ

[30] ሕዚ ኣብዝ ዓለም እዙይ ምስ ስደት ገዛ ኣሕዋት ኣሓት እኖ ውሉድ ገራሁ ሚእቲ ኻዕበት ዘይኽፈል ኣብ ዝመጽእ ዓለም ከዓ ሕይወት ዘለዓለም ዘይቕበል ሓደኳ የለን።

[31] ብዙኃት ቀዳሞት ዳኅረዎት ክኾኑ እዮም፤ ዳኅረዎት ድማ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም።

[32] ናብ ኢየሩሳሌም ክድይቡ ኣብ መንገዲ እንተለዉ ኢየሱስ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፤ ንሳቶም ከዓ ተገረሙ። እቶም ዝስዕቡ ዝነበሩውን ፈርኁ። ኢየሱስ ድማ ነቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ወሲዱ እቲ ኽበጽሖ ዘለዎ ኽነግሮም ጀመረ።

[33] እንሆ ናብ ኢየሩሳሌም ንድይብ ኣለና፤ ንወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ከትኅዝዎ እዮም፤ ንሳቶም ድማ ንሞት ክፈርድዎ ነሕዛብውን ኣኅሊፎም ክህብዎ እዮም፤

[34] ንሳቶምውን ከላግጹሉ እንትፍ ክብሉሉ ክገርፍዎ ክቐትልዎውን እዮም፤ ብሣልሰይቲ መዓልቲውን ክትሥእ እዩ፤ በሎም።

[35] ያዕቆብን ዮሓንስን ክልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም መምህር! ዝለመንናካ ኽትገብረልና ንደሊ ኣለና፤ በልዎ።

[36] ንሱ ኸዓ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ? በሎም።

[37] ንሳቶም ድማ ኣብ ክብርኻ ሓዴና ብየማንካ ሓዴና ድማ ብጸጋምካ ኽንቅመጥ ፍቐደልና፤ በልዎ።

[38] ኢየሱስ ግና እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ እቲ ኣነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ኽትሰትዩ እቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ትኽእሉዶ? በሎም።

[39] ንሳቶም ከዓ እወ ንኽእል፤ በልዎ። ኢየሱስ ድማ ነቲ ኣነ ዝሰትዮ ናይ መከራ ጽዋዕ ኽትሰትይዎ ነቲ ኣነ ዝጥመቖ ጥምቀትውን ክትጥመቅዎ ኢኹም።

[40] ኣብ የማነይን ኣብ ጸጋመይን ምቕማጥ ግና ኣቦይ ንዘዳለወሎም እዩ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን ዝህቦ በሎም።

[41] እቶም ዓሠርተ ደቀ መዛሙርት ሰሚዖም ብያዕቆብን ዮሓንስን ተቖጥዑ ።

[42] ኢየሱስ ግና ጸዊዑ ፦ ነሕዛብ እቶም ሹመኛታቶም ከም ዝገዝእዎም እቶም ዓበይቶም ድማ ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝሥልጥኑ ትፈልጡ ኢኹም።

[43] ኣባኻትኩም ግና ኸምኡ ኣይኮነን። እቲ ዓብዪ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን።

[44] እቲ ኻባኻትኩም ልዕሊ ዂሉ ክኸውን ዝደሊ ኸዓ ንሱ ተኣዛዚኹም ይኹን።

[45] ወዲ ሰብ ከገልግልን ሕይወቱ ቤዛ ብዙኃት ክህብን እምበር ከገልግልዎ ኣይመጸንሞ በሎም።

[46] ናብ ኢያሪኮ ድማ ኣተዉ፤ ኢየሱስ ካብ ኢያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙኅ ሕዝብን ክወፅእ እንተሎ ባርጤሜዎስ ንሱውን ወዲ ጤሜዎስ እቲ ዕዉር ኣብ ወሰን መንገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ።

[47] ናይ ናዝሬት ኢየሱስ ምዃኑ ምስ ሰምዐ ዓው ኢሉ ኢየሱስ ወዲ ዳዊት! መሓረኒ! ኽብል ጀመረ።

[48] ብዙኃት ድማ ስቕ ክብል ገሠጽዎ፤ ንሱ ግና ኦ ወዲ ዳዊት! መሓረኒ! እናበለ ዓው ኢሉ ጸርሐ።

[49] ኢየሱስ ድማ ደው ኢሉ ነቲ ዕውር ጸውዕዎ! ኢሉ ኣዘዘ፤ ጸዊዖም ከዓ ኣይዞኻ! ተሥእ! ኢየሱስ ይጽውዐካ ኣሎ! በልዎ።

[50] ንሱ ኸዓ ኽዳኑ ደርብዩ፤ ተሢኡ ናብ ኢየሱስ መጸ።

[51] ኢየሱስ ድማ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ? ኢሉ ጠየቖ፤ እቲ ዕዉር ከዓ መምህር ክርኢ፤ በሎ።

[52] ኢየሱስ ከዓ ኪድ፤ እምነትካ ኣሕውያትክ፤ በሎ። ሽዑ ንሽዑ ረአየ፤ ኣብ መንገዲውን ተኸተሎ።

ወንጌል ማርቆስ — Chapters