Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:13

[1] ኢየሱስ መሊሱ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ኣብኡ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ነበረ።

[2] ምእንቲ ክኸስዎ ድማ ብሰንበት ዘሕውዮ እንተ ኾይኑ ይጸናተውዎ ነበሩ።

[3] ኢየሱስ ከዓ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ ተሥእሞ ኣብ ማእኸል ደው በል! በሎ።

[4] ንኣኣቶም ድማ ብሰንበትስ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይ ክፉእ ምግባር? ነፍሲ ምድኃንዶ ወይ ምቕታል ይግባእ? በሎም። ንሳቶም ግና ስቕ በሉ።

[5] በቲ ትረት ልቦም ጕህዩ ነቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ ዂሎም ብቝጥዓ ጠመቶም፤ ነቲ ሰብኣይ ከዓ ኢድካ ዘርግሕ! በሎ፤ ንሱ ድማ ዘርግሓ፤ እታ ኢዱውን ሓወየት።

[6] ፈሪሳውያን ድማ ወፂኦም ብቕልጡፍ ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ምስ ናይ ሄሮድስ ሰባት ተማኸሩ።

[7] ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ፤ ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከዓ ብዙኃት ሰባት ሰዓብዎ።

[8] ከምኡውን ብዙኅ ሕዝቢ ነቲ ዂሉ ዝገበሮ ሰሚዑ ኻብ ኢየሩሳሌም ካብ ኤዶምያስ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ካብ ዙርያ ጢሮስን ሲዶናን ናብኡ መጸ።

[9] ብምኽንያት ብዝኂ ሕዝቢ ሰብ ምእንቲ ኸይዳፍኦ ጃልባ ኣዳልዮም ክጸንሑሉ ንደቀ መዛሙርቱ ነገሮም።

[10] ንብዙኃት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ ሕማም ዘለዎም ኲሎም ምእንቲ ኽነኽእዎ ኣብ ልዕሊኡ ኽሳዕ ዝወድቁ ይደፋፍኡ ነበሩ።

[11] እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ምስ ረአይዎ ንስኻ ወዲ እግዚኣብሔር ኢኻ! ኢሎም እናጸርሑ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቁ ነበሩ።

[12] ንሱ ግና ከየግህድዎ ኣበርቲዑ ኣዘዞም።

[13] ኢየሱስ ናብ እምባ ደይቡ ነቶም ዝደለዮም ጸውዖም፤ ንሳቶም ከዓ ናብኡ መጹ።

[14] ምስኡ ክኾኑን ክሰብኩ ምእንቲ ኽልእኾምን ዓሠርተ ኽልተ መሪጹ ሓዋርያት ኢሉ ሰመዮም።

[15] ሕሙማት ከሕውዩን ኣጋንንቲ ኸውፅኡን ድማ ሥልጣን ሃቦም።

[16] እቶም ዓሠርተ ኽልተ ድማ፦ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ ስምዖን

[17] እቶም ቦኣኔርጌስ ማለት ደቂ ነጐድጓድ ኢሉ ዝሰመዮም ደቂ ዘብዴዎስ ያዕቆብን ኃዉ ዮሓንስን

[18] እንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ቶማስን ወዲ እልፍዮስ ያዕቆብን ታዴዎስን ስምዖን ቀነናዊን

[19] እቲ ኣኅሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ ኣስቆሮታዊን እዮም።

[20] ኢየሱስ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ኸዓ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ምብላዕ ምግቢ ኽሳዕ ዝስእኑ መሊሱ ብዙኅ ሕዝቢ ተኣከበ።

[21] እቶም ኣዝማዱ ኸዓ ዓቢዱ እዩ እንትበሃል ሰሚዖም ክኅዝዎ መጹ።

[22] ካብ ኢየሩሳሌም ዝወረዱ መምህራን ሕጊ ድማ ብኤል ዜቡል ኂዝዎ ኣሎ፤ ንአጋንንቲውን ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውጽኦም ዘሎ በሉ።

[23] ኢየሱስ ድማ ጸውዖም፤ ብምስላታት ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ ሰይጣን ንሰይጣን ከመይ ገይሩ ኸውፅኦ ይኽእል?

[24] ሓንቲ መንግሥቲ ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ እታ መንግሥቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።

[25] ሓንቲ ስድራውን ንስንሳታ እንተ ተፈላልያ እታ ስድራ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን።

[26] ሰይጣን ከዓ ንስንሳቱ ተጻሊኡ እንተ ተፈላልዩ ይጠፍእ ደኣ እምበር ኣይቐውምን።

[27] ነቲ ኃያል ቅድም እንተይኣሰረ ኣብ ገዛ ኃያል ኣትዩ ንብረቱ ኽጕርጕር ዝኽእል ሓደኳ የለን። ምስ ኣሰሮ ግና ነቲ ገዝኡ ኽጕርጕር ይኽእል።

[28] እማን እብለኩም ኣለኹ፤ ንደቂ ሰብ ኲሉ ኃጢኣትን ጸርፍን ክኅደገሎም እዩ።

[29] እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ንዘለዓለም ኲነኔ ደኣ ይኾኖ እምበር ፈጺሙ ኣይኅደገሉን እዩ።

[30] ከምዙይ ዝበሎም ድማ ርኹስ መንፈስ ኃዲርዎ ስለ ዝበልዎ እዩ።

[31] እኖኡን ኣኅዋቱን ናብኡ መጹ፤ ኣብ ደገ ቖይሞም ከዓ ኽጽውዕዎ ለኣኹሉ።

[32] ብዙኅ ሕዝቢ ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጡ ነበረሞ እንሆ እኖኻን ኣኅዋትካን ኣብ ወፃኢ ደው ኢሎም ይደልዩኻ ኣለዉ በልዎ።

[33] ንሱ ድማ እኖይ መን እያ? ኣኅዋተይከ እንመን እዮም? ኢሉ መለሰሎም።

[34] ነቶም ኣብ ዙርያኡ ተቐሚጦም ዝነበሩ እናጠመተ እኖይን ኣኅዋተይንስ እኒሀዉ በለ።

[35] ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ዝገብር ኲሉ ኃወይን ሓፍተይን እኖይን ኢዩ በሎም።

ወንጌል ማርቆስ — Chapters