[1] ኢየሱስ ብምስላ ገይሩ ኸምዙይ ክብሎም ጀመረ፦ ሓደ ሰብኣይ ወይኒ ተኸለ፤ ሓፁር ሓፀሮ፤ መጽመቊውን ኰዓተሉ፤ መሐለዊ መንደቕውን ሠርሐሉ፤ ንሓረስቶት ድማ ብብላዕ ሂብዎም ገሸ።
[2] ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሐ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኸምጽአሉ ናብቶም ሓረስቶት ኣገልጋሊኡ ለኣኸ።
[3] ንሳቶም ግና ኂዞም ገረፍዎ፤ ጥራሕ ኢዱውን ሰደድዎ።
[4] መሊሱ ኻልእ ኣገልጋሊኡ ናብኣቶም ለኣኸ፤ ንእኡውን ብእምኒ ቐጥቂጦም ኣቝሲሎም ኣዋሪዶም ሰደድዎ።
[5] ከምኡውን ሣልሳይ ካልእ ኣገልጋሊ ለኣኸ፤ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙኃት ካልኦት ከዓ ለኣኸ፤ ንገሊኦም ገረፍዎም፤ ንገሊኦም ድማ ቐተልዎም።
[6] ይኹን እምበር ሓደ ዝፈትዎ ወዲ ነበሮ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ንወደይስ ይኃፍርዎ ግዲ ይኾኑ ኢሉ ናብኣቶም ለኣኾ።
[7] እቶም ሓረስቶት ግናእዙይ እቲ ወራሲኡ እዩ፤ ንዑ ንቕተሎ እሞ እቲ ርስቱ ንኣና ክኸውን› ተበሃሃሉ።
[8] ኂዞም ድማ ቐተልዎ፤ ካብቲ ኣታክልቲ ወይኒ ኸዓ ናብ ወፃኢ ደርበይዎ።
[9] እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ እንታይ ኮን ክገብር እዩ? መጺኡ ነቶም ሓረስቶት ይቐትሎም፤ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸዓ ንኻልኦት ይህቦ።
[10] -
[11] እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኮነ፤ እዙይ ካብ እግዚኣብሔር እዩ፤ ነዒንትናውን ዘደንቕ እዩ› ዝብል ጽሑፍዶ ኣየንበብኩምን? በሎም።
[12] መራሕቲ ኣይሁድ ግና እዝ ምስላ እዙይ ብዛዕብኦም ከም ዝተዛረቦ ፈሊጦም ነበሩ እሞ ኽኅዝዎ ደለዩ፤ ነቶም ሕዝቢ ፈሪሖም ግና ኃዲጎምዎ ኸዱ።
[13] ብቓሉ ኸጋግይዎ ኢሎም ከዓ ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሄሮድስ ወገን ዝኾኑ ሰባትን ናብኡ ለኣኹ።
[14] ናብኡ መጺኦም ድማ መምህር! ሓቀኛ ኸም ዝኾንካ ንሓደኳ ከምዘይትፈርኅ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተዳሉ መንገዲ እግዚኣብሔርውን ብሓቂ ኸምትምህር ንፈልጥ ኢና። ንቄሣር ግብሪ ምኽፋል ይግባእ ድዩ? ወይ ኣይግባእን? ንኽፈልዶ ኣይንኽፈል? በልዎ።
[15] ኢየሱስ ድማ ግብዝናኦም ፈሊጡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም? እስኪ ነቲ ዲናር ክርእዮ ኣምጽኡለይ በሎም።
[16] ንሳቶም ድማ ኣምጽኡሉ፤ ንሱ ኸዓ እዙይ መልክዑ ን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ? በሎም። ንሳቶም ድማ ናይ ቄሣር በልዎ።
[17] ኢየሱስ ከዓ እምበኣር እቲ ናይ ቄሣር ንቄሣር እቲ ናይ እግዚኣብሔር ከዓ ንእግዚኣብሔር ሃቡ፤ ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ተደነቑ።
[18] ትንሣኤ ሙታን የለን ዝብሉ ሰዱቃውያን ከዓ ናብኡ መጹ፤
[19] መምህር! ሙሴ ሓደ ሰብ ውሉድ እንተይወለደ ሰበይቱ ኃዲጉ እንተ ሞተ ነታ ሰበይቱ እቲ ኃዉ ይውረሳ እሞ ንኃዉ ዘርኢ የቑመሉ፤› ኢሉ ጽሒፉልና ኣሎ።
[20] ኣባና ሾውዓተ ኣኅዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፤ ውሉድ እንተይኃደገ ሞተ።
[21] እቲ ኻልኣይ ድማ ኣእተዋ፤ ውሉድ እንተይኃደገውን ሞተ፤ እቲ ሣልሳይውን ከምኡ።
[22] ሾውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ውሉድ ኣይኃደጉን፤ ድኅሪ ዂሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት።
[23] ሾውዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ ብትንሣኤ ምዉታን ሰበይቲ አይንኦም እያ ኽትከውን? ኢሎም ጠየቕዎ።
[24] ኢየሱስ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ መጻሕፍትን ኃይሊ እግዚኣብሔርን ብዘይ ምፍላጥኩምዶ ኣይኮነን ትጋገዩ ዘለኹም?
