[1] ምስ ወግሐ ሽዑ ሊቃነ ካህናት ምስ ሽማግለታትን መምህራን ሕግን ብዘሎ እቲ መጋባእያን ምኽሪ መኸሩ፤ ንኢየሱስ ድማ ኣሲሮም ወሰድዎ፤ ኣኅሊፎም ከዓ ንጲላጦስ ሃብዎ።
[2] ጲላጦስ ድማ ንኢየሱስ ንስኻ ንጉሥ ኣይሁድ ዲኻ? ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ፤ ኢሉ መለሰሉ።
[3] እቶም ሊቃነ ካህናት ድማ ብብዙኅ ነገር ከሰስዎ፤ ንሱ ግና ኣይመለሰን።
[4] ጲላጦስ ከዓ እንሆ ኽንድዙይ ዝኣክል እንትኸሱኻ ሓንቲ እኳ እትምልሶ መልሲዶ የለን? እናበለ ደጊሙ ጠየቖ።
[5] ኢየሱስ ግና ጲላጦስ ክሳዕ ዝግረም ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።
[6] እንሆ ኸዓ በብበዓል ንሳቶም ዝለመንዎ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሐሎም ነበረ።
[7] ምስቶም ሁከት ዝገበሩን ነፍሲ ዝቐተሉን በርባን ዝብሃል ሰብኣይ ተኣሲሩ ነበረ።
[8] እቶም ሕዝቢ ድማ ደይቦም ከምታ ልማዶም ክገብረሎም ለመኑ።
[9] -
[10] ጲላጦስ መሊሱ እቶም ሊቃነ ካህናት ብቕንኣቶም ኣኅሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ ነቲ ንጉሥ ኣይሁድ ክፈትሐልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም? ኢሉ ጠየቖም።
[11] እቶም ሊቃነ ካህናት ግና ንበርባን ምእንቲ ኽፈትሐሎም ክልምኑ ነቶም ሕዝቢ ኣለዓዓልዎም።
[12] ጲላጦስ ደጊሙ ነዝ ንጉሥ ኣይሁድ ዝበሃል ደኣ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ? ኢሉ ጠየቖም።
[13] ንሳቶም ኸዓ ስቐሎ! ስቐሎ! እናበሉ ጸርሑ።
[14] እንታይ ክፉእ ስለ ዝገበረ? በሎም። ንሳቶም ግና የመና ዓው ኢሎም ስቐሎ! በሉ።
[15] ጲላጦስ ኸዓ ነቶም ሕዝቢ ኸሐጕሶም ደልዩ፤ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽሰቕልዎ ሃቦም።
[16] እቶም ወታደራት ድማ ናብ ውሽጢ ቤት ፍርዲ ኣእተውዎ፤ ንዂሉ እቲ ሠራዊት ድማ ኣከብዎ።
[17] ቀይሕ ኽዳን ከደንዎ፤ ኣኽሊል እሾዂ ተኒጎም ከዓ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ።
[18] ኦ ንጉሥ ኣይሁድ! ሰላም ንኣኻ! እናበሉ ኢድ ነሢኦም ሓጨጩሉ።
[19] ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፤ እንትፍ በሉሉ፤ ተንበርኪኾምውን ሰገዱሉ።
[20] ምሰባጨዉሉ ነቲ ቐይሕ ኽዳን ቐንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ።
[21] ኣቦ እስክንድሮስን ሩፎስን ዝኾነኃላፍ መንገዲ ንስምዖን ቀሬናዊ ካብ ወፍሪ ኽኣቱ እንተሎ ናይ ኢየሱስ መስቀል ክፀውር ኣገደድዎ።
[22] ንኢየሱስ ናብ ጎልጎታ ትርጓሜኡ ኸዓ ሓምሓም ርእሲ› ተብሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ቦታ ወሰድዎ።
[23] ምስ ከርበ ዝተኃወሰ ወይኒ ኽሰቲ ድማ ሃብዎ፤ ንሱ ግና ምስታይ ኣበየ።
[24] ሽዑ ሰቐልዎ፤ በብጽሒቶም ምእንቲ ኽፈልጡ ኸዓ ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈልዎ።
[25] ክሰቕልዎ እንተለዉ ኸዓ ሠለስተ ሰዓት ነበረ።
[26] ናይ መኽሰሲኡ ጽሑፍውን ንጉሥ ኣይሁድ ዝብል ኣብ ልዕሊ ርእሱ ተጽሒፉ ነበረ።
[27] ምስኡውን ክልተ ኸተርቲ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ ሰቐሉ።
[28] እቲ ምስ ዓመፅቲ ተቖጸረ፤ ዝብል ጽሑፍውን ተፈጸመ።
[29] -
