Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 5:31

[1] ብድኅሪኡ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኾይኑ ኽምህሮም ጀመረ። ኣብ ባሕሪ ናብ ጃልባ ደይቡ ኽሳዕ ዝቕመጥ ብዙኅ ሕዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ዂሉ እቲ ሕዝቢ ኸዓ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ።

[2] ብምስላታት ገይሩ ብዙኅ ነገራት መሃሮም። ክምህሮም እንተሎ ድማ ኸምዙይ በሎም፦

[3] ስምዑ ! እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ።

[4] ክዘርእ እንተሎ ሓድሓደ ዘርኢ ኣብ ወሰን መንገዲ ወደቐ፤ ኣዕዋፍ መጺአን ድማ በልዐኦ።

[5] ገሊኡ ድማ ብዙኅ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ዂሒ ወደቐ፤ ዕምቈት ሓመድ ስለ ዘይብሉ ኸዓ ቐልጢፉ በቖለ።

[6] ፀሓይ ምስ በረቐ ግና ሃጐጐ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ።

[7] ገሊኡ ኸዓ ኣብ ማእኸል እሾዂ ወደቐ፤ እቲ እሾኽ ከዓ ዓብዩ ሓኒ፤ ፍረውን ኣይሃበን።

[8] ገሊኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ፤ በቖለ፤ ዓበየ፤ ፈረየውን፤ ገሊኡ ሠላሳ ገሊኡ ስሳ ገሊኡ ኸዓ ሚእቲ ሃበ።

[9] ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ በሎም።

[10] ንበይኑ ምስ ኮነ ኸዓ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ምስቶም ዓሠርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ኮይኖም ብዛዕባ እቲ ምስላታት ጠየቕዎ።

[11] ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ ምፍላጥ ምሥጢር መንግሥቲ እግዚኣብሔር ንኣኻትኩም እዩ ተውሂቡ ዘሎ ነቶም ብወፃኢ ዘለዉ ግና

[12] ምርኣይ ክርእዩ ግና ኸየስተብህሉ ምስማዕውን ክሰምዑ ግና ኸየስተውዕሉ ንስሓ ኸይኣትዉሞ ምሕረት ከይግበረሎምስ ኲሉ ብምስላ እዩ ዝንገሮም።

[13] ከምዙይ ድማ በሎም፦ ነዝ ምስላ እዙይዶ ኣየስተውዓልኩምዎን ኢኹም? ከመይ ጌርኩም ደኣ ንዂሉ ምስላታት ክትርድእዎ ኢኹም?

[14] እቲ ዘራኢ ቓል እዩ ዝዘርእ።

[15] ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዮም ዝመስሉ፤ ምስ ሰምዑ ሽዑ ንሽዑ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ኣብ ልቦም ዝተዘርአ ቓል ይወስዶ።

[16] ከምኡ ኸዓ ገሊኦም ነቲ ኣብ ኰዂሒ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ ሽዑ ንሽዑ ብሓጐስ ይቕበልዎ።

[17] ንጊዜኡ እምበር ሡር የብሎምን፤ ደኃር ግና ስለ እቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኮነ ቐልጢፎም ይኽሕዱ።

[18] ገሊኦም ከዓ ነቲ ኣብ እሾዂ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ይሰምዑ ፤

[19] እንተኾነ ኃልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ፍቕሪ ሃብትን ካልእ ትምኒትን ኣትዩ ነቲ ቓል የሓንቆ፤ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን።

[20] ገሊኦም ግና ኸምቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ዝተዘርአ እዮም፤ ነቲ ቓል ይሰምዕዎ፤ ይቕበልዎ፤ ገሊኦም ሠላሳ ገሊኦም ስሳ ገሊኦምውን ሚእቲ ይፈርዩ።

[21] ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ሰብ መብራህቲ ኣብሪሁ ኣብ ውሽጢ ኸፈር ወይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ዓራት ድዩ ዘቐምጦ? ብርሃኑ ኣብ ዝርአ ቐንዲልዶ ኣይኾነን ዘቐምጦ?

[22] ዘይገሃድ ኅቡእ ዘይግለጽ ሥዉር የለን።

[23] ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።

[24] መሊሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ነቲ እትሰምዕዎ ኣስተብህሉሉ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈር ክስፈረልኩም ክውሰኸልኩምውን እዩ።

[25] ንዘለዎ ይወሃቦ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የኅድግዎ እዮምሞ።

[26] ከምዙይ ድማ በለ፦ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ኣብ ግራቱ ዘርኢ ኸም ዝዘርእ ሰብ እያ።

[27] ንሱ ለይቲ ይድቅስ መዓልቲውን ይትሥእ፤ እቲ ዘርኢ ድማ ንሱ እንተይፈለጠ ይበቊል የዓቢውን።

[28] እታ ምድሪ ባዕላ ተብቊል፤ ቅድም በቕሊ ደኃር ዘለላ፤ ኣብቲ ዘለላ ድማ ብጹሕ ስርናይ፤

[29] ፈጺሙ ምስ ፈረየ ኸዓ ቐውዒ ስለ ዝበጽሐ ማዕጺድ ይሰድድ።

[30] መሊሱ ድማ ኸምዙይ በለ፦ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ብምንታይ ክንምስላ? እንታይከ ምስላ ንግበረላ?

[31] ካብ ኲሉ ዘርኢ ምድሪ ዝነኣሰት ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርአት ፍረ ኣድሪ እያ።

[32] ምስ ተዘርአት ግና ትበቊል፤ ካብ ኲሉ ኣሕምልቲውን ተዓቢ፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ትሕቲ ጽላላ ኸዕርፋ ኽሳዕ ዝኽእላ ኸዓ ዓበይቲ ጨናፍር ትገብር።

[33] ከም መጠን ምስትውዓሎም ነቲ ቓል በዝ ኸምዙይ ዝበለ ምስላታት ይነግሮም ነበረ።

[34] ብዘይ ምስላ ኣይተዛረቦምን፤ ንደቀ መዛሙርቱ ግና ንበይኖም ኲሉ ይገልጸሎም ነበረ።

[35] በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ንሳገር! በሎም።

[36] ነቶም ሕዝቢ ኣፋንዮም ድማ ኣብታ ኢየሱስ ዝነበራ ጃልባ ምስኣቶም ወሰድዎ፤ ካልኦት ጃልባታት ከዓ ኣብኡ ነበራ።

[37] ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ተልዓለ፤ እታ ጃልባ ኽሳዕ ማይ እትመልእ ድማ እቲ ማዕበል ነታ ጃልባ ይጸፍዓ ነበረ።

[38] ኢየሱስ ግና ብወገን ድኅሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣበራቢሮም መምህር! ምጥፋእና ኣየኅዝነካን ዲዩ? በልዎ።

[39] ንሱ ተሢኡ ነቲ ነፋስ ገሠጾ፤ ነታ ባሕሪ ድማ ጸጥ በሊ! ህድኢ! በላ። እቲ ንፋስ ድማ ጸጥ በለ፤ ዓብዪ ህድኣትውን ኮነ።

[40] ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ ስለምንታይ ትፈርኁ? ክሳዕ ኽንድዙይዶ እምነት የብልኩምን? በሎም።

[41] ንሳቶም ግና ኬርና ፈርኁ፤ ንስንሳቶም ድማ እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ መን እዩ! ተበሃሃሉ።

ወንጌል ማርቆስ — Chapters