[25] ምዉታን ምስ ተሥኡስ ከምቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ መላእኽቲ እግዚኣብሔር እዮም እምበር ኣይውሰቡን፤ ኣይዋሰቡን እዮም።
[26] ምዉታን ከም ዝትሥኡስ ንሙሴውን እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጢ ቖጥቋጥ ኮይኑ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሓቅ ኣምላኽ ያዕቆብ እየ፤› ከም ዝበሎ ኣየንበብኩምንዶ?
[27] እምበኣር ንሱ ኣምላኽ ሕያዋን እዩ እምበር ኣምላኽ ምዉታን ኣይኮነን፤ ንስኻትኩም ግና ብዙኅ ትጋገዩ ኣለኹም፤ ኢሉ መለሰሎም።
[28] ካብቶም መምህራን ሕጊ ሓደ ኸም ዝተኸራኽርዎሞ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ሰሚዑ ናብኡ ቐረበ። ካብ ኲለን ትእዛዛት ዝዓበየት ኣየነይቲ እያ? ኢሉ ጠየቖ።
[29] ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎ እታ ዝዓበየት ትእዛዝ እዚኣ እያ፤ ኦ እስራኤል! ስማዕ፤ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሔር እዩ።
[30] ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ብዂሉ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ሓሳብካን ብዂሉ ኃይልኻን ኣፍቅሮ።› እታ ዝዓበየት ትእዛዝ እዚኣ እያ።
[31] እታ ንኣኣ እትመስል ካልኣይቲ ድማ ንብጻይካ ኸም ባዕልኻ ጌርካ ኣፍቅሮ!› እትብል እያ። ካብዘን ትእዛዛት እዚኣተን ዝዓበየት ትእዛዝ የላን፤ ኢሉ መለሰሉ።
[32] እቲ መምህር ሕጊ ኸዓ መምህር! ጽቡቕ ተዛሪብካ፤ ብሓቂ እግዚኣብሔር ሓደ እዩ፤ ብዘይ ንሱ ድማ ኻልእ የለን።
[33] ብዂሉ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን ብዂሉ ኣእምሮኻን ብዂሉ ኃይልኻን ክተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ከተፍቅሮ› እዙይ ካብ ኲሉ ዝሓርር መሥዋዕትን ካብ ኲሉ ኻልእ መሥዋዕትን ይበልጽ እዩ በሎ።
[34] ኢየሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ምስ ረአየ ንስኻስ ካብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ርኁቕ ኣይኮንካን፤ በሎ። ብድኅሪኡ ሓደኳ ኽጥይቖ ኣይደፈረን።
[35] ኢየሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃሮም እንተሎ መምህራን ሕጊ ኸመይ ኢሎም እዮም ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ፤› ዝብሉ?
[36] ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ ጐይታ ንጐይታይ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፤› በሎ፤ ይብል።
[37] ዳዊት ባዕሉ ጐይታይ› ካብ በሎ ኸመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኾኖ? በለ። እቶም ብዙኃት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ይሰምዕዎ ነበሩ።
[38] -
[39] እናመሃሮም እንተሎ ኸዓ ካብቶም ነዊሕ ቀሚሽ ተኸዲኖም ዝዞሩን ኣብ ዕዳጋውን ብኽብሪ ኢድ ክነሥኡሎም ዝደልዩ ኣብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድውን ዝለዓለ መንበር ኣብ ማእዲ ዝኸበረ ሥፍራ ኻብ ዝደልዩ መምህራን ሕጊ ተጠንቀቑ!
[40] ንሳቶም ናይ መበለታት ኣባይቲ ዝብዝብዙ፤ ኸምስሉ ድማ ኣንዊኆም ዝጽልዩ እዮምሞ፤ እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ኽቕበሉ እዮም፤ በሎም።
[41] ኢየሱስ ኣብ መንጽር ሙዳየ ምጽዋት ተቐሚጡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሙዳየ ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዘእትዉ ይርኢ ነበረ። ብዙኃት ሃብታማት ከዓ ብዙኅ የእትዉ ነበሩ።
[42] ሓንቲ ድኻ መበለት ድማ መጺኣ ኽልተ ሳንቲም ዝኣክል ቆድራንቴን ኣእተወት።
[43] ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸዊዑ ኸዓ ካብዞም ናብዝ ሙዳየ ምጽዋት ዘእተዉ ዂሎም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ዝበዝኅ ከም ዘእተወት እማን እብለኩም ኣለኹ።
[44] እዚኣቶም ኲሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘእተዉ፤ እዚኣ ግና ስእንቲ እንተላ እታ ዘለታ ጥሪታ እያ ዝሃበት፤ በሎም።