[30] እቶም ብእኡ ዝኃልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርሶ ብሠለስተ መዓልቲውን እትሓንጾ! እስኪ ርእስኻ ኣድኅን! ካብ መስቀልውን ውረድ! እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ።
[31] ከምኡ ኸዓ ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕጊ ኾይኖም ንኻልኦት ኣድኃነ፤ ንርእሱ ግና ኸድኅን ኣይከኣለን።
[32] ንሱ መሢሕ ንጉሥ እስራኤል እንተ ኾይኑ ርኢና ብእኡ ኽንኣምንስ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቐሉ ይውረድ! እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ፤ እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉውን ይጸርፍዎ ነበሩ።
[33] ካብ ሽዱሽተ ሰዓት ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ኣብ ኲሉ ምድሪ ጸልማት ኮነ።
[34] ትሽዓተ ሰዓት ምስ ኮነ ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ? እናበለ ዓው ኢሉ ጸርሐ፤ ትርጕሙ ድማ ኣምላኸይ! ኣምላኸይ! ንምንታይ ኃደግካኒ? ማለት እዩ።
[35] ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኸዓ ገሊኦም እንሆ! ንኤልያስ ይጽውዕ ኣሎ፤ በሉ።
[36] ሓደ ግና ጐይዩ ሰፍነግ ኣብ መጺጽ ኣሊኹ ኣብ ዘንጊ ኣሲሩ እስኪ ኅደጉ ኤልያስ መጺኡ እንተውርዶ ኽንርኢ ኢና! እናበለ ኣስተዮ።
[37] ኢየሱስ ከዓ ብዓብዪ ድምፂ ገዓረ፤ ነፍሱውን ካብ ሥጋኡ ተፈለየት።
[38] መጋረጃ ቤተ መቕደስ ድማ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ።
[39] እቲ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸዓ ነፍሱ ብኸምዙይ ካብ ሥጋኡ ኸም ዝተፈለየት ምስ ረአየ እዝ ሰብ እዙይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሔር እዩ ነይሩ፤ በለ።
[40] እንሆ ኸዓ ኣንስቲ ኣብ ርኁቕ ኮይነን የማዕድዋ ነበራ፤ ካብኣተን ኸዓ ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ንኡስ ያዕቆብን ዮሳን ሰሎሜን ነበራ።
[41] ንሳተን ኣብ ገሊላ እንተሎ ጀሚረን ዝተኸተላኦን ዘገልገላኦን እየን፤ መብዝኅተን እተን ካልኦት ግና ምስኡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝደየባ ነበራ።
[42] ዓርቢ ምሸት ድሮ ሰንበት መዓልቲ ምድላው ነበረ።
[43] እቲ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ዝጽበ ፈላጥን ክቡርን ናይ ኣይሁድ ኣማኻሪ በዓል ኣርማትያስ ዮሴፍ መጸ፤ ብትብዓት ናብ ጲላጦስ ኣትዩውን ሥጋ ኢየሱስ ክወሃቦ ለመነ።
[44] ጲላጦስ ድማ ሞይቱ ዲዩ? ኢሉ ተደነቐ፤ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ ኸዓ ብርግጽዶ ሞይቱ እዩ? ኢሉ ጠየቖ።
[45] ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ከም ዝሞተ ምሰረጋገጸ ሥጋ ኢየሱስ ንዮሴፍ ክወሃብ ፈቐደ።
[46] ንሱ ድማ ሓድሽ ፃዕዳ ሃሪ ዓደገ፤ ኣውሪዱ ኸዓ በቲ ፃዕዳ ሃሪ ገነዞ፤ ኣብ ኰዂሒ ኣብ ዝተወቕረ መቓብርውን ቀበሮ፤ ነቲ ኣፍ መቓብር ኸዓ እምኒ እናገላበጠ ወሲዱ ዓፀዎ።
[47] ማርያም መግደላዊትን ማርያም እኖ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዝቐበርዎ ይርእያ ነበራ።