[1] በቲ ቕነ እቱይ ብዙኅ ሕዝቢ መሊሱ ተኣከበ፤ ዝብላዕ ግና ኣይነበሮምን እሞ ኢየሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ፦
[2] እዞም ሕዝቢ እዚኣቶም ምሳይ ካብ ዝቕንዩ ሠለስተ መዓልቲ ኾይኑዎም እዩ፤ ዝብላዕ ኸዓ የብሎምን እሞ የኅዝኑኒ ኣለዉ።
[3] ካብኣቶም ገሊኦም ካብ ርሑቕ ዝመጹ እዮም እሞ ብጥሙዮም ነናብ ገዝኦም እንተፋነኹምዎም ኣብ መንገዲ ኽደኽሙ እዮም፤ በሎም።
[4] ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነዝ ዂሉ ሕዝቢ ኣብዝ በረኻ እዙይ እንጀራ ኸጽግብ ዝኽእል መን እዩ? ኢሎም መለሱሉ።
[5] ኢየሱስ ከዓ ክንደይ ዝኣክል እንጀራ ኣለኩም? ኢሉ ጠየቖም፤ ንሳቶም ድማ ሸውዓተ በልዎ።
[6] ነቶም ሕዝቢ ኣብ ምድሪ ክቕመጡ ኣዘዞም፤ ነተን ሾውዓተ እንጀራ ኂዙ ኣመስጊኑ ቖረሰ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ከቕርቡሎም ድማ ሃቦም፤ ንሳቶም ኸዓ ነቶም ሕዝቢ ኣቕረቡሎም።
[7] ቁሩብ ዓሣውን ነበሮም፤ ንእኡ ድማ ባሪኹ ከቕርቡሎም ኣዘዘ።
[8] በሊዖም ጸገቡ፤ ዝተረፈ ቝርስራስ ከዓ ሸውዓተ መሶብ ሙሉእ ኣልዓሉ።
[9] እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ዝኾኑ ነበሩ። ሽዑ ድማ ክኸዱ ኣፋነዎም።
[10] ድኅርዙይ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ደይቡ ናብ ሃገር ደልማኑታ ኸደ።
[11] ፈሪሳውያን ናብ ኢየሱስ መጺኦም ክከራኸርዎ ጀመሩ፤ ክፍትንዎ ኢሎም ካብ ሰማይ ምልክት ኣርእየና ኢሎም ጠየቕዎ።
[12] ኢየሱስ ብመንፈሱ እናኃዘነ እዝ ትውልዲ እዙይ ንምንታይ እዩ ምልክት ዝደሊ ዘሎ? ነዝ ትውልዲ እዙይ ምልክት ከም ዘይወሃቦ እማን እብለኩም ኣለኹ በለ።
[13] ኃዲግዎም ድማ ናብ ጃልባ ደየበ፤ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ።
[14] ደቀ መዛሙርቱ እንጀራ ምኃዝ ስለ ዝረስዑ ኣብ ጃልባ እንትርፊ ሓደ እንጀራ ኻልእ ኣይነበሮምን።
[15] ኢየሱስ ድማ ካብ ማይ ብሒቝ ፈሪሳውያንን ሄሮድስን ተጠንቀቑ፤ ኢሉ ኣዘዞም።
[16] ንሳቶም ድማ ንስንሳቶም እንጀራ ስለ ዘይኃዝና ድዩ ኸምዙይ ዝብለና ዘሎ? ተበሃሃሉ።
[17] ኢየሱስ ድማ ፈሊጡ፦ ስለምንታይ እንጀራ ብዘይ ምኃዝኩም ንስንሳትኩም ትዘራረቡ? ገናዶ ኣይተረድአኩምን እዩ? ወይ ኣይተስተውዕሉን ዲኹም? ልብኹምከ ተደፊኑ ድዩ?
[18] ዓይኒ እንተለኩም ኣይትርእዩንዶ? እዝኒ እንተለኩምስ ኣይትሰምዑ ንዶ? ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም?
