Skip to content
Opens in a new window
Listen to this chapter • 4:31

[1] ኢየሱስ ድኅሪ ቑሩብ መዓልቲ ናብ ቅፍርናሆም ተመሊሱ መጸ፤ ኣብ ገዛ ኸም ዘሎውን ተሰምዐ።

[2] መረባ ኽሳዕ ዝጸቦም ብዙኃት ሰባት ናብኡ ተኣከቡ፤ ቓሉውን ይነግሮም ነበረ።

[3] ኣርባዕተ ሰባት ድማ ንሓደ መፃጕዕ ብዓራት ፆይሮም ናብኡ ኣምጽኡ።

[4] ካብ ጻዕቒ ሕዝቢ ዝተልዓለ ናብኡ ኸእትውዎ ስለ ዘይከኣሉ ናብቲ ናሕሲ ደይቦም በቲ ኢየሱስ ዝነበሮ ወገን ነቲ ናሕሲ ኣፍሪሶም ነቲ መፃጕዕ ምስቲ ደቂሱሉ ዝነበረ ዓራት ናብኡ ኣውረድዎ።

[5] ኢየሱስ ከዓ እምነቶም ርእዩ ነቲ መፃጕዕ ወደይ! ኃጢኣትካ ተኃዲጉልካ እዩ በሎ።

[6] -

[7] እንሆ ኸዓ ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕጊ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፤ ብልቦም ድማ ንምንታይ እዩ እዝ ሰብ እዙይ ከምዙይ ኢሉ ዝዛረብ? ንእግዚኣብሔር ኢዩ ዝጻረፍ ዘሎ ብዘይ ሓደ እግዚኣብሔር ኃጢኣት ክኃድግ ዝኽእል መን እዩ? እናበሉ የሓስቡ ነበሩ።

[8] ኢየሱስ ድማ ብልቦም እዝ ሓሳብዙይ ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ሽዑ ንሽዑ ብመንፈሱ ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ ስለምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ትሓስቡ ኣለኹም?

[9] ኣየናይ ይቐልል? ነዝ መፃጕዕ እዙይ ኃጢኣትካ ተኃዲጉልካ› ምባልዶ ወይ ተሥእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ!› ምባል?

[10] እምበኣር ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ኃጢኣት ክኃድግ ሥልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ እዩ ኢሉ ነቲ መፃጕዕ

[11] ተሥእ እሞ ዓራትካ ተሰኪምካ ናብ ገዛኻ ኺድ! እብለካ ኣለኹ በሎ።

[12] እቲ መፃጕዕ ድማ ሽዑ ንሽዑ ተሢኡ ዓራቱ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ወፀ። ስለዙይ ድማ ዂሎም ተደነቑ እሞ ከምዙይ ዝበለ ከቶ ኣይረአናን እናበሉ ንእግዚኣብሔር ኣመስገኑ።

[13] ድኅርዙይ ኢየሱስ ናብ ወሰን ባሕሪ ኣቢሉ ኸደ፤ ኲሎም እቶም ሕዝቢውን ናብኡ መጹ፤ ይምህሮምውን ነበረ።

[14] ክኃልፍ እንተሎ ድማ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ ኣብቲ ቐረጽ ዝቕረጸሉ ተቐሚጡ ረአዮ እሞ ተኸተለኒ! በሎ፤ ንሱ ኸዓ ተሢኡ ተኸተሎ።

[15] ድኅርዙይ ኢየሱስ ኣብ ገዛ ሌዊ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ፤ ዝተኸተልዎ ብዙኃት ነበሩሞ ብዙኃት ቀረጽትን ኃጥኣንንውን ምስ ኢየሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ።

[16] እቶም መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ኢየሱስ ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን ክበልዕን ክሰትን ምስ ረአይዎ ንደቀ መዛሙርቱ ስለምንታይ መምህርኩም ምስ ተቐበልቲ ቐረጽን ኃጥኣንን ዝበልዕን ዝሰትን? በልዎም።

[17] ኢየሱስ ከዓ ሰሚዑ ንሓኪምስ ሕሙማት እምበር ጥዑ ያት ኣይደልይዎን እዮም፤ ኣነ ኸዓ ንኃጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኹን በሎም።

[18] ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ነበሩ። ሰባት መጺኦም ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስን ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንን ይጾሙ እዮም ስለምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጾሙ? ኢሎም ንኢየሱስ ጠየቕዎ።

[19] ኢየሱስ ከዓ፦ መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኣዕርኽቲ መርዓዊ ኽጾሙዶ ይኽእሉ? መርዓዊ ምስኣቶም እንተሎ ኽጾሙ ኣይግብኦምን።

[20] እንተኾነ መርዓዊ ኻብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፤ ሽዑ ኽጾሙ እዮም።

[21] ሓድሽ ቊራጽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ከቶ የለን፤ እንተኾይኑውን እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፤ ምቕዳዱ ኸዓ ዝገደደ ይኸውን።

[22] ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ብላይ ኣሕርብቲ ዝመልእ የለን፤ እንተኾይኑውን እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ብላይ ኣሕርብቲ ይቐዶሞ እቲ ወይኒ ይፈስስ፤ እቲ ኣሕርብቲውን ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓድሽ ሓርቢ ይመልእዎ በሎም።

[23] ኢየሱስ ብሰንበት ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ኽኃልፍ እንተሎ ደቀ መዛሙርቱ እናኸዱ ሸዊት እናቐንጠቡ ምብላዕ ጀመሩ።

[24] ፈሪሳውያን ከዓ እስኪ ርአ! ደቀ መዛሙርትኻ ስለምንታይ ብሰንበት ክግበር ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ? በልዎ።

[25] -

[26] ኢየሱስ ድማ ብዘመን ኣብያታር ሊቀ ካህናት ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን ንሱ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ኾይኑ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትዩ እቲ ኻህናት ጥራሕ እምበር ካልኦት ክበልዕዎ ዘይተፈቐደ ኅብስተ ቝርባን ከም ዝበልዐን ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምንዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም? በሎም።

[27] ሰንበት እያ ምእንቲ ሰብ ዝተፈጥረት እምበር ሰብ ምእንቲ ሰንበት ኣይተፈጥረን።

[28] እምበኣርከስ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበትውን እዩ በሎም።

ወንጌል ማርቆስ — Chapters