[19] እቲ ኃሙሽተ እንጀራ ንኃሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩ ቊርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዒልኩም? በሎም። ንሳቶም ከዓ ዓሠርተ ኽልተ በልዎ።
[20] እቲ ሸውዓተ እንጀራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ ቊርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም? ንሳቶም ድማ ሸውዓተ በልዎ።
[21] ንሱ ኸዓ ስለምንታይ ደኣ ዘይተስተውዕሉ? በሎም።
[22] ናብ ቤተ ሳይዳ ምስ መጹ ድማ ንሓደ ዕዉር ናብኡ ኣምጺኦም ክድህስሶ ለመንዎ።
[23] ነቲ ዕዉር ብኢዱ ኂዙ ኻብታ ኸተማ መሪሑ ኣውፅኦ፤ ናብ ኣዒንቱ እንትፍ ኢሉውን ኸዓ ኢዱ ኣንበረሉ፤ ዝኾነ ነገርዶ ትርኢ ኣለኻ? ኢሉውን ጠየቖ።
[24] ቆላሕ ኢሉ ድማ ሰባት ከም ኣእዋም እንትመላለሱ እርኢ ኣለኹ፤ በለ።
[25] ኢየሱስ መሊሱ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እሞ ኣጸቢቑ ረአየ፤ ዂሉውን በሪሁ ተርአዮ።
[26] ኢየሱስ ከዓ ናብ ዓዲ ኣይትእቶ! ኣብ ከተማ ድማ ንሓደ እኳ ኣይትንገር! ኢሉ ናብ ገዝኡ ሰደዶ።
[27] ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ዓድታት ቂሣርያ ናይ ፊልጶስ ከደ፤ ኣብ መንገዲ ድማ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሰብ መን እዩ ይብለኒ? ኢሉ ጠየቖም።
[28] ንሳቶም ድማ ገሊኦም ዮሓንስ መጥምቕ› ካልኦት ድማ ኤልያስ› ካልኦትውን ሓደ ኻብ ነቢያት እዩ› ይብሉኻ በልዎ።
[29] ንሱ ድማ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ? በሎም። ጴጥሮስ ከዓ ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ፤ ኢሉ መለሰሉ።
[30] ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደኳ ኸይነግሩ ኣበርቲዑ ኣጠንቀቖም።
[31] ወዲ ሰብ ብዙኅ መከራ ኽቕበል ብሽማግለታት ሕዝብን ብሊቃነ ካህናትን ብመምህራን ሕግን ክነዓቕን ክቕተልን ኣብ ሣልሳይ መዓልቲውን ክትሥእ ከም ዘለዎ ኽምህሮም ጀመረ።
[32] ነዝ ነገር እዙይ ድማ ኣግሂዱ ተዛረቦም። ሽዑ ጴጥሮስ ኣግልል ኣቢሉ እዙይ ኣይኸውንን! በሎ።
[33] ኢየሱስ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ እናጠመተ ንጴጥሮስ ኣታ ሰይጣን! ናይ ሰብ እምበር ናይ እግዚኣብሔር ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ ኻባይ ረሓቕ! ኢሉ ገሠጾ።
[34] ነቶም ሕዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸምዙይ በሎም፦ እቲ ክኽተለኒ ዝደሊ ንርእሱ ይኽሓድ፤ መስቀሉ ተሸኪሙ ኸዓ ይከተለኒ።
[35] እቲ ንሕይወቱ ኸድኅና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፤ እቲ ንሕይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና ኸድኅና እዩ።
[36] ሰብ ብዂሉ ዓለም ረቢኁ ነፍሱ እንተጥፍአ እንታይ ይጠቕሞ?
[37] ሰብከ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?
[38] እቲ ኣብዝ ዘማውን ኃጥእን ዝኾነ ትውልዲ እዙይ ብኣይን ብቓለይን ዝኃፍር ወዲ ሰብ ድማ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ ብእኡ ኽኃፍር እዩ።